Isaiah (63/66)  

1. እዚ ብኽዳውንቱ ዘጌጸ፡ ብሓይሊ ጒልበቱ ዚሽነን፡ ካብ ኤዶም፡ ካብ ቦጽራ፡ ግምጃ ለቢሱ ዚመጽእ መን እዩ ኣነ እየ እቲ ብጽድቂ ዝዛረብ፡ ንምድሓን ስልጡን።
2. ስለምንታይ ክዳንካ ቔሔ ስለምንታይከ ኣልባስካ ነቲ ናይ ርጋጽ ዘቢብ መሰለ
3. መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ልበይ ነይራ፡ ዓመት እቶም ብጅዋተይ ከኣ መጺኣ እያ እሞ፡ ኣነ በይነይ ነቲ መጽመቚ ዘቢብ ረገጽክዎ፡ ካብ ህዝብታት ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብዂራይ ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተናጠረ፡ ብዘሎ ኣልባሰይ ከኣ ጸየቕኩ።
4. መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ልበይ ነይራ፡ ዓመት እቶም ብጅዋተይ ከኣ መጺኣ እያ እሞ፡ ኣነ በይነይ ነቲ መጽመቚ ዘቢብ ረገጽክዎ፡ ካብ ህዝብታት ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብዂራይ ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተናጠረ፡ ብዘሎ ኣልባሰይ ከኣ ጸየቕኩ።
5. ግልጽ በልኩ፡ ሓጋዚ ኸኣ ኣይነበረንን፡ ዚድግፈኒ ስለ ዘይተረኽበ ኸኣ ተዐነድኩ። ሽዑ ቕልጽመይ ኣድሐነኒ፡ ነድረይ ከኣ ደገፈኒ።
6. ብዂራይ ንህዝብታት ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ኣስከርክዎም፡ ደሞም ከኣ ኣብ ምድሪ ዂዖኹ።
7. ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረለና ዂሉ ሰናይ ግብርን፡ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፡ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ።
8. ብሓቂ ህዝበይ ዘይጠልሙ ደቂ እዮም፡ በለ እሞ፡ መድሓኒኦም ኰነ።
9. ኣብ ኲሉ ጸበባኦም ጸበቦ፡ መልኣኽ ገጹ ድማ ኣድሐኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም፡ ብዝሐለፈ ዘመናት ኲሉ ጊዜ ሐንገሮምን ሐዘሎምን።
10. ንሳቶም ግና ዐለው፡ ንቅዱስ መንፈሱ ኸኣ ኣጒሀዩ፡ ስለዚ ጸላኢኦም ኰነ፡ ባዕሉውን ተዋግኦም።
11. ሽዑ ንሱ ንዘመን ቀደምን ንሙሴን ንህዝቡን ዘከረ፡ እቲ ምስቶም ጓሶት መጓሴኡ ኻብ ባሕሪ ዘውጽኦም ኣበይ ኣሎ እቲ ንቅዱስ መንፈሱ ኣብ ውሽጦም ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ
12. እቲ ንኽቡር ቅልጽሙ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፡ እቲ ንርእሱ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ቅድሚኦም ማያት ዝኸፈለ፡
13. እቲ ኸም ፈረስ ኣብ በረኻ ኸይተዐንቀፈ ኣብ መዓሙቚ ዝመርሖም ኣበይ ኣሎ
14. ከብቲ ናብ ለሰ ኸም ዚወርዳ፡ ከምኡ መንፈስ እግዚብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብጽሖም፡ ንርእስኻ ኽቡር ስም ክትገብርሲ፡ ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕካዮም።
15. ካብ ሰማይ ኣመንጽር፡ ካብቲ ማሕደር ቅድስናኻን ግርማኻን ከኣ ጠምት፡ ጸዓትካን ስልጡን ግብርኻን ከኣ ጠምት፡ ጸዓትካን ስልጡን ግብርኻን ኣበይ ኣሎ ርሕራሔ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ።
16. ንስኻ ደኣ ኢኻ ኣቦና፡ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን፡ እስራኤል ድማ ኣየለልየናን እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣቦና፡ ስምካ ኸኣ ካብ ዘለኣለም ተበጃዊና እዩ።
17. ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ መገድኻ ክንዘብል፡ ከይንፈርሃካ ድማ ልብና ኺተርር ዝሐደግካና ስለምንታይ ኢኻ ስለ ባሮትካ፡ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ።
18. እቲ ቅዱስ ህዝብኻ ንሓጺር ዘመን ጥራይ ተረስተየ፡ ጸላእትና ንመቕደስካ ረገጽዋ።
19. ከምቶም ካብ ጥንቲ ዘይመለኽካዮም፡ ከምቶም ብስምካ ዘይተሰምዩ ዄንና ኣሎና።

  Isaiah (63/66)