Jeremiah (8/52)  

1. በቲ ዘመን እቲ ዓጻጽምቲ ነገስታት ይሁዳን ዓጻጽምቲ መሳፍንቱን ዓጻጽምቲ ኻህናትን ዓጻጽምቲ ነብያትን ዓጻጽምቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ካብ መቓብሮም ኬውጽእዎ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
2. ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘገልገልዎምን ዝሰዐብዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ጸሓይን ወርሕን ኲሎም ሰራዊት ሰማይን ኪሰጥሕዎ እዮም። ኣብ ርእሲ ምድሪ ድዂዒ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ዚእክቦ ወይስ ዚቐብሮ የልቦን።
3. ኲሎም እቶም ተረፍ ናይ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ዝተረፈ፡ ካብ ህይወት ሞት ኪሐርዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
4. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ድማ ንገሮም፡ ዝወደቐስ ኣይትንስእንዶ እዩ መገዲ እተጋገየኸ ኣይምለስንዶ እዩ
5. ስለምንታይ ደኣ እዚ ህዝቢ የሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም ኣብ ተንኰል ይጸንዑ ምምላስውን ይኣብዩ።
6. ጽን ኢለ ሰማዕኩ፡ ቅንዕና ኣይዛረቡን፡ ካብ ክፍኣቱ ዚጠዐስ፡ እንታይ እየ ዝገበርክዎ ኸኣ ዚብል የልቦን፡ ከምቲ ናብ ኲናት ዚፋንን ፈረስ ነፍሲ ወከፍ ይጐዪ ኣሎ።
7. ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፡ ኳትራን ለዃዂቶን ዓያን ዚመጻሉ ግዝያት የስተብህላ እየን፡ ህዝበይ ግና ፍትሒ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን እዩ።
8. ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ኣሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም ግናኸ እንሆ፡ ናይ ጸሓፍቲ ብርዒ ሓሶትሲ ናብ ሓሶት ገልቢጥዋ እዩ።
9. እቶም ጥበበኛታት እዚኣቶም ኪሐፍሩን ኪስምብዱን ኪተሐዙን እዮም። እንሆ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶምሲ፡ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን ኣለዎም እዩ
10. ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ እዮም፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ኣለው እሞ፡ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፡ ግራሁኦም ድማ ንዜጥርይዎ ኽህቦ እየ።
11. ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም፡ ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው።
12. ጽያፍ ስለ ዝገበሩ ኺሐፍሩዶ እዮም ምንም ኣይሐፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምኳኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዚወድቁ ኺወድቁ፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ድማ ጻሕ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13. ኣነ ርግጽ ከጽንቶም እየ፡ ኣብ ሓረግ ወይኒ ዘቢብ ኣይርከብን፡ ኣብ ኦም በለስ ከኣ በለስ የልቦን፡ እቲ ቘጽሊ እኳ ይሐርር፡ ነቶም ብእኡ ዚሐልፉ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14. ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣጥፊኡና፡ ማይ ስሚ ድማ ኣስትዩና እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ስቕ ኢልና ንቕመጥ ተኣከቡ፡ ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንእቶ፡ ኣብኤን ከኣ ንጥፋእ።
15. ሰላም ተጸቤና፡ ግናኸ ጽቡቕ ኣይመጸን። እንሐውየሉ ጊዜ ተጸቤና፡ እንሆ ኸኣ፡ ስምባድ ኰነ።
16. ናይ ኣፍራሱ ዂርፍ ምባል ካብ ዳን ይስማዕ፡ ብደሃይ ምሕምሓም ጅንጒላታቱ ድማ ኲላ እታ ሃገር ትርዕድ። መጹ፡ ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዚነብሩን ከኣ በልዕዎም።
17. እንሆ፡ ዓዛሚ ኺዕዝሞም ዘይከኣሎ ኣትማንን ገባብልን ክሰደልኩም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪነኽሱኹም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18. ኣብ ሐዘነይሲ ምጽንናዕ ኣበይ ክረክብ እየ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሰለውለው ይብለኒ ኣሎ።
19. እንሆ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ጽዮን የሎን ንጉሳዶ ኣብኣ የሎን እዩ ዚብል ኣውያት ጓል ህዝበይ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። ስለምንታይ ደኣ ብቕሩጽ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣኦታቶምን ዜቘጥዑኒ
20. ቀውዒ ሐለፈ፡ ሓጋይ ተወድኤ፡ ንሕና ኸኣ ኣይደሐንናን።
21. ጓል ህዝበይ ስለ እተሰብረት፡ ተሰበርኩ፡ ጸለምኩ ሰካሕኩውን።
22. ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ ስለምንታይ ደኣ ቚስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፈፉ ዘይሐዊ

  Jeremiah (8/52)