Jeremiah (9/52)  

1. ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ ለይትን መዓልትን ክበክስ፡ ርእሰይ ዔላ ማይ፡ ኣዒንተይ ድማ ፈልፋሊ ንብዓት ኰይኑ እንተ ዚኸውን መን ምሀበኒ።
2. ወዮ፡ ኲላቶም ዘመውትን ኣኼባ ጥልመትን ኰይኖም እዮም እሞ፡ ኣብ በረኻ ማሕደር መንገደኛታት እንተ ትህልውንስ፡ ህዝበይ ምሐደግኩ፡ ካብኦምውን ምረሐቕኩ ነይረ።
3. ካብ እከይ ናብ እከይ ይሐልፉ፡ ንኣይ ከኣ ኣይፈልጡንን እዮም እሞ፡ ንልሳኖም ከም ቀስቶም ገይሮም ሓሶት ይግትሩ ኣለው፡ ንሓቂ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ኣብታ ሃገርሲ ሓያላት እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4. ነፍሲ ወከፍ ሓው ይጥብር፡ ነፍሲ ወከፍ ብጻይ ድማ እናሐመየ ይኸይድ ኣሎ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ብጻዩ ይጠንቀቕ፡ ኣብ ሓዉውን ኣይተኣመን።
5. እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዐሽዎ፡ ሓቂ ኸኣ ኣይዛረቡን፡ ልሳውንቶም ሓሶት ንምዝራብ የልምዱ፡ እከይ ንምግባርውን ይደኽሙ።
6. እትነብረሉ ዘሎኻ ማእከል ጥበራ እዩ፡ ብሰሪ ምጥባር ድማ ምፍላጠይ ኣበዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7. ስለዚ፡ እንሆ፡ ክዂልዖምን ክምርምሮምን እየ፡ ብናይ ጓል ህዝበይሲ እንታይ ካልእ ደኣ ኽገብር እየ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
8. ልሳኖም ዚቐትል ፍላጻ እዩ፡ ጥበራ ይዛረቡ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፡ ብልቡ ግና ይቃጸዎ።
9. በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ፡ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ ይብል እግዚኣብሄር።
10. ንኣኽራን እበኽየሉን እድጒዓሉን፡ ነቲ መውፈር በረኻውን፡ ብሓዊ ነዲዱ ዚሐልፈሉ የልቦን እሞ፡ እቚዝመሉ ኣሎኹ። ኣብኡ ንቅዋ ኸብቲ ኣይስማዕን፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ኰነ ኻልኦት እንስሳውን ሀዲሞም ተጸርገፉ።
11. ንየሩሳሌም መዀመር እምንን ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፡ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረን ዑናታት ክገብረን እየ።
12. እቲ ነዚ ዜስተውዕሎ ጥበበኛ መን እዩ ነዚ ኺገልጾኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረቦ እታ ሃገር፡ ሓደ እኳ ዚሐልፋ ዜብላ ዀይና፡ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍኤትሲ ስለምንታይ እዩ
13. እግዚኣብሄር ከኣ ይብል፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘንበርክዎ ሕገይ ሐደጉ፡ ድምጸይ ከኣ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን፡
14. ግናኸ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዘስተምሀርዎም ደድሕሪ በዓል ሰዐቡ እሞ፡
15. ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ነዚ ህዝቢ እዚ መሪር ከብልዖ፡ ማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮ እየ፡
16. ኣብ ማእከል እቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ክሳዕ ዝውድኦም ድማ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ።
17. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣስተብሂልኩም በኸይቲ ኣንስቲ ኺመጻ ጸውዑ፡ እተን ለባማት ኪመጻ ድማ ልኣኹለን።
18. ሃገር ስለ ዝሐደግና፡ ኣባይትና ኸኣ ስለ ዘፍረስዎ፡ ሓፍረት ለበስና፡ ኣታ ኽንደይ ጠፊእና ኢና፡ ዚብል ድምጺ ቚዝማ ኻብ ጽዮን ይስማዕ ኣሎ እሞ፡ ኣዒንትና ንብዓት ኪቐዝር፡ ኰበሮ ዓይንናውን ማይ ኬውሕዝ፡ ቀልጢፈን ይቘዝማልና።
19. ሃገር ስለ ዝሐደግና፡ ኣባይትና ኸኣ ስለ ዘፍረስዎ፡ ሓፍረት ለበስና፡ ኣታ ኽንደይ ጠፊእና ኢና፡ ዚብል ድምጺ ቚዝማ ኻብ ጽዮን ይስማዕ ኣሎ እሞ፡ ኣዒንትና ንብዓት ኪቐዝር፡ ኰበሮ ዓይንናውን ማይ ኬውሕዝ፡ ቀልጢፈን ይቘዝማልና።
20. ንቘልዑ ኻብ ቅርዓት፡ ነጒባዝ ድማ ካብ ኣደባባይ ምእንቲ ኼብርስ፡ ሞት ብመሳዂትና ደዪቡ ናብ ኣዳራወትና ኣትዩ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዓ፡ ኣእዛንክን ድማ ቃል ኣፉ ይቀበል። ነዋልድክን ቊዝማ ኣልምዳ፡ ንሓድሕድክን ከኣ ድጒዓ ተማሃሀራ።
21. ንቘልዑ ኻብ ቅርዓት፡ ነጒባዝ ድማ ካብ ኣደባባይ ምእንቲ ኼብርስ፡ ሞት ብመሳዂትና ደዪቡ ናብ ኣዳራወትና ኣትዩ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዓ፡ ኣእዛንክን ድማ ቃል ኣፉ ይቀበል። ነዋልድክን ቊዝማ ኣልምዳ፡ ንሓድሕድክን ከኣ ድጒዓ ተማሃሀራ።
22. እግዚኣብሄርሲ፡ ሬሳታት እቶም ሰብ፡ ከምቲ ደድሕሪ ዓጻዲ ዚእክቦ ዜብሉ እንዳእቲ፡ ከም ድዂዒ ኣብ ግራት ኪወድቁ እዮም፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም።
23. ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይተሐበን፡ ሓያል ከኣ ብሓይሉ ኣይተሐበን፡ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይተሐበን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
24. ዚሕበንሲ እዚ እዩ ባህ ዜብለኒ እሞ፡ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሐበን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
25. ኲላቶም ኣህዛብ ኣይተገዝሩን፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ልባ ኣይተገዝረን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንዂሎም እቶም ዘይተገዝሩ ግዙራት፡ ንግብጽን ንይሁዳን ንኤዶምን ንደቂ ዓሞንን ንሞኣብን ነቶም ጽጒሮም ወሰነወሰን ዚላጸዩ ኣብ ምድረ በዳ ዚነብሩ ዂላቶምን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
26. ኲላቶም ኣህዛብ ኣይተገዝሩን፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ልባ ኣይተገዝረን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንዂሎም እቶም ዘይተገዝሩ ግዙራት፡ ንግብጽን ንይሁዳን ንኤዶምን ንደቂ ዓሞንን ንሞኣብን ነቶም ጽጒሮም ወሰነወሰን ዚላጸዩ ኣብ ምድረ በዳ ዚነብሩ ዂላቶምን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

  Jeremiah (9/52)