Jeremiah (14/52)  

1. እቲ ብዛዕባ ደርቂ ናይ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡
2. ይሁዳ ትሐዝን፡ ደጌታታ ኣሕለልዩ፡ ከሊ ተኸዲኖም ኣብ ምድሪ ይደኑ ኣለው፡ ብኽያት የሩሳሌም ዋሕ ይብል ኣሎ።
3. ጭዋታቶም ንደቆም ማይ ኬምጽኡ ይልእክዎም፡ ናብቲ ሓጽብታት ወሪዶም ማይ ይስእኑ እሞ ዓታሩኦም ጥራዩ ሒዞምዎ ይምለሱ፡ ሐፊሮምን ሐኒኾምን ርእሶም ይጒልበቡ።
4. ማይ ስለ ዘይዘነመ፡ እታ ምድሪ ኳሕኳሕ በለት እሞ፡ ሓረስቶት ሐኒኾም ርእሶም ይጒልበቡ ኣለው።
5. ኣብ መሮር ዝወለደት እራብ እኳ፡ ሳዕሪ ስለ እተሳእነ፡ ማሕስኣ ሐዲጋ ትኸይድ።
6. ኣእዱግ ከደን ድማ ኣብ በረኽቲ ደው ኢለን ከም ወኻሩ ይልህልሃ፡ ካብ ሰኣን ሳዕሪ እተላዕለ ኣዒንተይ ሰም ይብላ ኣለዋ።
7. ጥልመትና ብዙሕ እዩ፡ ንኣኻውን በዲልና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳና እኳ እንተ ኸሰሰና፡ ስለ ስምካ ኢልካ ደኣ ግበር።
8. ኣታ ተስፋ እስራኤል፡ ብጊዜ ጸበባ መድሓኒኡ፡ ስለምንታይ ኣብዛ ሃገር ከም ጋሻ፡ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራይ ዚሐድር ሓላፍ መገዲ ዀንካ
9. ስለምንታይ ከም ቀባሕብሓ፡ ከምቲ ኼውዕል ዘይኽእል ጅግና ትኸውን ዝዀነ ዀይኑስ ንስኻ ኣብ ማእከልና ኣሎኻ፡ ብስምካ ኸኣ ተሰሚና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና።
10. እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪዛውኑ ይፈትው፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይገትኡን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣይፈትወሎምን፡ ሕጂ ንኣበሳኦም ይዝክር፡ ንሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ ኣሎ።
11. እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሰናይ ኣይትለምነሉ፡
12. ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ እምበር፡ እንተ ጾሙ እኳ ጥርዓኖም ኣይክሰምዕን፡ ዚሐርርን ዚብላዕን መስዋእቲ እንተ ሰውኡውን፡ ኣይክፈትወሎምን እየ።
13. ኣነ ድማ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ እቶም ነብያት እኮ እዮም፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህበኩም እየ እምበር፡ ሰይፊ ኣይክትርእዩን ጥሜትውን ኣይኪመጻኩምን እዩ፡ ዚብልዎም ዘለው፡ በልኩ።
14. ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለው። ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለው እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን ድማ፡ በለኒ።
15. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣነ ኸይለኣኽክዎም፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ሰይፍን ጥሜትን ኣይኪህሉን እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ዚንበዩ ነብያት፡ እዞም ነብያት እዚኣቶም ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም።
16. ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ድማ እከዮም ኣብ ርእሶም ከፍስሰሎም እየ፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜትን ብሰይፍን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪወድቁ እዮም፡ ዚቐብሮም ድማ ኪስእኑ እዮም።
17. እምበኣርስኸ እዚ ቓል እዚ ንገሮም፡ እታ ድንግል ጓል ህዝበይ ብብርቱዕ መውቃዕቲ፡ ብዘሰቂ ቚስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፡ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቛረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ።
18. ናብ መሮር እንተ ወጻእኩ፡ እንሆ፡ ብሰይፊ ዝሞቱ፡ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፡ እንሆ፡ ብጥሜት ዝቓሀመሙ፡ ክሳዕ ነብይን ካህንን እኳ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለው።
19. ካንዶ ንይሁዳ ብጥራስ ደርቢኻያ ኢኻ ነፍስኻዶ ብጽዮን ሰክሔት ስለምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሐዊ ጌርካ ወቓዕካና ሰላም ተጸቤና፡ ግናኸ ሰናይ ኣይመጸን። እንሐውየሉ ጊዜ ተጸቤና፡ እንሆ ኸኣ፡ ስምባድ ኰነ።
20. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንኣኻ በዲልና ኢና እሞ፡ ረሲእነትናን ኣበሳ ኣቦታትናን ተፈሊጡና ኣሎ።
21. ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትንዐቐና፡ ነቲ ዝፋን ክብርኻ ኣይተዋርዶ፡ ነቲ ምሳና ዝኣቶኻዮ ኺዳን ዘክር እሞ ኣይተፍርሶ።
22. ካብቶም ናይ ኣረማውያን ጣኦታትዶ ኼዝንም ዚከኣሎ ኣሎ እዩ ወይስ ሰማይዶ እዩ ማይ ሽው ዜብል ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን እዚ ዂሉ ዝገበርካስ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ትጽቢትና ናባኻ እዩ።

  Jeremiah (14/52)