Job (14/42)  

1. ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ ሓጺር ዕድመ፡ ጽጉብ ሓሳር እዩ።
2. ከም ዕንበባ ይዕንብብ፡ ይጽምሉ ኸኣ፡ ከም ጽላሎት ይሀድም፡ ኣይነብርን ድማ።
3. ኣብ ከምዚ ዝበለዶ ኣዒንትኻ ቛሕ ተብል ኣሎኻ? ክፍረድስ ናብ ቅድሜኻዶ ትጐተኒ ኣሎኻ?
4. ካብቲ ርኹስሲ ንጹህ ኬውጽእ ዚኽእልዶ ኣሎ? ሓደ እኳ የልቦን።
5. ዕድመ ሰብ ምዱብ፡ ኣዋርሑ ኣባኻ ቚሩጽ ካብ ኰነ፡ ዘይሐልፋ ደረትውን ካብ ወሰንካሉስ፡
6. ንሱ ኸም ብዓል ውዕለት፡ መዓልቱ ኽሳዕ ዚፍጽም ኪዐርፍሲ፡ ገጽካ ኻብኡ ምለስ።
7. ኦምሲ ተስፋ ኣለዎ፡ እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ፡ ውልዶታቱ ኸኣ ኣይውዳእን እዩ።
8. ስሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣረገ፡ ጒንዱ ኣብ መሬት እንተ ሞተ፡
9. ብጠሊ ማይ ይጥጥዕ፡ ከም ሓድሽ ተኽሊ ዀይኑ፡ ጨናፍር ይገብር።
10. ሰብ ግና ይመውት እሞ ወዲቑ ይተርፍ፡ ሰብ እስትንፋሱ እንድሕሪ ሐሊፋስ፡ ኣበይከ ኣሎ?
11. ካብ ባሕርስ ማያት ከም ዚፈስስ፡ ርባውን ከም ዚነጽፍን ዚደርቕን፡
12. ሰብ ከኣ ከምኡ ደቂሱ ኣይትንስእን፡ ሰማያት ክሳዕ ዚሐልፍ ከቶ ኣይነቅሕን፡ ካብ ድቃስ ኣይበራበርን።
13. ኣየ፡ ቊጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ፡ እንተ ትስውረኒ፡ ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብኣኒ፡ መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ፡ ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ።
14. ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ? ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ዘመን ሰልፈይ ኲሉ ምተጸቤኹ።
15. ንስኻ ምጸዋዕካኒ፡ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፡ ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።
16. ሕጂ ግና ንስጒምተይ ትቘጽረን፡ ንሓጢኣተይሲ ትቋመቶዶ ኣየሎኻን?
17. ንኣበሳይ ኣብ ከረጺት ይሓትሞ፡ ንበደለይውን ተጣብቖ ኣሎኻ።
18. ግናኸ፡ ከምቲ ኸረን ወዲቑ ዚጠፍእ፡ ከውሒውን ካብ ቦታኡ ዚግዕዝ፡
19. ከምቲ ማያት ነእማን ዜሕቅቖ፡ ውሒዙውን ንመሬት ምድሪ ዚድምስሶ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻ ንተስፋ ሰብ ከንቱ ትገብሮ።
20. ንስኻ ንሓዋሩ ትሕይሎ፡ ንሱውን ይሐልፍ፡ ንገጹ ለዊጥካ ይኺድ ትገድፎ።
21. ደቁ እንተ ኸበሩ፡ ኣይፈልጦን፡ እንተ ሐሰሩውን፡ ኣየስተብህሎን እዩ።
22. ስጋኡ እቲ ናይ ባዕሉ ስቓይ እዩ ዚስምዖ፡ ነፍሱ ኸኣ ብዛዕባ ርእሱ እያ እትጒሂ።

  Job (14/42)