Jeremiah (3/52)  

1. ብሁልዶ ኣይኰነን፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኣብ ካልእ ሰብኣይ እንተ ተኣቶት፡ ከም ብሓድሽዶ ናብኣ ይምለስ እዩ እቲ ምድሪዶ ኣዝዩ ኣይረክስን ንስኺውን ምስ ብዙሓት ፈተውቲ ኣመንዚርክስ፡ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ ይብል እግዚኣብሄር።
2. ኣዒንትኺ ቛሕ ኣብሊ እሞ ኣብ ኲርባታት ጠምቲ፡ ዘይደቀስክሉ ኣበይ ኣሎ ከምቲ ወዲ ዓረብ ኣብ ጸምጸም በረኻ ዜድቢ፡ ኣብ መገዲ ተቐሚጥኪ ትጽበይዮም ነበርኪ፡ ብምንዝርናኽክን ብኽፍኣትክን ድማ ንምድሪ ኣርከስክያ።
3. ብሰሪ እዚ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፡ ዝናም ጽብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገጽ ኣመንዝራ ስለ ዘሎኪ ምሕፋር ኣቤኺ።
4. ሕጂኸ፡ ኣቦይ፡ ንስኻ መሓዛ ንእስነተይ ኢኻ፡ ኢልኪዶ ትጽውዕኒ ኣየሎኽን
5. ንሓዋሩዶ ኪቚጣዕ እዩ ክሳዕ መወዳእታዶኸ ኺጽመም እዩ እንሆ፡ ከምዚ ኢልኪ ትዛረቢ፡ ግናኸ ክሳዕ ዚከኣለኪ ኽፋእ ትገብሪ ኣሎኺ።
6. እግዚኣብሄር ብዘመን ንጉስ ዮስያስ ከምዚ በለኒ፡ እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ ኣብ ነነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ዘዝለምዔ ኣእዋምን ከይዳ ኣብኡ ኣመንዘረት።
7. እዚ ዂሉ ምስ ገበረት ከኣ ናባይ ክትምለስ እያ። በልኩ፡ ግናኸ ኣይተመልሰትን። እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸኣ ነዚ ረኣየት።
8. ነዛ ኸዳዕ እስራኤል እኳ ብምኽንያት ኲሉ ዝሙታ ፈቲሔያ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣውን ሂበያ ኸሎኹስ፡ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸም ዘይሰክሔት፡ ኤረ ኸይዳ ኸም ዘመንዘረት ርኤኹ።
9. ኰነ ድማ፡ ብቕለት ምንዝርንኣ ነታ ምድሪ ኣርከሰታ፡ ምስ እምንን ዕጨይትን ከኣ ዘመወት።
10. ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ብግብዝና እምበር፡ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመልሰትን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
11. እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ እታ ኸዳዕ እስራኤል ትጸድቕ፡ በለኒ።
12. ኪድ እሞ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ነዘን ቃላት እዚኤን ኣውጅ በልውን፡ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ኣነ መሓሪ፡ ቊጥዓ ንዘለኣለም ዘይዐቊር፡ ገጸይ ከኣ ኣይክጭምድደልኩምን እየ እሞ፡ ተመለሲ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13. እምበኣርስኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋም ኣብቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኣብዝን ኣብትን ጸፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፡ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኩም፡ ኣበሳኺ ተኣመኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14. ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
15. ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
16. በቲ ዘመን እቲ ምስ በዛሕኩምን ኣብቲ ምድሪ ምስ ተፋፌኹምን፡ ብናይ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይኪዛረቡን፡ ኣይኪሐስብዋን ኣይኪዝክርዋን ድማ እዮም፡ ኣይከተድልዮምን እያ፡ ከም ብሓድሽውን ኣይኪገብርዋን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
17. ሽዑ የሩሳሌም ዝፋን እግዚኣብሄር ክትበሀል እያ፡ ኲላቶም ኣህዛብ ከኣ ብስም እግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም ኪእከቡ፡ ድሕርዚ ኸኣ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይኪመላለሱን እዮም።
18. በተን ወርሓት እቲኤን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ኪኸዱ፡ ሐቢሮም ድማ ካብ ሃገር ሰሜን ናብታ ነቦታትኩም ኪርስተይዋ ዝሀብክዎም ምድሪ ኺመጹ እዮም።
19. ኣነ ግና ምስ ውሉድ ገይረ ኻብ ኲሉ ዚበልጽ ጥዑም ምድሪ፡ ርስቲ ኣህዛብ ክህበኪ እየ፡ ኢለ ነበርኩ። ንስኺ፡ ኣቦየ፡ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ፡ ካባይ ድማ ኣይክትርሕቅን ኢኺ፡ ኢለውን ነበርኩ።
20. ግናኸ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምታ ንሰብኣያ እትጠልም ሰበይቲ ጠለምኩምኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
21. መገዶም ስለ ዘበላሸውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝረስዑን፡ ድምጺ ኣብ ኲርባታት ተሰምዔ፡ ንሱውን ብኽያትን ምህለላን ደቂ እስራኤል እዩ።
22. ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ካብ ጥልመትኩም ከሕውየኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ። ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻ እሞ እኔና፡ ናባኻ ንመጽእ ኣሎና።
23. ብሓቂ ኻብ ኲርባታት ረዲኤት ምጽባይና ኸንቱ እዩ፡ ኣኽራንሲ ጥቕሚ ዜብሉ ደሃይ ደኣ ሀቡና። ብሓቂ ምድሓን እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዚርከብ።
24. ሓፍረት ጣኦታት ግና ንፍረ ጻዕሪ ኣቦታትና፡ ነባጊዖምን ንኣሓኦምን ነወዳቶምን ነዋልዶምን፡ ካብ ንእስነትና ጀሚሩ በልዖ።
25. እምበኣርሲ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምስማዕ ስለ ዝኣቤና፡ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፡ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንበል፡ ነውርና ኸኣ የጐልብበና።

  Jeremiah (3/52)