Isaiah (7/66)  

1. ኰነ ኸኣ፡ ሬጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ብዘመን ኣሃዝ ወዲ ዮታም፡ ወዲ ኡዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ተላዕሉ፡ ግናኸ ኣይተኻእሎምን።
2. ንቤት ዳዊት ከኣ፡ ሶርያ ኣብ ኤፍሬም ሰፊሮም፡ ኢሎም ኣውረዩሎም። ከምቲ ኣእዋም ዱር ብንፋስ ዚናውጽ፡ ልቡን ልቢ ህዝቡን ተናወጸ።
3. ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ በሎ፡ ንስኻ ምስ ሸኣርያሸብ፡ ወድኻ፡ ውጻእ እሞ ኣብቲ ወሰን መስኖ ላዕላይ ቀላይ ብጽርግያ ግራት ሓጻቢ ንኣሃዝ ተቐባበሎ፡
4. እሞ ንገሮ፡ ተጠንቀቕ፡ ህዳእ ኣይትፍራህውን፡ በዘን ክልተ ተኸኽቲ ተረፍ እያድ፡ በቲ ናይ ሬጺንን ናይ ሶርያን ናይ ወዲ ረማልያን ጒሁር ቊጥዓ ኸኣ ልብኻ ኣይጥፋእ።
5. ሶርያን ኤፍሬምን ወዲ ረማልያን፡ ናብ ይሁዳ ንደይብ እሞ ንሸብራ፡ ኣፍሪስና ንእቶ፡ ንወዲ ጣብኤል ከኣ ኣብአ ነንግሶ፡ እናበሉ እኩይ መኺሮምልካ ኣለው።
6. ሶርያን ኤፍሬምን ወዲ ረማልያን፡ ናብ ይሁዳ ንደይብ እሞ ንሸብራ፡ ኣፍሪስና ንእቶ፡ ንወዲ ጣብኤል ከኣ ኣብአ ነንግሶ፡ እናበሉ እኩይ መኺሮምልካ ኣለው።
7. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፡ ርእሲ ደማስቆ ኸኣ ሬጺን እዩ እሞ፡ እዚ ኣይኪቐውምን ኣይኪኸውንን ድማ እዩ፡ ብስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ህዝቢ ኸይከውን ኪጭፍለቕ እዩ።
8. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፡ ርእሲ ደማስቆ ኸኣ ሬጺን እዩ እሞ፡ እዚ ኣይኪቐውምን ኣይኪኸውንን ድማ እዩ፡ ብስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ህዝቢ ኸይከውን ኪጭፍለቕ እዩ።
9. ርእሲ ኤፍሬም ከኣ ሰማርያ እያ፡ ርእሲ ሰማርያ ድማ ወዲ ረማልያ እዩ። እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓቂ ኣይትጸንዑን ኢኹም።
10. እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ትእምርቲ ለምን፡ ካብቲ ዓሚቚ ወይስ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በሪኽ ለምን፡ ኢሉ ኸምብሓድሽ ንኣሃዝ ነገሮ።
11. እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ትእምርቲ ለምን፡ ካብቲ ዓሚቚ ወይስ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በሪኽ ለምን፡ ኢሉ ኸምብሓድሽ ንኣሃዝ ነገሮ።
12. ኣሃዝ ግና፡ ኣይልምንን፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይፍትኖን እየ፡ በለ።
13. ሽዑ በለ፡ እምበኣርሲ ኣቱም ቤት ዳዊት፡ ስምዑ፡ እቲ ንሰብ ላሕ ምባልኩምዶ ውሒዱ እዩ፡ ንኣምላኸይ ድማ ላሕ እተብልዎ
14. ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።
15. ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ክሳዕ ዚፈልጥሲ፡ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ።
16. እቲ ቘልዓ ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ከይፈለጠ፡ ሃገር እቶም እትፈርሆም ዘሎኻ ኽልተ ነገስታ ክትሕደግ እያ።
17. ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ኻብ ዚፍለ መዓልቲ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ከምኡ ዘመሰለ መዓልትታት ከቶ ዘይመጻ፡ ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ኬምጽእ እዩ፡ ማለት ንጉስ ኣሶር።
18. በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ምድሪ ኣሶር ዘሎ ንህብን ብፋጻ ኺጽውዖም እዩ።
19. ንሳቶም ከኣ ኪመጹ እሞ ኲላቶም ኣብ ጽምዊ ሽንጭሮን ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኣብ ኲሉ ኣእሻዂን ኣብ ኲሉ ስዕሩር ምድርን ኪሰፍሩ እዮም።
20. በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በታ ኻብ ስግር ርባ እተኻረያ መላጸ፡ ማለት ንጉስ ኣሶር፡ ንርእስን ንጸጒሪ እግርን ኪላጺ እዩ፡ ንጭሕሚውን ኪሰዶ እዩ።
21. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ዘበለ ዂሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓንቲ በኳር ኣርሕን ንኽልተ ኣባጊዕን ኪምግብ እዩ፡ ካብ ብዝሒ ጸባኤን እተላዕለ ኸኣ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ።
22. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ዘበለ ዂሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓንቲ በኳር ኣርሕን ንኽልተ ኣባጊዕን ኪምግብ እዩ፡ ካብ ብዝሒ ጸባኤን እተላዕለ ኸኣ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ።
23. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ኣብቲ ሽሕ ቅርሺ ዝገምጋሙ ሽሕ ተኽሊ ወይኒ ዘለዎ ዂሉ ስፍራስ፡ እሾዂን ተዀርባን ኪዀኖ እዩ።
24. ኲላ እታ ምድሪ እቲኣ እሾዂን ተዀርባን ክትከውን እያ እሞ፡ ፍላጻን መንትግን ሒዞም ናብኣ ኺኣትው እዮም።
25. እቲ ብመባሮ ዚባሮ ዝነበረ ዂሉ ዀረቢት ከኣ ካብ ፍርሂ እሾዂን ተዀርባን እተላዕለ ሓደ እኳ ዚኸዶ የልቦን፡ ግናኸ መውፈር ኣብዑርን መርገጽ ኣባጊዕን ኪኸውን እዩ።

  Isaiah (7/66)