Job (10/42)  

1. ነፍሰይ ንህይወተይ መነወታ፡ ንጥርዓነይ ስቕ ኣየብሎን፡ ብምረት ነፍሰይ ደኣ ኽዛረብ እየ።
2. ንኣምላኽ፡ ኣይትዀንነኒ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጻረረኒ ዘሎኻ? ኣፍልጠኒ፡ እብሎ ኣሎኹ፡
3. ንተግባር ኢድካ ኽትጭቊኖን ክትንዕቆን ነቲ ምኽሪ ረሲኣን ከኣ ከተብርሆንዶ ባህ የብለካ እዩ?
4. ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን ካብ ኢድካ ዜናግፍ ከም ዜልቦን፡ እናፈለጥካ፡ ኣበሳይ እትደሊ፡ ሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡ ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ? ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ? መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን? ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን?
5. ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን ካብ ኢድካ ዜናግፍ ከም ዜልቦን፡ እናፈለጥካ፡ ኣበሳይ እትደሊ፡ ሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡ ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ? ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ? መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን? ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን?
6. ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን ካብ ኢድካ ዜናግፍ ከም ዜልቦን፡ እናፈለጥካ፡ ኣበሳይ እትደሊ፡ ሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡ ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ? ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ? መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን? ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን?
7. ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን ካብ ኢድካ ዜናግፍ ከም ዜልቦን፡ እናፈለጥካ፡ ኣበሳይ እትደሊ፡ ሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡ ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ? ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ? መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን? ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን?
8. ኣእዳውካ ንዂለንትናይ ደኰና፡ ሰርሓኒውን፡ ግናኸ ተጥፍኣኒ ኣሎኻ።
9. ከም መሬት ከም ዝጠፍጠፍካኒ ዘክር፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ሓመድ ትመልሰኒ ኣሎኻ።
10. ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፡ ከም ርግኦስ ኣየርጋእካንን ኢኻ?
11. ቈርበትን ስጋን ኣልበስካኒ፡ ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ።
12. ህይወትን ጸጋን ሞገስካኒ፡ ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሐለዎ።
13. ግናኸ ነዚ ኣብ ልብኻ ሐባእካዮ፡ ሓሳብካስ እዚ ኸም ዝነበረ እፈልጥ ኣሎኹ።
14. እንተ ዝብድልሲ ምተቛመትካኒ፡ ካብ ኣበሳይውን ኣይምፈታሕካንን።
15. ረሲእ እንተ ዀንኩ፡ ወይለይ፡ ጻድቕ እንተ ዀንኩ ድማ፡ ሓሳር እጸግብ መከራይውን እርኢ ኣሎኹ እሞ፡ ርእሰይ ከልዕል ኣይከኣለንን እዩ።
16. ልዕል እንተ ዘብሎ ድማ፡ ከም ኣንበሳ ምሀደንካኒ፡ መሊስካ ኣብ ልዕለይ ነቲ ግሩም ስልጣንካ መርኤኻ።
17. ሐሓደስቲ ምስክር መቘምካለይ፡ ንቚጥዓኻ ኣብ ልዕለይ ብዕጽፊ መውረድካዮ፡ እተለዋወጠ ዚጻረረኒ ጭፍራ ምሰደድካለይ።
18. ንምንታይ ደኣ እሞ ካብ ማሕጸን ኣውጻእካኒ? ኣየ፡ ዓይኒ ኸይረኣየትኒ ሞይተ እንተ ዝኸውን።
19. ከቶ ኸም ዘይነበርኩ ምዀንኩ፡ ካብ ማሕጸን ናብ መቓብር መውረዱኒ ነይሮም።
20. መዓልትታተይ ሒዶት ደይኰናን? ናብታ ሃገር ጸልማትን ድነ ሞትን፡ ናብታ ግብ ዝበለ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዘለዋን ስርዓት ዜብላን ሃገር፡ ኣብኣስ ብርሃን እኳ ኸም ጸልማት ለይቲ ዝዀነ፡ ናብታ ኣነ ኻብኣ ዘይምለስ ሃገር ከይከድኩ፡ ቅሩብ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ እስኪ ሕደገኒ ልቐቐኒ።
21. መዓልትታተይ ሒዶት ደይኰናን? ናብታ ሃገር ጸልማትን ድነ ሞትን፡ ናብታ ግብ ዝበለ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዘለዋን ስርዓት ዜብላን ሃገር፡ ኣብኣስ ብርሃን እኳ ኸም ጸልማት ለይቲ ዝዀነ፡ ናብታ ኣነ ኻብኣ ዘይምለስ ሃገር ከይከድኩ፡ ቅሩብ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ እስኪ ሕደገኒ ልቐቐኒ።
22. መዓልትታተይ ሒዶት ደይኰናን? ናብታ ሃገር ጸልማትን ድነ ሞትን፡ ናብታ ግብ ዝበለ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዘለዋን ስርዓት ዜብላን ሃገር፡ ኣብኣስ ብርሃን እኳ ኸም ጸልማት ለይቲ ዝዀነ፡ ናብታ ኣነ ኻብኣ ዘይምለስ ሃገር ከይከድኩ፡ ቅሩብ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ እስኪ ሕደገኒ ልቐቐኒ።

  Job (10/42)