| ← Jeremiah (12/52) → |
| 1. | ዎ ጐይታይ፡ እንተ ተማጐትኩኻ እኳ፡ ንስኻስ ጻድቕ ኢኻ፡ ምስናይ እዚውን ብዛዕባ ፍርዲ ኽዛረበካ እደሊ ኣሎኹ፡ ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዚሰልጥ ስለምንታይከ ዂሎም ጠለምትስ ዕድል ዚዀነሎም |
| 2. | ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፡ ዐበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ኣብ ኣፎም ቀረባ ኢኻ፡ ካብ ኰላሊቶም ግና ርሑቕ ኢኻ። |
| 3. | ንስኻ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ትፈልጠኒ፡ ትርእየኒ፡ ልበይ ከኣ ንኣኻ ኸመይ ምዃኑ ትምርምር ኢኻ። ከም ኣባጊዕ ንማሕረዲ ጓትቶም፡ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፍለዮም። |
| 4. | እታ ሃገር ክሳዕ መኣዝ ክትሐዝን ክሳዕ መኣዝከ ሳዕሪ ዂሉ መሮር ኪነቅጽ እዮ ንሳቶም፡ መወዳእታና ኣይኪርእን እዩ፡ ስለ ዝበሉ፡ ብሰሪ እከይ እቶም ኣብኣ ዚነብሩስ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለው። |
| 5. | ምስ ኣጋር ተቓዳዲምካ ኻብ ዜድክሙኻ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ ክትቃዳደም ኢኻ ኣብ ሃገር ሰላም እንተ ተኣመንካ፡ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ |
| 6. | እንሆ፡ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ ጠሊሞሙኻ እዮም። ኣፎም መሊኦም ድማ ደድሕሬኻ ይጥድሩ ኣለው። ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን፡ ኣይትእመኖም። |
| 7. | ቤተይ ሐደግኩ፡ ርስተይ ለቐቕኩ፡ ነቲ ነፍሰይ እትብህጎስ ኣብ ኢድ ጸላእታ ወፌኹ። |
| 8. | ርስተይ ከምቲ ኣብ ዱር ዘሎ ኣንበሳ ዀነኒ፡ ጓዚሙለይ እዩ እሞ፡ ጸላእክዎ። |
| 9. | ርስተይዶ ዓንጥዓንጦራይ ሽላ ምዀነኒ ጋባት ኣብ ኲሉ ወገን ዙርያኡ ኣለዉ። ኪዱ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ኪበልዑ ኣኪብኩም ኣምጽእዎም። |
| 10. | ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣባላሸውዋ፡ ንግደይ ረገጽዋ፡ ነታ ጽብቕቲ ግደይውን ዝጸመወ ምድረ በዳ ገበርዋ፡ |
| 11. | ኣባደምዋ፡ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሐዝን ኣላ። ሓደ እኳ ኣብ ልቡ ዜስተዋድዮ ስለ እተሳእነ፡ እታ ሃገር ብዘላ ባደመት። |
| 12. | ኣብ ኲሉ ዂርባታት ምድረ በዳ ወረርቲ ተፈነዉ፡ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብቲ ሓደ ወሰን እታ ሃገር ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰና ይጐምድ ኣሎ እሞ፡ ስጋ ንዝለበሰ ዂሉ ሰላም የልቦን። |
| 13. | ስርናይ ዘርኡ፡ እሾዂ ከኣ ዐጸዱ፡ ጸዐሩ ጥቕሚውን ኣይረኸቡን። ብሰሪ እቲ ርሱን ቊጥዓ እግዚኣብሄር ብእትዋት ቀውዕኹም ክትሐንኩ ኢኹም። |
| 14. | እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ነቲ ንህዝበይ እስራኤል ዘረስቴኽዎ ርስቲ ዚነኽኡ ዂሎም ክፉኣት ጐረባብተይ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ካብ ሃገሮም ክምንቊሶም፡ ንቤት ይሁዳ ድማ ካብ ማእከሎም ክምንቊሳ እየ። |
| 15. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ መንቈስክዎም ግና፡ ከም ብሓድሽ ክድንግጸሎም እየ እሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ረርስቱ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሀሃገሩ ኽመልሶ እየ። |
| 16. | ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ኪምሕሉ ዝመሀርዎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ኪምሕሉስ መገድታት ህዝበይ እንተ ተማህሩ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኪሀንጹ እዮም። |
| 17. | ግናኸ እንተ ዘይሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኽምንቊሶ፡ ኣነ ኽምንቊሶን ከጽንቶን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። |
| ← Jeremiah (12/52) → |