Jeremiah (17/52)  

1. ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓጺን ብብልሒ ኣልማዝ ጽሑፍ እዩ፡ ኣብ ጽላት ልቦምን ኣብ ቀርኒ መሰውኢታትኩምን ከኣ ውቑር እዩ።
2. ከምቶም ንደቆም ዚዝክሩ፡ ከምኡ ኸኣ ንመሰውኢታትን ኣስታርቴታትን ኣብ ዝለምዔ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኹ ዂርባታትን ይዝክሩ ኣለው።
3. ኣቲ ኣብ መሮር ዘሎኺ ኸረነይ፡ ብሰሪ እቲ ኣብ ኲሉ ዶባትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት ንሃብትኽን ንዂሉ መዛግብትኽን ነቲ በረኽቲ ዂርባታትክን ንዘመተ ኽምጥዎ እየ።
4. ንሓዊ ቚጥዓይ ኣቃሊልኩምዎንሲ፡ ንሓዋሩ ኺነድድ እዩ እሞ፡ ብሰሪ በደልኪ ነቲ ሂበኪ ዝነበርኩ ርስቲ ኽትለቅዮ ኢኺ፡ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ጸላእትኺ ኸግዝኣኪ እየ።
5. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ሰብ ዚውከል፡ ቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዚገብር፡ ብልቡውን ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ።
6. ንሱ ኸም ንቑጽ ቈጥቋጥ ኣብ በረኻ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ፡ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብቲ ሓደ እኳ ዘይነበሮ ምድሪ ጨው ይነብር እምበር፡ ጥዑም ምስ መጸስ፡ ኣይርእዮን።
7. ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ።
8. ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን።
9. ልቢ ኻብ ኲሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ
10. ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ እምርምሮ፡ ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ።
11. እቲ ብዘይ ቅንዕና ሃብቲ ዚእክብ ከምታ ንዘይወለደቶ እንቋቚሖ እትሐቊፍ ቆቛሕ እዩ። ኣብ ፈረቓ ዕድሚኡ ይሐድጎ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ዓሻ ይኸውን።
12. እቲ ኻብ ጥንቲ ልዕል ዝበለ ዝፋን ግርማስ ስፍራ መቕደስና እዩ።
13. ዎ እግዚኣብሄር፡ ትጽቢት እስራኤል፡ እቶም ዚሐድጉኻ ዘበሉ ኺሐንኩ እዮም። ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ህያው ዓይኒ ማይ፡ ስለ ዝሐደጉ፡ እቶም ካባኻ ዚርሕቁ ኣብ ሓመድ ኪጽሐፉ እዮም።
14. ዎ እግዚኣብሄር፡ ውዳሰይ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ኣሕውየኒ፡ ክሐዊ ድማ እየ፡ ኣድሕነኒ፡ ክድሕንውን እየ።
15. እንሆ፡ ንሳቶም፡ ኣበይ ኣሎ ቓል እግዚኣብሄር ይምጻእ ሕጂይ፡ ይብሉኒ ኣለው።
16. ኣነስ እናሰዐብኩኻ ጓሳ ምዃን ኣይኣቤኹን፡ መዓልቲ መከራ ኣይደሌኹን፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፡ ከናፍረይ እተዛረባኦ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እዩ።
17. ብመዓልቲ ጸበባስ ጸግዔይ ንስኻ ኢኻ፡ ስምባድ ኣይትዂነኒ።
18. እቶም ሰጐጒተይ ይሕነኹ፡ ኣነ ኣይሕነኽ፡ ንሳቶም ይሰምብዱ፡ ኣነ ኣይሰምብድ። መዓልቲ መዓት ኣምጽኣሎም፡ ካዕበት ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም።
19. እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ኣብተን ነገስታት ይሁዳ ዚኣትውለንን ዚወጹለንን ደጌታት ደቂ ህዝብን ኣብ ኲለን ደጌታት የሩሳሌምን ኬድካ ቑም እሞ፡
20. ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኲላትኪም ይሁዳን፡ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምውን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም።
21. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነፍስኹም ሐልዉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ጾር ኣይትጹሩ፡ ብደጌታት የሩሳሌምውን ኣይተእትዉ፡
22. ገለ እኳ ጾር ካብ ኣባይትኹም ኣይተውጽኡ። ከምቲ ኣነ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም ደኣ መዓልቲ ሰንበር ቀድሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ሓንቲ ዕዮ እኳ ኣይትግበሩ።
23. ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖምውን ጽን ኣይበላን። ከይሰምዑን ከይግሰጹንሲ ኽሳውዶም ደኣ ኣትረሩ።
24. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንስኻትኩም ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ጾር ከይተእትዉ ጽን ኢልኩም እንተ ሰማዕኩምኒ፡ ንመዓልቲ ሰንበትሲ ብእኣ ገለ ዕዮ ኸይዐየኹም እንተ ቐደስኩምዋ፡
25. ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጡ ነገስታትን መሳፍንትን፡ ብሰረገላታትን በፍራስን፡ መሳፍንቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ብደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኺኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣ ንዘለኣለም ዚነብሩላ ኽትከውን እያ።
26. ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ የሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጋን ካብ ደቡብን ዚሐርርን ዚሕረድን ዚብላዕን መስዋእቲ፡ ዕጣንውን ሒዞም ኪመጹ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ኬቕርቡ እዮም።
27. ግናኸ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሱ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ገለ ጾር ከይትጾሩን ብደጌታት የሩሳሌም ከይተእትውን እንተ ዘይሰማዕኩንሚ፡ ሽዑ ኣነ ኣብ ደጌታት ሓዊ ኸንድድ እየ፡ ንሱ ኸኣ ንግምብታት የሩሳሌም ኪበልዖ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ።

  Jeremiah (17/52)