Jeremiah (19/52)  

1. እግዚኣብሄር ከምዚ በለ፡ ኪድ፡ ካብቲ ሰራሕ መሬት ከኣ ሳርማ ተሻየጥ እሞ ገለ ኻብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትን ተማላእ።
2. ናብቲ ኣብ ጥቓ መእተዊ ደገ ናይቶም ሰራሕቲ መሬት ዘሎ ለሰ ወዲ ሂኒም ውጻእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ኣውጅ፡
3. በልውን፡ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንዝሰምዖ ዘበለ ዂሉ ኣእዛኑ ዚጸመሉ መዓት ከውርድ እየ።
4. ንኣይ ሐዲጎምኒ፡ ነዚ ስፍራ እዚ ጓና ገይሮምዎ፡ ነቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ዐጢኖምሉ፡ ነዚ ስፍራ እዚ ብደም ንጹሃት መሊኦምዎ እዮም።
5. ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ኣብ ልበይውን ዘይኣተወንሲ፡ ንበዓል ዚሐርር መስዋእቲ ኪዀኑ ኢሎም፡ ነወዳቶም ብሓዊ ምእንቲ ኼንድድዎም፡ በረኽቲ ስፍራ ንበዓል ሰርሑ።
6. ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ እዝ ስፍራ እዚ ለሰ ምሕራድ እምበር፡ ቶፌቶ ወይስ ለሰ ወዲ ሂኖም ኢሉ ዘይስመየለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7. ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንምኽሪ ይሁዳን የሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ብሰይፍን ብኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ሬሳታቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ምግቢ ኪዀኖም ክህቦ እየ።
8. ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ንመሰክሕን ንመላገጽን ክገብራ እየ። ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ ብዂሉ ስቓያ ኺስክሕን ኬላግጽን እዩ።
9. ስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ከብልዖም እየ። ብጸላእቶምን በቶም ነፍሶም ዚደልዮም ተኸቢቦም ጸቢብዎም ምስ ተጨነቑ፡ ስጋ ሓድሕዶም ኪባልዑ እዮም።
10. ሽዑ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም እተማላእካዮም ሰባት ስበራ እሞ በሎም፡
11. ከምቲ ናይ ሰራሕ መሬት ኣቕሓ ምስ ተሰብረ ዘይዕረ፡ ከምኡ ነዚ ህዝቢ እዝን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። ስፍራ ስለ እተሳእነ ድማ ኣብ ቶፌት ኪቕበሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
12. ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸም ቶፌት ክገብራስ፡ ነዚ ስፍራ እዝን ነቶም ኣብኡ ዚነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
13. ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፡ ኲለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሲ ንዂሎም ሰራዊት ሰማይ ዝዐጠኑለን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዝኸዐዉለን ኣባይትን፡ ከም ስፍራ ቶፌት ኪረኽሳ እየን።
14. ኤርምያስ ከኣ ካብቲ እግዚኣብሄር ኪንበ ኢሉ ልኢኽዎ ዝነበረ ቶፌት ተመሊሱ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ቈመ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ በለ፡
15. እንሆ፡ ንቓለይ ከይሰምዑ ኽሳዶም ኣትሪሮም እዮም እሞ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብ ኲለን ዓድታታን እቲ እተዛረብኩላ ዘበለ ዂሉ መዓት ከውርደለን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል።

  Jeremiah (19/52)