Jeremiah (22/52)  

1. እግዚኣብሄር ከምዚ በለ፡ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ ኣብኡ እዚ ቓል እዚ ተዛረብ፡
2. በል ከኣ፡ ኣታ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘሎኻ ንጉስ ይሁዳ፡ እቶም በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ንስኻን ግዙኣትካን ህዝብኻን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡
3. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ፍርድን ጽድቅን ግበሩ፡ ነቲ እተዘምተ ኸኣ ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ኣይትዐግቡን ኣይትዐጹን፡ ኣብዚ ስፍራ እዚውን ንጹህ ደም ኣይትኽዐው።
4. ነዛ ቓል እዚኣ ብሓቂ እንተ ገበርክምዋ፡ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለው ነገስታት፡ ንሱን ግዙኣቱን ህዝቡን፡ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም ብደጌታት እዛ ቤት እዚኣ ኺኣትዉ እዮም።
5. ግናኸ ነዘን ቃላት እዚኤን እንተ ዘይሰማዕኩም፡ እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዖኑ፡ ብርእሰይ መሐልኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6. ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻ ንኣይ ከም ጊልኣድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፡ ግናኸ ኣነ ብርግጽ ከም ምድረ በዳ፡ ከምተን ሓደ እኳ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።
7. ነፍሲ ወከፍ መምስ ኣጽዋሮም መዕነውቲ ኸዳልወልካ እየ። ንሳቶም ነቲ መምሩስ ጽሕድታትካ ኪቘርጽዎን ኣብ ሓዊ ድማ ኬእትውዎን እዮም።
8. ብዙሓት ህዝብታት በዛ ኸተማ እዚኣ ኺሐልፉ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ ኪባሃሀሉ እዮም።
9. ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሐደጉን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን ዘምለኹን እዩ፡ ኢሎም ከኣ ኪመልሱሎም እዮም።
10. እግዚኣብሄርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ዝነገሰ፡ ካብዚ ስፍራ እዚ ኸኣ ዝወጸ ሻሉም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብዚ ከቶ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኣብቲ እተማረኸሉ ስፍራ ኺመውት እዩ እምበር፡ ነዛ ሃገር እዚኣስ ምንም ኣይኪርእያን እዩ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እቲ ዚኸይድ ናብታ እተወልደላ ሃገር ኣይኪምለስን ኣይኪርእያንውን እዩ፡ ስለዚ ንእኡ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ እምበር፡ ንምውትሲ ኣይትብከዩሉን ኣይትሕዘኑሉን።
11. እግዚኣብሄርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ዝነገሰ፡ ካብዚ ስፍራ እዚ ኸኣ ዝወጸ ሻሉም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብዚ ከቶ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኣብቲ እተማረኸሉ ስፍራ ኺመውት እዩ እምበር፡ ነዛ ሃገር እዚኣስ ምንም ኣይኪርእያን እዩ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እቲ ዚኸይድ ናብታ እተወልደላ ሃገር ኣይኪምለስን ኣይኪርእያንውን እዩ፡ ስለዚ ንእኡ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ እምበር፡ ንምውትሲ ኣይትብከዩሉን ኣይትሕዘኑሉን።
12. እግዚኣብሄርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ዝነገሰ፡ ካብዚ ስፍራ እዚ ኸኣ ዝወጸ ሻሉም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብዚ ከቶ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኣብቲ እተማረኸሉ ስፍራ ኺመውት እዩ እምበር፡ ነዛ ሃገር እዚኣስ ምንም ኣይኪርእያን እዩ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እቲ ዚኸይድ ናብታ እተወልደላ ሃገር ኣይኪምለስን ኣይኪርእያንውን እዩ፡ ስለዚ ንእኡ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ እምበር፡ ንምውትሲ ኣይትብከዩሉን ኣይትሕዘኑሉን።
13. እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ ንውሽጢታቱ ድማ ብዘይ ፍርዲ ዚሰርሕ። ንብጻዩ ብኸምኡ ዜዕዪ፡ ደመወዙ ዘይህቦ፡ እሞ፡ ረርሒብ ክፍልታት ዘለዋ ዓባይ ቤት ክሀንጽ እየ፡ ዚብል ወይለኡ። መስኰት የውጽኣላ፡ ብጽሕዲይረባ፡ ብቐይሕ ቀለምውን ይቐብኣ።
14. እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ ንውሽጢታቱ ድማ ብዘይ ፍርዲ ዚሰርሕ። ንብጻዩ ብኸምኡ ዜዕዪ፡ ደመወዙ ዘይህቦ፡ እሞ፡ ረርሒብ ክፍልታት ዘለዋ ዓባይ ቤት ክሀንጽ እየ፡ ዚብል ወይለኡ። መስኰት የውጽኣላ፡ ብጽሕዲይረባ፡ ብቐይሕ ቀለምውን ይቐብኣ።
15. ብጽሕዲ እንተ ኣጌጽካ ይዀን ክትነግስ ኢኻ፡ ኣቦኻስ ኣይበልዔን ኣይሰተየንዶ፡ ጽድቅን ፍርድንከ ኣይገበረንዶ እዩ ሽዑ ደኣ ደሓን ኰነሉ።
16. ነቲ ሽጉርን ድኻን ፍትሒ ኣውጽኤ፡ ስለዚ ደሓን ኰነሉ። እዚ ነኣይ ምፍላጥዶ ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሄር።
17. ዓይንኻን ልብኻን ብስስዕትን ብምኽዓው ንጹህ ደምም ብምግባር ግፍዕን ዓመጻን ጥራይ ትሑዝ እዩ።
18. ስለዚ ብዛዕባ ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዋይ ሓወይ፡ ዋይ ሓብተይ፡ ኢሉ ዜልቅሰሉ የልቦን። ኣየ ጐይታ፡ ኣየ ኽብረቱ፡ ኢሎም ከኣ ኣይኬልቅሱሉን እዮም።
19. ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኪቐብርዎ፡ ጓቲቶም ብኽንየው ደጌታት የሩሳሌም ኪድርብይዎ እዮም።
20. ኲላቶም ፈተውትኺ ተደቚሶም እዮም እሞ፡ ናብ ሊባኖስ ደዪቢ ኣእውዪ ኸኣ። ድምጽኺ ናብ ባሳን ዓው አብሊ፡ ካብ ዓባሪም ድማ ኣእውዪ።
21. ደሓን ከሎኺ ተዛረብኩኺ፡ ንስኺ ግና፡ ኣይሰምዕን፡ በልኪ። ድምጸይ ዘይምስማዕክስ እቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚሩ ዝነበረ መገድኺ እዩ።
22. ንዂሎም ጓሶትኪ ንፋስ ኪጓስዮም እዩ፡ ፈተውትኺ ድማ ኪማረኹ እዮም። ሽዑ ብሰሪ እከይኪ ኽትሐፍርን ክትሐንክን ኢኺ።
23. ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፡ ኣቲ ብጽሕዲ ኣጒዶኺ እትሰርሒ ዘሎኺ፡ ከምቲ ቕልውላው ንወላዲት ዚሕዛ፡ ጸበባ ምስ መጸኪ፡ ክንደይ መደንገጺ ዀን ክትኰኒ ኢኺ።
24. ኢኮንያስ፡ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ የማናይ ኢደይ ቀለቤት መሕተሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣነ ህያው ከም ዝዀንኩ፡ ካብኡ ኸውጽኣካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
25. ኣነ ኣብ ኢድ እቲም ንነፍስኻ ዚደልዩን ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆምን ኣብ ኢድ ናቡክደናጾር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ክምጥወካ እየ።
26. ንኣኻን ነታ ዝወለደትካ ኣዴኻን ናብ ዘይተወለድኩምሉ ሃገር ጓና ኽሰጐኩም እየ። ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።
27. ናብታ ኺምለስዋ ዚናፍቕዋ ሃገር፡ ናብኣ ኣይኪምለሱን እዮም።
28. እምበኣርሲ እዚ ሰብኣይ፡ እዚ ኢኮንያዶ ንዑቕን ስቡርን ኣቕሓ እዩ ዘየብህግ ኣቕሓዶኸ እዩ ስለምንታይ ደኣ ንሱን ዘርኡን ተወንጨፉ፡ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገርስ ተደርበዩ
29. ኣቲ ሃገር፡ ኣቲ ሃገር፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ።
30. ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ ርህይዎ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጥ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ዚነግስ የልቦን እሞ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኸም መኻን፡ ብዕለቱ ኸም ዘይረሀዎ ሰብ ኢልኩም ጽሐፉ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

  Jeremiah (22/52)