Jeremiah (21/52)  

1. ንጉስ ጼድቅያስ ንጳሽሑር፡ ወዲ መልክያን ንጻፋንያስ፡ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፡ ናብክደናጾር ንጉስ ባቢሎን፡ ኪዋግኣና ይብል ኣሎ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኲሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዚመልሶ እንተ ዀነስ፡ እስከ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና፡ ኪብልዎ ናብ ኤርምያስ ምስ ለኣኾም፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ።
2. ንጉስ ጼድቅያስ ንጳሽሑር፡ ወዲ መልክያን ንጻፋንያስ፡ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንን፡ ናብክደናጾር ንጉስ ባቢሎን፡ ኪዋግኣና ይብል ኣሎ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኲሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዚመልሶ እንተ ዀነስ፡ እስከ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና፡ ኪብልዎ ናብ ኤርምያስ ምስ ለኣኾም፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ።
3. ኤርምያስ ከኣ፡ ንጼድቅያስ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎ፡ በሎም፡
4. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ንንጉስ ባቢሎንን ነቶም ብኽንየው ቀጽሪ ዚኸቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣጽዋር ክመልሶ ኣብ ማእከል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክእክቦ እየ።
5. ኣነ ባዕለይ ብተዘርግሔት ኢድን ብብርቱዕ ቅልጽምን ብዂራን ብነድርን ብዓብዪ ቚጥዓን ክዋግኣኩም እየ።
6. ኣብዛ ኸተማ ንዚነብሩ ሰብን እንስሳን ክወቅዕ እየ፡ ብብርቱዕ ፌራ ድማ ኪሞቱ እዮም።
7. ድሕርዚ ኸኣ ንጼድቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ነቶም ካብ ፌራን ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን ናብ ኢድ ናብከድናጾር ንጉስ ባቢሎንን ናብ ኢድ እቶም ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ክምጥዎም እየ። ንሱ ኸኣ ብብልሒ ሰይፊ ኺወቕዖም፡ ኣይኪንሕፎምን ኣይኪድንግጸሎምን ኣይኪምሕሮምን ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሀኢር።
8. ነዚ ህዝቢ እዚ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎ ኢኻ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መገዲ ህይወትን መገዲ ሞትን ኤንብር ኣሎኹ።
9. ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚቕመት ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪመውት እዩ። ግናኸ እቲ ወጺኡ ናብቶም ከቢቦምኹም ዘለው ከለዳውያን ዚኣቱ ብህይወቱ ኺነብር፡ ነፍሱ ኸኣ ዘመታኡ ኽትኰነሉ እያ።
10. ንጽቡቕ ዘይኰነስ ንኽፉእ፡ ገጸይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣሎኹ እሞ፡ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሀብ እያ፡ ንሱውን ብሓዊ ኼንድዳ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
11. ንቤት ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም፡
12. ኣቱም ቤት ዳዊት፡ ብሰሪ እከይ ግብርኹም ቊጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፡ ዜጥፍኦ ኽሳዕ ዚስእን ከኣ ከይነድድሲ፡ ኣንጊህኩም ፍርዲ፡ ነቲ እተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13. ኣቲ ኣብ ለሰ ኣብ ከውሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘሎኺ፡ እኔኹ፡ ናብ ርእስኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ከኣ፡ መን እዩ ሓጋ ዚወድቀና መንከ እዩ ኣብ ሰፈርና ዚኣቱ እትብሉ ዘሎኹም፡
14. ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ገይረ ክቐጽዓኩም፡ ኣብቲ ዱራ ሓዊ ኽኣጒድ እየ እሞ፡ ንዂሉ ኸባቢኣ ኺበልዖ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

  Jeremiah (21/52)