| ← Jeremiah (14/52) → |
| 1. | እቲ ብዛዕባ ደርቂ ናይ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ |
| 2. | ይሁዳ ትሐዝን፡ ደጌታታ ኣሕለልዩ፡ ከሊ ተኸዲኖም ኣብ ምድሪ ይደኑ ኣለው፡ ብኽያት የሩሳሌም ዋሕ ይብል ኣሎ። |
| 3. | ጭዋታቶም ንደቆም ማይ ኬምጽኡ ይልእክዎም፡ ናብቲ ሓጽብታት ወሪዶም ማይ ይስእኑ እሞ ዓታሩኦም ጥራዩ ሒዞምዎ ይምለሱ፡ ሐፊሮምን ሐኒኾምን ርእሶም ይጒልበቡ። |
| 4. | ማይ ስለ ዘይዘነመ፡ እታ ምድሪ ኳሕኳሕ በለት እሞ፡ ሓረስቶት ሐኒኾም ርእሶም ይጒልበቡ ኣለው። |
| 5. | ኣብ መሮር ዝወለደት እራብ እኳ፡ ሳዕሪ ስለ እተሳእነ፡ ማሕስኣ ሐዲጋ ትኸይድ። |
| 6. | ኣእዱግ ከደን ድማ ኣብ በረኽቲ ደው ኢለን ከም ወኻሩ ይልህልሃ፡ ካብ ሰኣን ሳዕሪ እተላዕለ ኣዒንተይ ሰም ይብላ ኣለዋ። |
| 7. | ጥልመትና ብዙሕ እዩ፡ ንኣኻውን በዲልና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳና እኳ እንተ ኸሰሰና፡ ስለ ስምካ ኢልካ ደኣ ግበር። |
| 8. | ኣታ ተስፋ እስራኤል፡ ብጊዜ ጸበባ መድሓኒኡ፡ ስለምንታይ ኣብዛ ሃገር ከም ጋሻ፡ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራይ ዚሐድር ሓላፍ መገዲ ዀንካ |
| 9. | ስለምንታይ ከም ቀባሕብሓ፡ ከምቲ ኼውዕል ዘይኽእል ጅግና ትኸውን ዝዀነ ዀይኑስ ንስኻ ኣብ ማእከልና ኣሎኻ፡ ብስምካ ኸኣ ተሰሚና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና። |
| 10. | እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪዛውኑ ይፈትው፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይገትኡን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣይፈትወሎምን፡ ሕጂ ንኣበሳኦም ይዝክር፡ ንሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ ኣሎ። |
| 11. | እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሰናይ ኣይትለምነሉ፡ |
| 12. | ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ እምበር፡ እንተ ጾሙ እኳ ጥርዓኖም ኣይክሰምዕን፡ ዚሐርርን ዚብላዕን መስዋእቲ እንተ ሰውኡውን፡ ኣይክፈትወሎምን እየ። |
| 13. | ኣነ ድማ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ እቶም ነብያት እኮ እዮም፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህበኩም እየ እምበር፡ ሰይፊ ኣይክትርእዩን ጥሜትውን ኣይኪመጻኩምን እዩ፡ ዚብልዎም ዘለው፡ በልኩ። |
| 14. | ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለው። ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለው እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን ድማ፡ በለኒ። |
| 15. | ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣነ ኸይለኣኽክዎም፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ሰይፍን ጥሜትን ኣይኪህሉን እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ዚንበዩ ነብያት፡ እዞም ነብያት እዚኣቶም ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም። |
| 16. | ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ድማ እከዮም ኣብ ርእሶም ከፍስሰሎም እየ፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜትን ብሰይፍን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪወድቁ እዮም፡ ዚቐብሮም ድማ ኪስእኑ እዮም። |
| 17. | እምበኣርስኸ እዚ ቓል እዚ ንገሮም፡ እታ ድንግል ጓል ህዝበይ ብብርቱዕ መውቃዕቲ፡ ብዘሰቂ ቚስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፡ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቛረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ። |
| 18. | ናብ መሮር እንተ ወጻእኩ፡ እንሆ፡ ብሰይፊ ዝሞቱ፡ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፡ እንሆ፡ ብጥሜት ዝቓሀመሙ፡ ክሳዕ ነብይን ካህንን እኳ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለው። |
| 19. | ካንዶ ንይሁዳ ብጥራስ ደርቢኻያ ኢኻ ነፍስኻዶ ብጽዮን ሰክሔት ስለምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሐዊ ጌርካ ወቓዕካና ሰላም ተጸቤና፡ ግናኸ ሰናይ ኣይመጸን። እንሐውየሉ ጊዜ ተጸቤና፡ እንሆ ኸኣ፡ ስምባድ ኰነ። |
| 20. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ንኣኻ በዲልና ኢና እሞ፡ ረሲእነትናን ኣበሳ ኣቦታትናን ተፈሊጡና ኣሎ። |
| 21. | ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትንዐቐና፡ ነቲ ዝፋን ክብርኻ ኣይተዋርዶ፡ ነቲ ምሳና ዝኣቶኻዮ ኺዳን ዘክር እሞ ኣይተፍርሶ። |
| 22. | ካብቶም ናይ ኣረማውያን ጣኦታትዶ ኼዝንም ዚከኣሎ ኣሎ እዩ ወይስ ሰማይዶ እዩ ማይ ሽው ዜብል ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን እዚ ዂሉ ዝገበርካስ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ትጽቢትና ናባኻ እዩ። |
| ← Jeremiah (14/52) → |