| ← Job (13/42) → |
| 1. | እንሆ፡ ነዚ ዂሉስ ዓይነይ ርእያቶ እዝነይውን ሰሚዓ ኣስተብሂላቶ። |
| 2. | ነቲ ንስኻትኩም እትፈልጥዎስ ኣነውን እፈልጦ፡ ካባኻትኩም ከኣ ኣይትሕትን እየ። |
| 3. | ግናኸ ነቲ ዂሉ ዚኽእል ክዛረቦ እደሊ፡ ምስ ኣምላኽ ክማጻረ ሃረር እብል ኣሎኹ። |
| 4. | ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡ ኲላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም። |
| 5. | ኤረ ስቕ ምባል እንተ ትኽእሉ፡ እዚ ኸኣ ኸም ጥበብ ምተቘጽረልኩም ነይሩ። |
| 6. | ንተግሳጸይ ስምዑ፡ ናብቲ ምስክር ከናፍረይ ጽን በሉ፡ |
| 7. | ንኣምላኽስ ብቓል ዓመጻ ኽትካላኸሉሉ፡ ስሊኡ ኢልኩምከ ልግሚዶ ኽትዛረቡ ኢኹም? |
| 8. | ወራኡ ኽትኰኑ፡ ንኣላኽ ክትጣበቑሉዶ ትደልዩ ኣሎኹም? |
| 9. | ንሱ እንተ መርመረኩምዶ ጽቡቕ እዩ? ወይስ ከምቲ ንሰብ እተዐሽውዎ፡ ከተዐሽውዎዶ ኢኹም? |
| 10. | ብስውር እንተ ኣድሎኹምሲ፡ ንሱ ብርግጽ ኪዘልፈኩም እዩ። |
| 11. | ግርማኡዶ ኣይኬሸብረኩምን እዩ? ፍርሃቱስ ኣይኪወድቀኩምን እዩ? |
| 12. | ባህልኹም ምሳሌታት ሓመዂስቲ፡ ዕርድታትኩውን ዕርድታት ጭቃ እዩ። |
| 13. | ስቕ በሉ፡ ክዛረብ ግዳ ሕደጉኒ፡ ዝዀነ ይኹን ይውረደኒ። |
| 14. | ንምንታይ ንስጋይ በስናነይ እሕዞ? ንህይወተይውን ኣብ ኢደይ ኤንብራ? |
| 15. | ሓንትስ ኣኻይዳይ ኣብ ቅድሚኡ ኤቕንዕ እምበር፡ ንሱ ይቕተለኒ፡ ኣነስ ካልእ ትጽቢት የብለይን። |
| 16. | ግብዝ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣይኪብልን እዩ እሞ፡ እዚኣ ንምድሓን ክትጠቕመኒ እያ። |
| 17. | ስምዑ፡ እስኪ ንቓላተይ ስምዑ፡ እቲ ኣነ ዝብሎ ንእዝንኹም ይሰቈሮ። |
| 18. | እንሆ፡ ንነገረይ ኣዳልየዮ ኣሎኹ፡ ጻድቕ ኰይነ ኸም ዝርከብ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። |
| 19. | መን እዩ ዚረትዓኒ? ሽዑ ስቕ እብል እመውትውን። |
| 20. | ብኽልተ ነገር ግዳ ኣይትግፈዓኒ እምበር፡ ኣነ ኸኣ ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይክስወርን እየ፡ |
| 21. | ኢድካ ኻባይ ኣርሕቐለይ፡ ግርማኻውን ኣየሸብረኒ። |
| 22. | ሽዑ ንስኻ ጸውዓኒ፡ ኣነውን ክመልስ፡ ወይ ከኣ ኣነ ኽዛረብ፡ ንስኻ ምለሰለይ። |
| 23. | ኣበሳይን ሓጢኣተይንሲ ኽንደይ እዩ ምብዛሑ? እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ። |
| 24. | ንምንታይከ ገጽካ እትኽውሎ? ከም ጸላኢኻ እትርእየኒ? |
| 25. | ንዝረገፈ ቘጽሊዶ ኸተፈራርሆ ኢኻ? ንንቑጽ ሓሰርሲ ኸተሳጒጎ ኢኻ? |
| 26. | መሪር ነገር ትጽሕፈለይ፡ ኣበሳ ንእስነተይ ከኣ ተውርሰኒ ኣሎኻ። |
| 27. | ንስኻ ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ተእትወን፡ ንብዘሎ መገደይውን ትሕሉ፡ ንኸብዲ እግረይ ከኣ መፈለጥታ ትገብረሉ ኣሎኻ። |
| 28. | ኣነስ ከም ዝበዂበዀ ኦም፡ ብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ዓለባ ዀይነ። |
| ← Job (13/42) → |