Isaiah (8/66)  

1. እግዚኣብሄር ድማ፡ ዓብዪ ሰሌዳ ውሰድ ኣብኡውን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ፡ ኢልካ ብብርዒ ሰብ ጸሐፍ፡ በለኒ።
2. እሙናት ምስክር ከኣ፡ ንኡርያ እቲ ኻህንን ንዘካርያስ ወዲ ይቤፊኽያን ወሰድኩ።
3. ኣብታ ነብይት ከኣ ቀረብኩ፡ ንሳውን ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት። ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሕጻን ኣቦይን ኣደይን ምባል ከይፈለጠ፡ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ኪወስድዎ እዮም እሞ፡ ነቲ ሕጻን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ፡ ኢልካ ስመዩ፡ በለኒ።
4. ኣብታ ነብይት ከኣ ቀረብኩ፡ ንሳውን ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት። ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሕጻን ኣቦይን ኣደይን ምባል ከይፈለጠ፡ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ኪወስድዎ እዮም እሞ፡ ነቲ ሕጻን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ፡ ኢልካ ስመዩ፡ በለኒ።
5. ከም ብሓድሽ ከኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡
6. እዚ ህዝቢ እዚ ነቲ ለመም ኢሉ ዚውሕዝ ማይ ሰሊሆም፡ ንዒቑ፡ ብረጺንን ብወዲ ረማልያን ከኣ ተሐጒሱ እዩ እሞ፡
7. ምእንትዚ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓብይን ማያት ርባ፡ ማለት ንጉስ ኣሶርን ኲሉ ኽብሩን፡ ኣብ ልዕሊኦም ኬደይቦ እዩ፡ ንሱውን ንዂሉ ደንደሱ ኺሐልፎን ኣብ ኲሉ ገምገሙ ኼውሕዝን እዩ።
8. ናብ ይሁዳ ጥሒሱ ኺኣቱ፡ ኣብ ልዕሊ ገምገሙ ወጺኡ እናሐለፈ፡ ክሳዕ ክሳድ ኪበጽሕ እዩ። ዎ ኣማኑኤል፡ ምዝርጋሕ ኣኽናፉውን ንራሕቢ ሃገርካ ኺመልኦ እዩ።
9. ኣቱም ህዝብታት፡ ነድሩ እሞ ክትጭፍለቑ ኢኹም፡ ኣቱም ሰብ ርሑቕ ሃገር ከኣ ኲሉኹም፡ ጽን በሉ፡ ተዐጠቑ እሞ ክትጭፍለቑ፡ ተዐጠቑ እሞ ክትጭፍለቑ ኢኹም።
10. እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ፡ ምኽሪ ወድቡ፡ ኪዝርዘር ከኣ እዩ፡ ቃል ተዛረቡ፡ ኣይኪቐውምን ድማ እዩ።
11. እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ከምዚ ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ብመገዲ እዚ ህዝቢ እዚ ኸይመላለስ ከምዚ ኢሉ ገሰጸኒ፡
12. እዚ ህዝቢ እዚ ምምሕሓል ንዚብሎ ዂሉ ምምሕሓል ኣይትበልዎ፡ ነቲ ዚፈርሆ ኸኣ ኣይትፍርህዎ፡ ብእኡውን ኣይትሰክሑ።
13. ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ንእኡ ቀድስዎ፡ ንሱ ፍርሃትኩም ይኹን፡ ንሱ ስምባድኩም ይኹን።
14. ንሱ ኸኣ መቕደስ ኪኸውን እዩ፡ ነተን ክልተ ቤት እስራኤል ግና እምኒ ምዕንቃፍን ከውሒ ምንስታትን፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩውን መድፈናን መፈንጠጣን ኪዀኖም እዩ።
15. ብዙሓት ካባታቶም ከኣ ኪዕንቀፉን ኪወድቁን ኪስበሩን ኪፍንጠሩን ኪተሐዙን እዮም።
16. ኣብ ማእከል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፡ ሕጊውን ሕተም።
17. ኣነስ ነቲ ኻብ ቤት ያእቆብ ገጹ ዚሐብእ እግዚኣብሄር እጽበ፡ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
18. እንሆ፡ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሀበኒ ደቅን፡ ኣብ ከረን ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ እስራኤል ንትእምርትን ተኣምራትን ኴንና ኣሎና።
19. ነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ ኢልኩም ምለሱሎም።
20. ናብ ሕግን ናብ ምስክርን፡ ከምዚ ዘመሰለ ቓል እንተ ዘይተናገሩ፡ ብሓቂ ወጋሕታ የብሎምን።
21. ሸጊርዎምን ጠምዮምን ኣብታ ሃገር ኪዞሩ እዮም። ምስ ጠመዩ ድማ፡ ሐሪቖም ንንጉሶምን ኣምላኾምን ኪረግሙ እዮም። ንላዕሊ ገጾም ኬንቃዕርሩ፡
22. ናብ ምድሪ ድማ ኪጥምቱ እዮም፡ እንሆውን፡ ጸበባን ጸልማትን ዜሸብር ጽልግልግታን ኣሎ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማት ኪድፍኡ እዮም።

  Isaiah (8/66)