Jeremiah (5/52)  

1. ኣብ ኣደባባይ የሩሳሌም ዙሩ እሞ ርኣዩን ተመልከቱን፡ ኣብ ዕዳጋታታ ኸኣ ድለዩ፡ ሓደ እኳ፡ ሓደ በይኑ ፍትሒ ዚገብር ሓቂ ኸኣ ዚደሊ እንተ ረኸብኩም፡ ኣነውን ይቕረ ኽብለላ እየ።
2. ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እኳ እንተ በሉ፡ብሓሶት እዮም ዚምሕሉ ዘለው።
3. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻዶ ሓቂ ኣይኰናን ዚደልያ፡ ወቓዕካዮም፡ ግናኸ ኣየሕመሞምን። ኣኰትካዮም፡ ግናኸ ኣይተቐጽዑን። ገጾም ካብ ከውሒ ዚተርር ገበሩ እሞ ምምላስ ኣበዩ።
4. ኣነ ኸኣ፡ እዚኣቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዘይፈልጡ እዮም እሞ፡ ድኻታትን ዓያሱን እዮም፡
5. እምበኣርሲ ናብቶም ዓበይቲ ደኣ ክኸይድ፡ ንሳቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዚፈልጡ እዮም እሞ፡ ክነፍሮም፡ በልኩ። ግናኸ እዚኣቶም ድማ ሐቢሮም ኣርዑት ሰበሩ መእሰሪታትውን በጠሱ።
6. ኣበሳኦም ታእላው የብሉን፡ ጥልመቶም ከኣ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ እሞ፡ ስለዚ ኣንበሳ ኻብ ዱር ወጺኡ ይሰብሮም፡ ተዂላ መሮር ድማ የጥፍኦም፡ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም ይቃጾ፡ ውጽእ ንዝበለውን ይምንጥሎ።
7. ከመይ ኢለ ይቅረ ኽብለልኪ ደቅኺ ጠለሙኒ፡ ኣማልኽቲ ብዘይ ኰኑ ኸኣ ይምሕሉ ኣለው። ኣጽገብክዎም፡ ንሳቶም ድማ ዘመው፡ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ።
8. ከምቶም ጽቡቕ እተመጨኑ ውዑያት ኣፍራስ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ብጻዩ ይሕምሕም።
9. በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጸዖምን እየ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ ይብል እግዚኣብሄር።
10. ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቀጽርታታ ደዪብኩም ኣፍርሱ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይተጥፍእዋ። ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኰነን እሞ፡ ኣርሕቕዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
11. ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቀጽርታታ ደዪብኩም ኣፍርሱ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይተጥፍእዋ። ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኰነን እሞ፡ ኣርሕቕዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12. እዚኣቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር የሎን፡ ክፋእ ኣይኪወርደናን እዩ ሰይፍን ጥሜትን ኣይክንርእን ኢና፡ ነብያት ንፋስ ኪዀኑ እዮም፡ ብኣታቶም ዚዛረብ ከኣ የልቦን፡ ከምኡ ንርእሶም ይኹን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኸሐዱ።
13. እዚኣቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር የሎን፡ ክፋእ ኣይኪወርደናን እዩ ሰይፍን ጥሜትን ኣይክንርእን ኢና፡ ነብያት ንፋስ ኪዀኑ እዮም፡ ብኣታቶም ዚዛረብ ከኣ የልቦን፡ ከምኡ ንርእሶም ይኹን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኸሐዱ።
14. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ቓል እዚ ስለ እተዛረብኩም፡ እንሆ፡ ነቲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ፡ ነዚ ህዝቢ ድማ ከም ዕጨይቲ ኽገብሮ እየ እሞ ኪልቚምጾም እዩ።
15. ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከም ጽኣልኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓያል ህዝቢ፡ ጥንታዊ ህዝቢ፡ ቋንቋኦም ዘይትፈልጦ፡ ዘረባኦም ድማ ዘይተስተውዕሎ ህዝቢ እዮም።
16. ጒልድባኦም ክፋት መቓብር እዩ፡ ኲላቶም ከኣ ጀጋኑ እዮም።
17. ንሳቶም ነቲ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኪበልዕዎ ዚግባእ ቀውዕኻን እንጌራኻን ኪበልዑ፡ ወይንኻን በለስካን ኪበልዑ እዮም። ነተን እትእመነን ጽኑዓት ከተማታትካ ብሰይፊ ኼፍርስወን እዮም።
18. ግናኸ በተን መዓልትታት እቲኣተን ከኣ ብጥራስ ኣይከጥፍኣኩምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
19. ንስኻትኩም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለምንታይ እዩ እዚ ዂሉ ዝገበረና እንተ በልኩም፡ ሽዑ ንስኻ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ዝሐደግኩምኒ፡ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ እተገዛእኩም፡ ከምኡውን ኣብ ዘይሃገርኩም ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም፡ ኢልካ ምለሰሎም።
20. እዚ ኣብ ቤት ይእቆብ ኣውርዩ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ንገሩ እሞ በሉ፡
21. ኣታ ልቢ ዜብሉ፡ ዓይኒ ኸለዎ ዘይርኢ፡ እዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ፡
22. እዚ ህዝቢ እዚ ግና እምቢተኛን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፡ ንድሕሪት ይምለሱ እሞ ጸው ይብሉ።
23. እዚ ህዝቢ እዚ ግና እምቢተኛን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፡ ንድሕሪት ይምለሱ እሞ ጸው ይብሉ።
24. ብልቦም ከኣ፡ ነቲ በብጊዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን ዚህበና፡ ምዱባት ሳምንትታት ቀውዒውን ዝሰርዓልና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሃዮ፡ ኣይበሉን።
25. ኣበሳኹም ነዚ ኸልከለ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ነዚ ጸጽቡቕ ኣኽልኣኩም።
26. ኣብቶም ህዝበይሲ ረሲኣን ሰባት ይርከቡ፡ ከምቶም ኣዕዋፍ ዜፈንጥሩ ይቃጸው፡ መፈንጠራ ዘርጊሖም ከኣ ሰብ የፈንጥሩ ኣለው።
27. ከምታ በዕዋፍ ዝመልኤ እንዳ ዑፍ፡ ከምኡ ድማ ቤቶም ብምጥባር ምሉእ እዩ። ዝለዚ ዓበይትን ሃብታማትን ኰኑ።
28. ስቡሓትን ዜባርቑን ኰኑ፡ ንእከዮም ወሰን የብሉን። ፍትሒ ንዘኽታም፡ ነገሩ ዜቕንዓሉ ፍትሒ፡ ኣየውጽኣሉን፡ ንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን።
29. በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ ይብል እግዚኣብሄር።
30. ኣብታ ሃገር እቲኣ ጒድን ዜሰክሕን እዩ ዚግበር ዘሎ፡
31. ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፡ ካህናት ከኣ ብኢዶም ይገዝኡ ኣለው፡ ህዝበይውን ባህ ኢልዎ ይሰምሮ ኣሎ። ኣብ መወዳእታኡ ደኣኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም

  Jeremiah (5/52)