Jeremiah (6/52)  

1. ኣቱም ደቂ ብንያም፡ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይቐርብ ኣሎ እሞ፡ ካብ ማእከል የሩሳሌም ህደሙ፡ ኣብ ትቆኣ መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ርእሲ ቤት ሃኬሬም ምልክት ትኸሉ።
2. ነዛ ስብቅልን ሕንቅቕትን ጓል ጽዮን ከጥፍኣ እየ።
3. ጓሶት ምስ መጓሴታቶም ኣብኣ ይወፍሩ፡ ድንኳናቶም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ይተኽሉ፡ ነፍሲ ወከፍ በብወገኖም ድማ ይጓስዩ ኣለው።
4. ክትዋግእዋ ተዐጠቑ፡ ተንስኡ፡ ቀትሪ ኸሎ ንውጻእ። ምድሪ መስዩ፡ ጽላሎት ምሸት ከኣ ነዊሑ እዩ እሞ፡ ወይለና።
5. እምበኣርሲ ተንስኡ፡ ብለይቲ ንገስግስ እሞ ነዳራሻታ ነፍርሶ።
6. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣእዋም ቊረጹ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ብቐጽሪ ኽበብዋ። ብዂሉ ወገና ዓመጽን ጐመጽን ኣለዋ እሞ፡ እትቕጻዕ ከተማ እያ።
7. ዔላ ማዩ ኸም ዜፈልፍል፡ ከምኡ ኸኣ ክፍኣታ ተፈልፍል ኣላ። ኣብኣ ዓመጽን ምብራስን ይስማዕ ኣሎ፡ ስቓይን ቊስልን ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ እዩ።
8. ኣቲ የሩሳሌም፡ ነፍሰይ ካባኺ ኸይትፍለ እሞ ሰብ ዘይነብረላ ምድረ በዳ ኸይገብረክስ፡ ተቐጽዒ።
9. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ንተኽሊ ወይኒ ዚቕርምዎ፡ ነቲ ተረፍ እስራኤል ኪቕርምዎ እዮም። ከምቲ ኣራይ ዘቢብ ኣብ ሓረግ ዚገብሮ፡ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።
10. እንሆ፡ እዝኖም ዘይተገዝረ እዩ፡ ኪሰምዑ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም። እንሆ፡ ቃል እግዚኣብሄር ነውሪ ዀይንዎም እዩ እሞ ባህ ኣየብሎምን። እምበኣርከ ምእንቲ ኺሰምዑስ፡ ንመን ደኣ ኽዛረብ፡ ኣብ ቅድሚ መንሲ ኽምስክር እየ
11. ስለዚ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር መሊኤ ኣሎኹ፡ ትም ክብል ድማ ኣይከኣለንን። ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣረጊትን ዕድሚኡ ዘእከለን ኪተሐዙስ፡ ኣብቶም ቈልዑ ኣብ መገድን ኣብቶም መንእሰይ ኣብ ባይቶን ኣሕቢርካ ኽዐወሎም።
12. ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየ እሞ፡ ኣባይቶምን ግራህኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ኣብ ካልኦት ኪሐልፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13. ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ስለ ዘለው እዩ።
14. ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው።
15. ጽያፍ ስለ ዝገበሩስ ኪሐፍሩዶ እዮም ምንም ኣይሐፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዚወድቁ ኺወድቁ፡ ምስ ኣራኻኸብኩሎም ከኣ ጻሕ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
16. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታት፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ንሳቶም ግና፡ ኣይንመላለሰሉን ኢና፡ ኢሎም መለሱ።
17. ኣብ ደሃይ መለኸት ኣድህቡ፡ ዚብሉኹም ሐለውቲ ሸይመልኩም ነይረ። ንሳቶም ግና፡ ኣይነድህብን ኢና፡ በሉ።
18. ስለዚ ኣቱም ኣህዛብ፡ ስምዑ፡ ኣቱም ማሕበር፡ እቲ ዚመጾም ዘሎ ፍለጡ።
19. ኣቲ ምድሪ፡ ስምዒ፡ ኣብ ቃላተይ ኣየድሀቡን፡ ንሕገይ ከኣ ደርብዮምዎ እዮም እሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ መዓት ከምጽእ እየ፡ ንሱ ኸኣ ፍረ ሓሳቦም እዩ።
20. እቲ ዕጣን፡ ካብ ሳባ፡ ምኡዝ ቃንጫ ኸኣ ካብ ርሑቕ ሃገር ዚመጽእ እንታይ ግዱ ኣሎኒ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹም ባህ ኣየብለንን፡ መስዋእቲ ሕሩድኩምውን ኣየብህገንን እዩ።
21. ስለዚ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ እምኒ መዓንቀፊ ኤንብር ኣሎኹ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣቦታትን ውሉድን ኪዕንቀፉ፡ ጐረቤትን ዓርኩን ሐቢሮም ኪጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
22. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይነቅል ኣሎ።
23. ቀስትን ኲናትን ይሕዙ፡ ጨካናት፡ ምሕረት ዜብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ። ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣፍርስ ሰሪሮም ይስለፉ፡ ከም ጅግና ኸኣ ኪዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለው።
24. ወሪኦም ሰማዕና፡ ኣእዳውና ድማ ዘርጋሕጋሕጋሕ በለ። ከምቲ ቕልውላው ንወላዲት ዚሕዛ፡ ጸበባ ሐዘና።
25. ሰይፊ ጸላኢ ኣብኡ፡ ፍርሃት ከኣ ኣብ ኲሉ ወገን ኣሎ እሞ፡ ኣብ ግዳም ኣይትውጽኡ፡ ኣብ መገድታት ኣይትኺዱ።
26. ኣቲ ጓል ህዝበይ፡ መጥፍኢ ብድንገት ኪመጸና እዩ እሞ፡ ከሊ ተኸደኒ፡ ኣብ ሓመዂስቲ ኣንፈፍዊ፡ ከም ንሓደ ዝወዳ ጌርኪ ሕዘኒ፡ መሪር ብኽያት ብኸዪ።
27. መገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምርን፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ግምብን እምባን ገይረ ኣቘምኩኻ።
28. ኲላቶም ዕለውትን ከድዓትን እዮም፡ ሕሜት እናዘርኡ ይኸዱ። ነሃስን ሓጺንን እዮም፡ ኲላቶም ብልሽዋት እዮም።
29. መናፍሕ ፉፍ ይብል፡ እቲ ዓረር ብሓዊ ፈሊሑ ይውዳእ። እቲ ኽፋእ ምፍላይ ስለ ዝኣበየ፡ ድሌት እቲ ምዂላዕ ከንቱ ዀይኑ ተረፈ።
30. እግዚኣብሄር ወጊድዎም እዩ እሞ፡ ውጉድ ብሩር ይበሀሉ።

  Jeremiah (6/52)