| ← Jeremiah (15/52) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ቘሙ፡ ነፍሰይ ነዚ ህዝቢ እዚ ግልጽ ኣይምበለቶም። ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም እሞ ይጸርገፉ። |
| 2. | ናበይ ክንከይድ ኢና እንተ በሉኻ ኸኣ፡ ንሞት እተመደበ ናብ ሞት፡ ንሰይፊ እተመደበ ናብ ሰይፊ፡ ንጥሜት እተመደበ ናብ ጥሜት፡ ንምርኮ እተመደበ ናብ ምርኮ ይኸይድ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም። |
| 3. | ኣነ ኣርባዕተ ዓይነት፡ ሰይፊ ንምቕታሎም፡ ኣኽላባት ንምጒታቶም፡ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከኣ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን ከውርደሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። |
| 4. | ብሰሪ ምናሴ፡ ወዲ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ብሰሪ እቲ ንሱ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ፡ ኣብ ኲሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽገብሮም እየ። |
| 5. | ኣቲ የሩሳሌም፡ መን ይድንግጸልኪ መንከ እዩ ዚበኽየልኪ ብናይ ሰላምኪ ኺጥይቕ ዚሀልከልክስ መን እዩ |
| 6. | ኣቢኺኒ፡ ንድሕሪት ተመለስኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ስለዚ ብምምሓርኪ ደኺመ ኢደይ ኣባኺ እዝርግሕ ኤጥፍኣኪውን ኣሎኹ። |
| 7. | ኣብ ደጌታት እታ ሃገር ብመስኤ መስኤኽዎም፡ ንህዝበይ ውሉድ ከሊኤ ኣጥፋእክዎ፡ ካብ መገዶም ከኣ ኣይተመልሱን። |
| 8. | መበላሉኦም ካብ ሑጻ ባሕሪ በዝሓኒ፡ ኣብ ኣደ እቶም ኣጒባዝ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምጻእኩ፡ ብድንገት ጓህን ረዓድን ኣውደቕኩላ። |
| 9. | ሾብዓተ ዝወለደት ተሐሊላ ትንፋሳ ትወጽእ፡ ገና መዓልቲ ኸላ ጸሓያ ትዐርባ፡ ትሐፍርን ትሐንኽን ኣለ። ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ድማ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንሰይፊ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። |
| 10. | ኣቲ ኣደይ፡ ንዂሉ ሃገር ሰብኣይ ቈዮቛን ሰብኣይ ክትዕን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺ እሞ፡ ወይለይ። ዘየለቃሕኩን ዘይተለቃሕኩን ክነሰይሲ ዂላቶም ይረግሙኒ ኣለው። |
| 11. | እግዚኣብሄር፡ ብሓቂ ንደሓን ክሕልወኻ፡ እቲ ጸላኢ ድማ ብጊዜ ጭንቀትን ብጊዜ ጸበባን ከም ዚልምነካ ኽገብር እየ፡ ይብል ኣሎ። |
| 12. | ሓጺን፡ እቲ ኻብ ሰሜን ዝወጸ ሓጺንን ንሃስንዶ ይስበር እዩ |
| 13. | ሃብትኻን መዛግብትኻን ብሰሪ ዂሉ ሓጢኣትካ ኣብ ኲሉ ዶብካ ንዘመተ ብኸምኡ ኽምጥዎ እየ። |
| 14. | ካብ ቊጥዓይ እተላዕለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ነዲዱ በግ ኪብል እዩ እሞ፡ ምስ ጸላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ። |
| 15. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ ዘክረኒ ብጽሓኒ ኸኣ፡ ንሰጐጒተይ ድማ ሕነ ፍደየለይ። ስሌኻ ኢለ ጸርፊ ኸም እተዐገስኩ ፍለጥ። |
| 16. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ። |
| 17. | ኣብ ባይቶ መላገጽቲ ኣይተቐመትኩን ባህውን ኣይበለንን፡ ብዂራ መሊእካኒ ኢኻ እሞ፡ ብምኽንያት ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ። |
| 18. | ስለምንታይ ከየቛረጽኩ እቕንዞ፡ ስለምንታይከ ቚስለይ ዘይሓዊ ዀይኑ ለገመ ከም ጠባሪ ዓይኒ ማይ፡ ከምቲ ንጻፊ ማይዶ ኽትኰነኒ ኢኻ |
| 19. | ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንተ ተመለስካስ፡ ክመልሰካ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ኽቡር ካብቲ ሕሱር እንተ ፈሌኻዮ፡ ከም ኣፈይ ክትከውን ኢኻ። ንሳቶም ይመለሱኻ እምበር፡ ንስኻስ ኣይትመለሶም። |
| 20. | ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ጽኑዕ ቀጽሪ ነሃሲ ኽገብረካ እየ። ንሳቶም ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም። |
| 21. | ካብ ኢድ እኩያት ከናግፈካ፡ ካብ ኢድ ሓያላት ከኣ ክብጀወካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። |
| ← Jeremiah (15/52) → |