Jeremiah (2/52)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ናባይ መጸ፡
2. ኪድ እሞ ኣብ ኣእዛን የሩሳሌም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ጨድር፡ ፍቕሪ ንእስነትክን፡ መርዓት ከሎኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንንን፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን ከም ዝሰዐብክኒ፡ እዝክረልኪ ኣሎኹ።
3. እስራኤል ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ በዂሪ ቐውዑ ነበረ፡ ዚበልዕዎ ዘበሉ ይዕግቡ፡ሕሰም ድማ ኪወርዶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4. እቱም ቤት ያእቆብ፡ ኲላትኩም ከኣ ዓሌት ቤት እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡
5. ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሐቑ፡ ደድሕሪ ኸንቱነት ዝሰዓቡ፡ ንርእሶምውን ከንቱነት ዝዀኑስ እንታይ ዓመጻ ረኸቡለይ ይብል እግዚኣብሄር።
6. ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ዘውጽኣና፡ ብበረኻ፡ ብምድሪ ጽምዋን ድንጒርን፡ ብምድሪ ኣጻምእን ድነ ሞትን፡ በቲ ሓደ እኳ ዘይሐልፎን ሓደ ሰብ እኳ ዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሓና እግዚኣብሄርሲ ኣበይ ኣሎ ኣይበሉን።
7. ኣነ ድማ፡ ፍሪኡን ጥዑሙን ምእንቲ ኽትበልዑ፡ ናብ ፈራዪ ምድሪ ኣእቶኹኹም። ንስኻትኩም ግማ ምስ ኣቶኹም፡ ንምድረይ ኣርከስኩምዋ፡ ንርስተይውን ፍንፋን ገበርኩምዎ።
8. ካህናት፡ እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ ኣይበሉን፡ ሕጊ ዝሐዙ ድማ ኣይፈለጡንን፡ ጓሶት ጠለሙኒ፡ ነብያት ብስም በዓል ተነበዩ፡ ደድሕሪ እቶም ዘይጠቕሙ ኸኣ ሰዐቡ።
9. ስለዚ ገና ኽካትዓኩም እየ፡ ምስ ደቂ ደቅኹም እኳ ኽካታዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
10. ናብ ደሴታት ኪቲም ተሳገሩ እሞ ርኣዩ፡ ናብ ቄዳር ልኣኹ እሞ ኣጸቢቕኩም ተመልከቱ፡ ከምዚ ዘመሰለ ከቶ ዀይኑ እንተ ዀነ ድማ ጠምቱ።
11. ዘይኣማልኽቲ ኽነሶምሲ፡ ኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ ህዝበይ ግና ግርማኡ ንዘይጠቅም ለወጠ።
12. ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13. ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14. እስራኤልሲ ባርያዶ እዩ ወይስ ኣብ ቤት እተወልደ ባርያ ዶዀን እዩ ስለምንታይ ደኣ ንምርኮ ተወፈየ
15. ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉ፡ ደሃዮም ኣስምዑ፡ ምድሩ ኸኣ ኣዕነው። ከተማታቱ ነደዳ፡ ዚነብረለን ድማ የልቦን።
16. ደቂ ኖፍን ታህፋኔስን ቅርቅርትኻ ፈገጹ።
17. እዚ ዝወረደክስ ነቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመርሓኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ስለ ዝሐደግኪዶ ኣይኰነን
18. ሕጂኸ ማይ ሲሆር ክትሰትዪ ኣብቲ ናብ ግብጺ ዚወስድ መገዲ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ ወይስ ካብቲ ወሓዚ ርባ ኽትሰትዪ፡ ኣብቲ ናብ ኣሶር ዚወስድ መገድስ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ
19. ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፡ መኣሰርኪ በጠስኩ፡ ኣይግዛእን ድማ በልኪ፡ ኣብ ኲሉ በሪኽ ኲድዂዶታትን ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋምን ደኣ ንዝሙት ጠንቀላዕላዕ በልኪ እሞ፡ ክፍኣት ርእስኺ ኪቐጽዓኪ፡ ዘይእምንቲ ምዃንኪ ድማ ኪግስጸኪ እዩ። እምበኣረይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ርኣይን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
20. ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፡ መኣሰርኪ በጠስኩ፡ ኣይግዛእን ድማ በልኪ፡ ኣብ ኲሉ በሪኽ ኲድዂዶታትን ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋምን ደኣ ንዝሙት ጠንቀላዕላዕ በልኪ እሞ፡ ክፍኣት ርእስኺ ኪቐጽዓኪ፡ ዘይእምንቲ ምዃንኪ ድማ ኪግስጸኪ እዩ። እምበኣረይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ርኣይን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
21. ኣነስ ከም ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ገይረ ኻብ ጽሩይ ዓሌት ተኸልኩኺ፡ ከመይ ኢልኪ ደኣ ኣብ ድቓላ ሓረግ ወይኒ ተለወጥክኒ
22. ብጨው ባሩድ እኳ እንተ ተሐጸብኪ፡ ብዙሕ ሳሙና ኸኣ እንተ ኣዘውተርኪ፡ ኣበሳኺ ኣብ ቅድመይ ርኹስ ኰይኑ ይነብር፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
23. ከመይ ኢልኪ ኢኺ፡ ኣይረኸስኩን፡ ደድሕሪ በዓል ኣይሰዐብኩን፡ እትብሊ ዘሎኺ ስጓሞኺ ናብቲ ለሰ ተመልከቲ፡ ዝገበርክዮ ዘክሪ፡ ኣብዝን ኣብትን ከም እትፋንን ገመል ኰንኪ።
24. በረኻ ኸም ዝለመደት፡ ከም ድሌታ ንንፋስ ፊንፊን እትብል፡ ሓደ እኳ ባህጋ ኪኽልክል ዘይኽእል ኣድጊ ኸደን፡ ከምኡ ዀንኪ። ዚደልይዋ ዂላቶም ብጒያ ኣይደኽሙን፡ ኣብ ወርሓታ ይረኽብዋ።
25. እግርኺ ጥራዩ ኻብ ምዃን፡ ጐረሮኺ ድማ ካብ ምጽማእ ተጠንቀቒ። ንስኺ ግና፡ ጓኖት ፈትየ ኣሎኹ፡ ደድሕሪኦም ክስዕብ እየ እሞ፡ እዝስ እኳ ኣይኸውንን እዩ፡ በልኪ።
26. ከምቲ ሰራቒ ምስ ተታሕዘ ዚንውር፡ ከምኡ ቤት እስራኤል፡ ንሳቶም ነገስታቶምን መሳፍንቶምን ካህናቶምን ነብያቶምን፡ ኪንውሩ እዮም።
27. ዝባኖም እምበር፡ ገጾም ናባይ ኣይመለሱን እሞ፡ ንዕጨይቲ፡ ንስኻ ኣቦይ ኢኻ፡ ንእምኒ ድማ፡ ንስኺ ወለድኽና፡ ይብሉ። ብጊዜ መከራኦም ግና፡ ተንስእ እሞ ኣድሕነና፡ ይብሉ።
28. ኣታ ይሁዳ፡ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ፍቕዲ ኸተማታትካ እዮም እሞ፡ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለው ብጊዜ መከራኻ ኼድሕኑኻ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምሲ፡ ይተንስኡ።
29. ስለምንታይ ምሳይ እትካትዑ ኲላትኩም ክሒድኩምኒ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
30. ብኸንቱ ንደቅኹም ወቓዕኩ፡ ንሳቶምውን ኣይተቐጽዑን። ሴፍኩም ከም ሰባሪ ኣንበሳ ዀይኑ ንነብያትኪም በልዖም።
31. ኣታ ወለዶ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል። ንእስራኤልዶ ጸምጸም በረኻ ወይስ ድቕድቕ ጸልማት ኰንክዎ ስለምንታይ ደኣ ህዝበይ፡ ሓራ ውጹኣት ኢና፡ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን፡ ዚብሉ
32. ጐርዞዶ ስልማታ ወይስ መርዓት ቅናታ ትርስዕ እያ ህዝበይንንከ ቚጽሪ ዜብሉ መዓልትታት ረስዓኒ።
33. ደድሕሪ ፍትወትኪ ንምጒያይሲ መገዲ ንምርካብ ክንደይ ኰታ ጮለ ኢኺ። ስለዚ ድማ ብመገዲ ኽፍኣት መልመዲት ኢኺ።
34. ክሳዕ ኣብ ዘፋፍር ክዳንኪ ደም እቶም ዝቐተልክዮም ንጹሃት ድኻታት ተረኽበ፡ ስለ እዚ ዂሉ ደኣ እዩ እምበር፡ ኪጒሕሉስ ኣይረኸብክዮምን።
35. ምስናይ እዚ ድማ፡ ኣነ ንጽህቲ እየ፡ ቊጥዓኡ ኻባይ ኣርሒቑ ተመሊሱ እዩ፡ ትብሊ ኣሎኺ። እንሆ፡ ሓጢኣት የብለይን ስለ ዝበልኪ፡ ምሳኺ ኣብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።
36. ስለምንታይ መገድኺ ንምልዋጥ ትህወኺ ኣሎኺ ከምቲ ብኣሶር ዝነወርክዮ፡ ብግብጺ ኸኣ ክትንውሪ ኢኺ።
37. እግዚኣብሄር ነቲ እትእመንዮ ደርብይዎ እዩ፡ ምሳታቶም ድማ ኣይኪቐንዓካን እዩ እሞ፡ ካብኡውን ኢድኪ ኣብ ርእስኪ ጌርኪ ኽትወጺ ኢኺ።

  Jeremiah (2/52)