Jeremiah (13/52)  

1. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ እሞ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ገዚእካ፡ ኣብ ሕቜኻ ተዐጠቃ፡ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ፡ በለኒ።
2. ኣነ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ቅናት ተወይጠ ሕቘይ ተዐጠቕኩላ።
3. ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ነታ ዝዐደግካያ እሞ ኣብ ሕቜኻ ዘላ ቕናት ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኬድካ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ምንቃዕ ከውሒ ሕብኣያ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ።
4. ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ነታ ዝዐደግካያ እሞ ኣብ ሕቜኻ ዘላ ቕናት ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኬድካ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ምንቃዕ ከውሒ ሕብኣያ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ።
5. ኣነውን ከይደ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ኤፍራጥስ ሐባእክዋ።
6. ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ እሞ ኣብ ኤፍራጥስ ኬድካ ነታ ኣብኡ ኽትሐብኣ ዝኣዘዝኩኻ ቕናት ካብኡ ኣምጽኣያ፡ በለኒ።
7. ኣነውን ናብ ኤፍራጥስ ከይደ ኻብታ መሕቢኢኣ ዂዒተ ነታ ቕናት ኣምጻእክዋ። እንሆውን፡ እታ ቕናት ተበላሽያ። ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ኰይና ጸንሔት።
8. ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
9. ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ከምኡ ገይረ ኸኣ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት የሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ፡
10. እዚ ብትሪ ልቡ ዚመላለስ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼገልግሎምን ኪሰግደሎምን ዚስዕቦም፡ ንቓላተይ ዘይሰምዕ ሕሱም ህዝቢ ኸምዛ ንሓደ ግዛዕ እኳ ዘይትጠቅም ቅናት ዝዀነት ኪኸውን እዩ።
11. ኣነስ ንዂሎም ቤት እስራኤልን ንዂሎም ቤት ይሁዳንሲ ህዝብን ስምን ሓበንን ክብርን ኪዀኑኒ ኢለ፡ ከምቲ ቕናት ሰብኣይ ቀጥ ኢሉ ኣብ ሕቚኡ ዚጠብቕ፡ ከምኡ ኸኣ ቀጥ ኣቢለ ኣባይ ኣጥበቕክዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12. እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣሕርብቲ ዘበለ ወይኒ ኺምላእ እዩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ፡ እዚ ቓል እዚ ንገሮም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣሕርብቲዶ ወይኒ ኸም ዚምላእ ኣይንፈልጥን ኢና ይብሉኻ።
13. ሽዑ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ምለሰሎም፡ እንሆ፡ ንዂሎም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ፡ ነቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጡ ዘለው ነገስታትን ንኻህናትን ንነብያት ንዂላቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ብስኽራን ክመልኦም እየ።
14. ነቦታትን ንውሉድን ኣሕቢረ ነቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኸራጽሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይክድንግጽን፡ ኣይክንሕፍን፡ ኣይክምሕርን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
15. እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ስምዑ፡ ጽን በሉ፡ ኣይትተዐበዩ፡
16. እግዚኣብሄር ከየጸልመተ፡ ኣብቲ ዝጸልመተ ኣኽራን ከኣ ኣእጋርኩም ከይተሰናኸለ፡ ነታ እትጽበይዋ ብርሃን ድማ ድነ ሞት ከይገበራ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማውን ከይለወጣ ኸሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኹም ክብሪ ሀቡ።
17. እንተ ዘይሰማዕኩም ግና፡ ብሰሪ ትዕቢትኩም ነፍሰይ ብሕቡእ ክትበኪ እየ፡ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፡ ንብዓት ድማ ዘርባሕባሕ ይብላ ኣለዋ።
18. ንንጉስን ነደ ንጉስን፡ እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፡ ለጠቕ ኢልኩም ተቐመጡ፡ ኢልካ ንገሮም።
19. ከተማታት ድቡብ ተዐጽዋ፡ ዚኽፍተን ድማ የልቦን። ኲላ ይሁዳ ተማረኸት፡ ብዘላ ብጥራስ ተማረኸት።
20. ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ነዞም ካብ ሰሜን ዚመጹ ዘለው ርኣዩ። እቲ እተዋህበካ መጓሰ፡ እቲ ጽቡቕ መጓሰ፡ ኣበይ ኣሎ
21. ነቶም ባዕልኺ ዘስተምሀርክዮም ፈተውትኺ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣግዝኦም፡ እንታይ ክትብሊ ኢኺ ከምታ ቕልውላው እተታሕዘት ሰበይቲዶ ኣይክትስቀይን ኢኺ
22. ብልብኺ ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ወረደኒ እንተ በልኪ፡ ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኺ ዘፈር ክዳንኪ ተኸበከበ፡ ዳንጋኺውን ንሕስራን ተቐልዔ።
23. ኢትዮጵያዊዶ ቘርበቱ ወይስ ነብሪ ዕሮርባይ ምዃኑ ኺልውጥ ይከኣሎ እዩ እምበኣርከ ንስኻትኩም ድማ እከይ ንምግባር ዝለመድኩምሲ ጽቡቕ ያኢ ኽትገብሩ ኢኹም።
24. ስለዚ ድማ ኣነ ኸምቲ ንፋስ በረኻ ዝበቈጾ ብቚቡቚ ክዘርዎም እየ።
25. ንኣይ ረሲዕክኒ፡ ኣብ ሓሶት ከኣ ተወኪልኪ ኢኺ እሞ፡ ግዴኺ፡ እቲ ኣነ ዝኸፈልኩልኪ ኽፍሊ፡ እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
26. ስለዚ ሓፍረትኪ ኺርኤ፡ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገጽኪ ክኽብክብ እየ።
27. ዝሙትክን ምሕምሓምክን ኣብ ኲድዂዶታትን ኣብ መሮርን ዝገበርክዮ ርኽሰት ምንዝርናኽን፡ እቲ ጽያፍኪ ርኤኹ። ኣቲ የሩሳሌም፡ ወይለኺ። መኣዝ ኰን ክትጸርዪ ኢኺ

  Jeremiah (13/52)