| ← Job (17/42) → |
| 1. | መንፈሰይ ቀሀመ፡ መዓልትታተይ ይጠፍኣ፡ መቓብር ይጽበየኒ ኣሎ። |
| 2. | መላገጽቲ ኸቢቦምኒ፡ ኣዒንተይ ድማ ብምምራሮም ይሐድራ ኣለዋ። |
| 3. | ሕጂ ኸኣ ዕርቡን ሀበኒ፡ ኣባኻ ተወሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ? |
| 4. | ከየስተውዕሉስ ንልቦም ዐጺኻዮ ኢኻ እሞ፡ልዕል ኣይከተብሎምን ኢኻ። |
| 5. | እቲ ንፈተውቱ ንበዝበዝቲ ኣሕሊፉ ዚህቦም፡ ኣዒንቲ ደቁ ኼሕለልዋ እየን። |
| 6. | ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ ገበረኒ፡ ኣብ ቅድሚኦም ጡፍ መበሊ ዀንኩ። |
| 7. | ኣዒንተይ ብሓዘን ሰልመታ፡ ኲለን ኣካላተይ ከም ጽላሎት ኰና። |
| 8. | እቶም ቅኑዓት በዚ ኺግረሙ እዮም፡ እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ረሲእ ኪህወኽ እዩ። |
| 9. | እቲ ጻድቕ ግና ኣብ መገዱ ይጸንዕ፡ እቲ ኣእዳው ዝንጹሃት ከኣ እናበርትዔ ይኸይድ። |
| 10. | ኤረ ዂላትኩም ተመለሱ፡ ንዑ፡ ግናኸ ሓደ ጢቢብ እኳ ኣይረኽበልኩምን እየ። |
| 11. | ዘመነይ ሐሊፉ፡ እቲ ልበይ ዚምነዮ ዝነበረ ምምዳበይ ፈሪሱ። |
| 12. | ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፡ ጸልማት ከሎስ፡ ብርሃን ቀሪቡ ኣሎ፡ ይብሉ። |
| 13. | እቲ ዝጽበዮ ቤተይ ሲኦል እንተ ዀነ፡ መንጸፈይ ኣብቲ ጸልማት እንተ ኣንጸፍኩ፡ |
| 14. | ንመቓብር፡ ኣበይ ኢኻ፡ ንሓሳኹውን፡ እኖይን ሓብተይን፡ እንተ በልክዎም፡ |
| 15. | ተስፋይ ደኣ ኣበይ ኣላ? ኤረ ንተስፋይ መን ኪርእያ እዩ? |
| 16. | ኣብ ሓመድ ሐቢርና ምስ እንዐርፍ፡ ናብ መርሖታት ሲኦል ክትወርድ እያ። |
| ← Job (17/42) → |