Job (13/42)  

1. እንሆ፡ ነዚ ዂሉስ ዓይነይ ርእያቶ እዝነይውን ሰሚዓ ኣስተብሂላቶ።
2. ነቲ ንስኻትኩም እትፈልጥዎስ ኣነውን እፈልጦ፡ ካባኻትኩም ከኣ ኣይትሕትን እየ።
3. ግናኸ ነቲ ዂሉ ዚኽእል ክዛረቦ እደሊ፡ ምስ ኣምላኽ ክማጻረ ሃረር እብል ኣሎኹ።
4. ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡ ኲላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም።
5. ኤረ ስቕ ምባል እንተ ትኽእሉ፡ እዚ ኸኣ ኸም ጥበብ ምተቘጽረልኩም ነይሩ።
6. ንተግሳጸይ ስምዑ፡ ናብቲ ምስክር ከናፍረይ ጽን በሉ፡
7. ንኣምላኽስ ብቓል ዓመጻ ኽትካላኸሉሉ፡ ስሊኡ ኢልኩምከ ልግሚዶ ኽትዛረቡ ኢኹም?
8. ወራኡ ኽትኰኑ፡ ንኣላኽ ክትጣበቑሉዶ ትደልዩ ኣሎኹም?
9. ንሱ እንተ መርመረኩምዶ ጽቡቕ እዩ? ወይስ ከምቲ ንሰብ እተዐሽውዎ፡ ከተዐሽውዎዶ ኢኹም?
10. ብስውር እንተ ኣድሎኹምሲ፡ ንሱ ብርግጽ ኪዘልፈኩም እዩ።
11. ግርማኡዶ ኣይኬሸብረኩምን እዩ? ፍርሃቱስ ኣይኪወድቀኩምን እዩ?
12. ባህልኹም ምሳሌታት ሓመዂስቲ፡ ዕርድታትኩውን ዕርድታት ጭቃ እዩ።
13. ስቕ በሉ፡ ክዛረብ ግዳ ሕደጉኒ፡ ዝዀነ ይኹን ይውረደኒ።
14. ንምንታይ ንስጋይ በስናነይ እሕዞ? ንህይወተይውን ኣብ ኢደይ ኤንብራ?
15. ሓንትስ ኣኻይዳይ ኣብ ቅድሚኡ ኤቕንዕ እምበር፡ ንሱ ይቕተለኒ፡ ኣነስ ካልእ ትጽቢት የብለይን።
16. ግብዝ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣይኪብልን እዩ እሞ፡ እዚኣ ንምድሓን ክትጠቕመኒ እያ።
17. ስምዑ፡ እስኪ ንቓላተይ ስምዑ፡ እቲ ኣነ ዝብሎ ንእዝንኹም ይሰቈሮ።
18. እንሆ፡ ንነገረይ ኣዳልየዮ ኣሎኹ፡ ጻድቕ ኰይነ ኸም ዝርከብ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
19. መን እዩ ዚረትዓኒ? ሽዑ ስቕ እብል እመውትውን።
20. ብኽልተ ነገር ግዳ ኣይትግፈዓኒ እምበር፡ ኣነ ኸኣ ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይክስወርን እየ፡
21. ኢድካ ኻባይ ኣርሕቐለይ፡ ግርማኻውን ኣየሸብረኒ።
22. ሽዑ ንስኻ ጸውዓኒ፡ ኣነውን ክመልስ፡ ወይ ከኣ ኣነ ኽዛረብ፡ ንስኻ ምለሰለይ።
23. ኣበሳይን ሓጢኣተይንሲ ኽንደይ እዩ ምብዛሑ? እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ።
24. ንምንታይከ ገጽካ እትኽውሎ? ከም ጸላኢኻ እትርእየኒ?
25. ንዝረገፈ ቘጽሊዶ ኸተፈራርሆ ኢኻ? ንንቑጽ ሓሰርሲ ኸተሳጒጎ ኢኻ?
26. መሪር ነገር ትጽሕፈለይ፡ ኣበሳ ንእስነተይ ከኣ ተውርሰኒ ኣሎኻ።
27. ንስኻ ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ተእትወን፡ ንብዘሎ መገደይውን ትሕሉ፡ ንኸብዲ እግረይ ከኣ መፈለጥታ ትገብረሉ ኣሎኻ።
28. ኣነስ ከም ዝበዂበዀ ኦም፡ ብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ዓለባ ዀይነ።

  Job (13/42)