| ← Job (11/42) → |
| 1. | ድሕሪዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡ |
| 2. | ዚ ብዝሒ ዘረባዶ ምላሽ ኣይኪወሀቦን እዩ? ወይስ ለፍላፊ ሰብዶ ኺጸድቕ እዩ? |
| 3. | እዚ ምሕባንካዶ ንሰብ ስቕ ኬብሎ እዩ? ኣላጊጽካስ ዜሕፍረካ ሰብዶ የልቦን? |
| 4. | ንስኻውን፡ ትምህርተይ ቅኑዕ እዩ፡ ኣብ ዓይንኻውን ንጹህ እየ፡ ትብል ኣሎኻ። |
| 5. | ኣየ፡ ኣምላኽያ እንተ ዚዛረብ፡ ከናፍሩ ኸፊቱ እንተ ዚመልሰልካ፡ |
| 6. | ናይ ጥበብ ምስጢራት ካብቲ ዘሎ ዕጽፊ ምዃኑ እንተ ዚገልጸልካ፡ ንገሊኡ ኣበሳኻ ኸም ዚርስዖ፡ መስተብሀልካ ኔርካ። |
| 7. | ንመዓሙቚ ኣምላኽዶ ኸተቚሮ፡ ንምልኣት እቲ ዂሉ ዚኽእልሲ ኸተቚሮ ትኽእል ኢኻ? |
| 8. | ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ? ካብ ሲኦል ይዐምቚ፡ እንታይ ክትፈልጥ ኢኻ? |
| 9. | ስፍሩ ኻብ ምድሪ ይነውሕ፡ ካብ ባሕሪውን ይሰፍሕ እዩ። |
| 10. | ንሱስ ንኸንቱነት ሰብ ይፈልጦ፡ ንዓመጻ ኸኣ ሃሰስ ከይበለ ይረኽቦ እዩ እሞ፡ ንሱ እንተ ሐለፈ፡ እንተ ዐጸወ፡ ኣብ ፍርዲ እንተ ኣከበ፡ መን እዩ ዚኽልክሎ? |
| 11. | ንሱስ ንኸንቱነት ሰብ ይፈልጦ፡ ንዓመጻ ኸኣ ሃሰስ ከይበለ ይረኽቦ እዩ እሞ፡ ንሱ እንተ ሐለፈ፡ እንተ ዐጸወ፡ ኣብ ፍርዲ እንተ ኣከበ፡ መን እዩ ዚኽልክሎ? |
| 12. | ግናኸ ዓሻ ሰብ ምስትውዓል የብሉን፡ |
| ← Job (11/42) → |