Isaiah (9/66)  

1. ግናኸ ኣብታ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይኪነብርን እዩ። ኣብቲ ዘመን ቀደም ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ከም ዘቃለለን፡ ከምኡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ንመገዲ ባሕሪ፡ ንማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ነታ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኬኽብራ እዩ።
2. እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም።
3. ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ንሓጐሶም ከኣ ኣዕቤኻዮ፡ ከምቲ ሓጐስ ቀውዕን ከምቲ ምርኮ ኺማቐሉ ኸለው ዚሕጐሱን፡ ከምኡ ኣብ ቅድሜኻ ይሕጐሱ።
4. ነርዑት ጾሩን ንበትሪ መንኲቡን ንስላዕ ገፋዒኡን ከም ብመዓልቲ ሚድያን ጌርካ ሰበርካዮ።
5. ሰብ ኣብ ውግእ እተዐጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዐለሰ ኽዳንን ኪነድድ፡ ሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ።
6. ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱኦ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።
7. ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።
8. እግዚኣብሄር ናብ ያእቆብ ቃል ሰደደ፡ እዚውን ኣብ እስራኤል ወደቐ።
9. ኲሉ እቲ ህዝብን እቶም ብትዕቢት ብዂርዓት ልቦምን፡ ጡብ ፈረስ፡ ግናኸ ብውቑር እምኒ ኽንሀንጽ፡ ኦም ሳግላ ተቘርጸ፡ ግናኸ ጽሕዲ ኽንትክአሉ ኢና፡ ዚብሉ ኤፍሬምን እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩን ኪፈልጡ እዮም።
10. ኲሉ እቲ ህዝብን እቶም ብትዕቢት ብዂርዓት ልቦምን፡ ጡብ ፈረስ፡ ግናኸ ብውቑር እምኒ ኽንሀንጽ፡ ኦም ሳግላ ተቘርጸ፡ ግናኸ ጽሕዲ ኽንትክአሉ ኢና፡ ዚብሉ ኤፍሬምን እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩን ኪፈልጡ እዮም።
11. ስለዚ እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ፌጺን ኣብ ልዕሊኡ ኼተንስኣሉ፡ ንጸላእቱውን ኬለዓዕሎም እዩ፡
12. ሰብ ሶርያ ኻብ ምብራቕ፡ ፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ምዕራብ፡ እዚኣቶም ከኣ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ኪውሕጥዎም እዮም። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
13. እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝወቕዖም ኣይተመልሱን፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን።
14. ስለዚ እግዚኣብሄር ንርእስን ጭራን፡ ንስየን ሰልሰላን ካብ እስራኤል ብሓንቲ መዓልቲ ኪቘርጾ እዩ።
15. እቲ ዓብይን እቲ ምርኡይን ርእሲ እዩ፡ እቲ ሓሶት ዚምህር ነብዪ ኸኣ ጭራ እዩ።
16. መራሕቲ እዚ ህዝቢ እዚ መስሓትቲ እዮም፡ እቶም ብኣታቶም ዚምርሑውን ኪጠፍኡ እዮም።
17. ኲላቶም ግቡዛትን ገበርቲ ኽፋእን እዮም፡ ኲሉ ኣፍ ከኣ ዕሽነት ይዛረብ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በጒባዞም ኣይኪሕጐሱን እዩ፡ ንዘኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከኣ ኣይኪርሕርሓሎምን እዩ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
18. ረሲእነት ከም ሓዊ ይነድድ እሞ፡ ንእሾዂን ተዀርባን ይበልዖ፡ ኣብ ጽቡቕ ዱር ይባራዕ፡ ከም ኣዕኑድ ትኪውን ንላዕሊ ይወጽእቕ።
19. እታ ሃገር ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ትነድድ፡ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ሓዊ ይኸውን፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይንሕፍን።
20. ሰብ ካብ የማን ይምንጥል ይጠሚ ኸኣ፡ ካብ ጸጋም ይውሕጥ ኣይጸግብን ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቀቅልጽሙ ስጋ ኺበልዕ እዩ።
21. ምናሴ ንኤፍሬም፡ ኤፍሬም ከኣ ንምናሴ ይበልዖ፡ ሐቢሮምውን ንይሁዳ ይቃወምዎ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።

  Isaiah (9/66)