Jeremiah (15/52)  

1. እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ቘሙ፡ ነፍሰይ ነዚ ህዝቢ እዚ ግልጽ ኣይምበለቶም። ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም እሞ ይጸርገፉ።
2. ናበይ ክንከይድ ኢና እንተ በሉኻ ኸኣ፡ ንሞት እተመደበ ናብ ሞት፡ ንሰይፊ እተመደበ ናብ ሰይፊ፡ ንጥሜት እተመደበ ናብ ጥሜት፡ ንምርኮ እተመደበ ናብ ምርኮ ይኸይድ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም።
3. ኣነ ኣርባዕተ ዓይነት፡ ሰይፊ ንምቕታሎም፡ ኣኽላባት ንምጒታቶም፡ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከኣ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን ከውርደሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4. ብሰሪ ምናሴ፡ ወዲ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ብሰሪ እቲ ንሱ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ፡ ኣብ ኲሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽገብሮም እየ።
5. ኣቲ የሩሳሌም፡ መን ይድንግጸልኪ መንከ እዩ ዚበኽየልኪ ብናይ ሰላምኪ ኺጥይቕ ዚሀልከልክስ መን እዩ
6. ኣቢኺኒ፡ ንድሕሪት ተመለስኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ስለዚ ብምምሓርኪ ደኺመ ኢደይ ኣባኺ እዝርግሕ ኤጥፍኣኪውን ኣሎኹ።
7. ኣብ ደጌታት እታ ሃገር ብመስኤ መስኤኽዎም፡ ንህዝበይ ውሉድ ከሊኤ ኣጥፋእክዎ፡ ካብ መገዶም ከኣ ኣይተመልሱን።
8. መበላሉኦም ካብ ሑጻ ባሕሪ በዝሓኒ፡ ኣብ ኣደ እቶም ኣጒባዝ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምጻእኩ፡ ብድንገት ጓህን ረዓድን ኣውደቕኩላ።
9. ሾብዓተ ዝወለደት ተሐሊላ ትንፋሳ ትወጽእ፡ ገና መዓልቲ ኸላ ጸሓያ ትዐርባ፡ ትሐፍርን ትሐንኽን ኣለ። ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ድማ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንሰይፊ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
10. ኣቲ ኣደይ፡ ንዂሉ ሃገር ሰብኣይ ቈዮቛን ሰብኣይ ክትዕን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺ እሞ፡ ወይለይ። ዘየለቃሕኩን ዘይተለቃሕኩን ክነሰይሲ ዂላቶም ይረግሙኒ ኣለው።
11. እግዚኣብሄር፡ ብሓቂ ንደሓን ክሕልወኻ፡ እቲ ጸላኢ ድማ ብጊዜ ጭንቀትን ብጊዜ ጸበባን ከም ዚልምነካ ኽገብር እየ፡ ይብል ኣሎ።
12. ሓጺን፡ እቲ ኻብ ሰሜን ዝወጸ ሓጺንን ንሃስንዶ ይስበር እዩ
13. ሃብትኻን መዛግብትኻን ብሰሪ ዂሉ ሓጢኣትካ ኣብ ኲሉ ዶብካ ንዘመተ ብኸምኡ ኽምጥዎ እየ።
14. ካብ ቊጥዓይ እተላዕለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ነዲዱ በግ ኪብል እዩ እሞ፡ ምስ ጸላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ።
15. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ ዘክረኒ ብጽሓኒ ኸኣ፡ ንሰጐጒተይ ድማ ሕነ ፍደየለይ። ስሌኻ ኢለ ጸርፊ ኸም እተዐገስኩ ፍለጥ።
16. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ።
17. ኣብ ባይቶ መላገጽቲ ኣይተቐመትኩን ባህውን ኣይበለንን፡ ብዂራ መሊእካኒ ኢኻ እሞ፡ ብምኽንያት ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ።
18. ስለምንታይ ከየቛረጽኩ እቕንዞ፡ ስለምንታይከ ቚስለይ ዘይሓዊ ዀይኑ ለገመ ከም ጠባሪ ዓይኒ ማይ፡ ከምቲ ንጻፊ ማይዶ ኽትኰነኒ ኢኻ
19. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንተ ተመለስካስ፡ ክመልሰካ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ኽቡር ካብቲ ሕሱር እንተ ፈሌኻዮ፡ ከም ኣፈይ ክትከውን ኢኻ። ንሳቶም ይመለሱኻ እምበር፡ ንስኻስ ኣይትመለሶም።
20. ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ጽኑዕ ቀጽሪ ነሃሲ ኽገብረካ እየ። ንሳቶም ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም።
21. ካብ ኢድ እኩያት ከናግፈካ፡ ካብ ኢድ ሓያላት ከኣ ክብጀወካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

  Jeremiah (15/52)