| ← Job (12/42) → |
| 1. | ድሕርዚ እዮብ መሊሱ በለ፡ |
| 2. | ብሓቂ እቶም ኣውራታት ሰባት ንስኻትኩም ኢኹም፡ ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ። |
| 3. | ግናኸ ኣነውን ከማኻትኩም ኣእምሮ ኣሎኒ፡ ካባኻትኩም ኣይሰንፍን፡ ነዚ ኸምዚ ዘይፈልጥ መን እዩ? |
| 4. | ኣነ ንጐረቤተይ መላገጺ ዝዀንኩ ሰብ እየ፡ ኣነ ናብ ኣምላኽ ተማህሊለስ ምላሽ ዝረኸብኩ፡ ጻድቕን ፍጹምን ሰብሲ መላገጺ ዀይኑ። |
| 5. | ኣብ ሓሳብ እቲ ደሓን ዘሎ ሰብ ንመከራ ምንዓቕ ኣሎ። እዚ ነቶም እግሮም ሰንከልከል ዚብል ድልዊ እዩ። |
| 6. | ድንኳን እቶም በዝበዝቲ ብደሓን ይነብር ኣሎ፡ እቶም ንኣምላኽ ዚተሃላለኽዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኢዶም ኣዕዚዙ ዚህቦም ብህድኣት ኣለው። |
| 7. | ግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን፡ ኪገልጻልካ እየን። |
| 8. | ወይስ ንምድሪ ተዛረባ፡ ክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም። |
| 9. | በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ? |
| 10. | ህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡ |
| 11. | ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዜስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ? |
| 12. | ጥበብ ኣብ ሽማግሌታት፡ ምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ። |
| 13. | ጥበብን ስልጣንን ኣብኡ ኣሎ፡ ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን። |
| 14. | እንሆ፡ ንሱ የፍርስ፡ ከም ብሓድሽ ዚነድቕ ከኣ የልቦን፡ ንሱ ንሰብ ይዐጽዎ፡ ዚኸፍቶ ድማ የልቦን፡ |
| 15. | እንሆ፡ ንሱ ንማይ ይኽልክሎ እሞ ይነጽፍ፡ ከፊቱ ይድርጒሖ እሞ ምድሪ ይድምሰስ። |
| 16. | ሃይልን ኣእምሮን ናቱ እየን፡ እቲ ዚስሕትን ዜስሕትን ናቱ እዮም። |
| 17. | ንሱ ንመኸርቲ ቐንጢጡ ይሰዶም፡ ንፈረድቲውን ዓያሱ ይገብሮም። |
| 18. | ንሱ ንስልጣን ነገስታት ይፈትሖ፡ ኣብ ሓቛቚኦም ድማ ገመድ የዕጥቖም። |
| 19. | ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶም፡ ንጽኑዓት ከኣ ይግልብጦም። |
| 20. | ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርሶ፡ ንኣረገውቲ ኣእምሮኦም የሕድጎም። |
| 21. | ንመሳፍንቲ ንዕቀት የፍስሰሎም፡ ንሓያላትውን ዕጣቖም የላሕልሓሎም። |
| 22. | ነቲ መዓሙቚ ካብ ጸልማት ይቐልዖ፡ ንድነ ሞትውን ናብ ብርሃን የውጽኦ። |
| 23. | ንህዝብታት የብዝሖም የብርሶም ከኣ፡ ንህዝብታት የስፍሖም የባርሮምውን። |
| 24. | ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድርስ ኣእምሮ የሕድጎም፡ መገዲ ብዜብሉ በረኻ የዀብልሎም። |
| 25. | ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም፡ ኣብ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፡ ንሱውን ከም ሰካራት ሰንከልከል የብሎም። |
| ← Job (12/42) → |