Jeremiah (18/52)  

1. እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ቃለይ ከስምዓካ እየ፡ ዚብል እዩ።
2. እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ቃለይ ከስምዓካ እየ፡ ዚብል እዩ።
3. ሽዑ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ወረድኩ፡ እንሆ፡ ንሱ ብመዘወር ስራሑ ኺሰርሕ ጸንሔ።
4. እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ ኣብ ኢድ እቲ ሰርሕ መሬት ከምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ገይሩ ኻልእ ኣቕሓ ሰርሖ።
5. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡
6. ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7. ሓደ ጊዜ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክምንቊሰን ከፍርንስን ከጥፍእን እዛረብ ኣሎኹ።
8. እቲ እተዛረብኩሉ ህዝቢ ኻብ እከዩ እንተ ተመልሰ ግና፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽገብሮ ኢለ ዝሐሰብክዎ እኩይ እጥዐሰሉ እየ።
9. ሓደ ጊዜ ኸኣ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክሀንጽን ክተክልን እዛረብ ኣሎኹ።
10. ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እከይ እንተ ገበረ ግና፡ ኣነውን ነቲ ኽገብረሉ እየ ኢለ እተዛረብክዎ ሰናይ እጥዐሰሉ።
11. እምበኣርሲ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ተዛረቦም፡ እንሆ፡ ሕሰም ኤዳልወልኩም፡ ንጒድኣትኩም ከኣ ሓሳብ እሕልን ኣሎኹ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ካብ መገዲ እከዩ ይመለስ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ከኣ ኣጠቅዉ።
12. ንሳቶም ግና፡ ከንቱ እዩ፡ ንሕናስ ንሓሳብ ርእስና ኽንሰዕብ፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ ከምቲ ትሪ ሕሱም ልብና ኽንገብር ኢና፡ በሉ።
13. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እስከ ኸምዚ ዘመሰለ ዝሰምዔ እንተሎስ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሕተቱ፡ እታ ድንግል እስራኤል ኣዝዩ ገዚፍ ጉድ ገይራ ኣላ።
14. በረድ ሊባኖስዶ ነቲ ኣኻውሕ መሮር ይለቀሉ እዩ እቲ ኻብ ርሑቕ ዚመጽእ ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነጽፍዶ እዩ
15. ህዝበይንንከ ንኣይ ረስዓኒ፡ ንጣኦታት ከንቱውን ይዐጥን ኣሎ። ንሳቶም በቲ መገዲ ኣጋር፡ በቲ ዘይተጸርገ መገዲ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ኣብ መገድታቱ፡ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ኣዐንቀፍዎ።
16. በዚ ኸምዚ ንሃገሩ ዑና፡ ንሓዋሩ ድማ መላገጺ ይገብሩ። እቶም ብእኣ ዚሐልፉ ዘበሉ ዂሎም ይግረሙ፡ ርእሶም ከኣ ይንቕንቑ።
17. ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ኸም ንፋስ ምብራቕ ክብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጸበባኦም ዝባን እምበር፡ ገጽ ኣይከርእዮምን እየ።
18. ንሳቶም ድማ፡ ሕጊ ኻብ ካህን፡ ምኽሪ ኻብ ጥበበኛ፡ ቃል ካብ ነብዪ ኣይስኣንን እዩ እሞ፡ ንዑ ንኤርምያስ ምኽሪ ንጣበበሉ፡ ንዑ ብልሳንና ንውቅዓዮ፡ ንዂሉ ቓላቱ ድማ ግዱ ኣይንግበር፡ በሉ።
19. ጐይታየ፡ ኣባይ ጽን በል፡ እዞም ተጻረርተይ ዚብልዎ ኸኣ ስማዕ።
20. ንነፍሰይ ጒድጓድ ኲዒቶምላ እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ሰናይዶ እከይ ይፍደ እዩ ጽቡቕ ክዛረበሎምን ኲራኻ ኸርሕቐሎምን ኢለ። ኣብ ቅድሜኻ ዝቘምኩ ዘክር።
21. ስለዚ ደቆም ንጥሜት መጡ፡ ንኣታቶም ከኣ ናብ ኢድ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሀብ። ኣንስቶም ደቂ ዜብለን መበላሉ ይኹና፡ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ። ኣጒባዞም ከኣ ኣብ ውግእ ብሰይፊ ይወቕዑ።
22. ኪሕዙኒ ጒድጋድ ኲዒቶምለይ፡ ነእጋረይ ከኣ መፈንጠራ ደቢቖምለይ እዮም እሞ፡ ብድንገት ጥፍራ ኣምጺእካሎምሲ ኣውያት ካብ ኣባይቶም ይስማዕ።
23. ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኪቐትሉኒ ኢሎም ዝሐለንዎ ምኽሪ ዂሉ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ኣበሳኦም ይቕረ ኣይትበለሎም፡ ሓጢኣቶምውን ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ጻሕ ይበሉ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኻውን ከምዚ ግበሮም።

  Jeremiah (18/52)