Jeremiah (7/52)  

1. እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፡
2. ኣብ ደገ ቤት ደው በል እሞ ኣብኡ ዄንካ እዚ ቓል እዚ ስበኽ በልውን፡ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው ሰብ ይሁዳ ዂላትኩም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
3. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ኣጸብቑ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኸንብረኩም እየ።
4. መቕደስ እግዚኣብሄር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር፡ መቕደስ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ኢልኩም ኣብ ቃላት ሓሶት ኣይትወከሉ።
5. መገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፡
6. ንጓናን ዘኽታምን መበለትን እንተ ዘየጨነቕኩም፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንጹህ ደም እንተ ዘየፍሰስኩም፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ንጒድኣትኩም እንተ ዘይሰዐብኩምሲ፡
7. ሽዑ ኣነ ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለም ኣለም ዝሀብክዋ ምድሪ፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ።
8. እንሆ፡ ንስኻትኩም ኣብ ዘይጠቅም ቃላት ሓሶት ትውከሉ ኣሎኹም።
9. ኣየ፡ ንስኻትኩም ትሰርቁ፡ ትቐትሉ፡ ትዝምው፡ ብሓሶት ትምሕሉ፡ ንበዓል ትዐጥኑ፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትስዕቡ፡
10. ናብዚ መጺእኩም ከኣ፡ ኣብዛ ብስመይ እተሰምየት ቤት ኣብ ቅድመይ ቌምኩም፡ ኲሉ እዚ ፍንፋን ግብሪ እዚ ምእንቲ ኽትገብሩ፡ ድሑናት ኢና፡ ትብሉ ኣሎኹም።
11. እዛ ብስመይ እተሰምየት ቤትዶ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉት ኰነት እንሆ፡ ኣነ ባዕለይ ርእየዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12. እምበኣርሲ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፡ ናብ ሲሎ፡ ኪዱ እሞ ብሰሪ እከይ ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ።
13. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሕጂ ኸኣ እዚ ዂሉ ግብርታት እዚ ጌርኩምስ፡ ኣንጊሄ ተንሲኡ ነጊርኩም፡ ተዛሪብኩም ኣይሰማዕኩምን፡ እናጸዋዕኩኹም ድማ ኣይመለስኩምን ኢኹም እሞ፡
14. ስለዚ ኸኣ ነዛ ብስመይ እተሰምየት፡ ንስኻትኩምውን እትውከልዋ ዘሎኹም ቤት፡ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ስፍራ፡ ከምቲ ኣብ ሲሎ ዝገበርክዎ ኽገብራ እየ፡
15. ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፡ ንዂሎም ዘርኢ ኤፍሬም፡ ዝደርቤኽዎም፡ ካብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
16. እምበኣርሲ ኣይክሰምዓካን እየ እሞ፡ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ኣይትማህለል፡ ኣይትጸሊ፡ ላሕውን ኣይተብለኒ።
17. ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ዚገብርዎ ዘለውዶ ኣይትርእን ኢኻ
18. ንኣይ ምእንቲ ኼጒህዩስ፡ ደቂ ኣዕጫው ይእክቡ፡ ኣቦታት ሓዊ ይኣጒዱ፡ ኣንስቲ ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ዚኸውን ቅጫ ኺስንክታ ብሑቚ የቘምጥዓ፡ መስዋእቲ መስተውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍያ።
19. ንኣይዶ እዮም ዜጒህዩ ዘለው ንውርደት ርእሶምዶ ግዳ ኣይኰኑን ዚብድሉ ዘለው ይብል እግዚኣብሄር።
20. ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ቊጥዓይን ነድረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኣብ ሰብን እንስሳን ኣብ ኣእዋም መሮርን ኣብ ፍረ ምድርን ክዂዑ እየ፡ ኪነድድ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
21. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹም ኣብቲ መስዋእቲ ሕሩድኩም ወስኹ እሞ እቲ ስጋ ብልዑ።
22. በታ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ብናይ ዚሐርር መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምን ድማ።
23. ዝኣዘዝክዎምሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም። ጽቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡውን፡ በቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘበለ ዂሉ መገድታት ተመላለሱ።
24. ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን።
25. ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወሉላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዂላቶም ግዙኣተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣብ ጸጽባሕ ኣንጊሄ ለኣኽኩልኩም።
26. ግናኸ ክሳዶም ደኣ ኣትረሩ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፡ ኣእዛኖም ከኣ ኣባይ ጽን ኣይበላን፡ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገበሩ።
27. እዚ ዂሉ እኳ እንተ ነገርካዮም፡ ኣይኪሰምዑኻን እዮም፡ እንተ ጸዋዕካዮምውን ፡ ኣይኪመልሱልካን እዮም፡
28. እምበኣርስኸ፡ እቲ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዘይሰምዕ፡ ተግሳጽ ከኣ ዘይቕበል ህዝቢ እዚ እዩ። ሓቂ ጠፍኤ፡ ካብ ኣፎምውን ኣቋረጸ፡ ክትብሎም ኢኻ።
29. እግዚኣብሄር ነቲ ዘቘጥዖ ወለዶ ደርብይዎን ወጊድውን እዩ እሞ፡ ጸጒሪ ርእስኺ ቘሪጽኪ ደርብዪ፡ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪ ድማ ዋይዋይ በሊ።
30. ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፡ ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኼርክስዋ፡ ጽያፎም ኣብኣ ኣቐመጡ፡
31. ኣነ ከቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡ በረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
32. ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌት ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየላን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ሽዑ ኻልእ ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ፡ ኣብ ቶፌት ኪቐብሩ እዮም።
33. ሬሳታት እዚ ህዝቢ እዚ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ እያዕ ዚብሎም ድማ የልቦን።
34. እታ ሃገር እቲኣ ክትባድም እያ እሞ፡ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት የሩሳሌምን ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ከጥፍእ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

  Jeremiah (7/52)