Isaiah (60/66)  

1. ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ።
2. እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ።
3. ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም።
4. ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ፡ ኲሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለው፡ ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡ ኣዋልድኪውን ተሐቚፈን ይመጹ ኣለው።
5. ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኺምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ።
6. ብዝሒ ኣግማልን ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ኤፋን ኪለማኺ እየን፡ ኲላቶም ካብ ሳባ ኺመጹ፡ ወርቅን ዕጣንን ኬምጽኡ፡ ውዳሴ እግዚኣብሄር ከኣ ኪነግሩ እዮም።
7. ኲላተን መጓሴታት ቄዳር ናባኺ ኺእከባ፡ ድቤላታት ኔባዩት ኬገልግሉኺ፡ ባህ ንምባለይ ናብ መሰውእየይ ኪስውኡ እዮም፡ ኣነውን ንቤት ክብረይ ከኽብሮ እየ።
8. እዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን ዚመጹ እንታዎት እዮም
9. ደሴታት ይጽበያኒ፡ ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩ ኣሞ፡ ንደቅኺ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ናብ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፡ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ካብ ርሑቕ ምእንቲ ኼምጽኣስ፡ መራኽብ ተርሲስ ቅድም ኪመጻ እየን።
10. ብዂራይ ወቒዔኪ፡ ብለውሃተይ ግና ምሒረኪ እየ እሞ፡ ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኺነድቅዎ፡ ነገስታቶም ከኣ ኬገልግሉኺ እዮም።
11. እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትውልኪ፡ ነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪኣትውኽስ፡ ደጌታትኪ ዂሉ ጊዜ ኽፋት ኪኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ።
12. እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትውልኪ፡ ነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪኣትውኽስ፡ ደጌታትኪ ዂሉ ጊዜ ኽፋት ኪኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ።
13. ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ክብሪ ሊባኖስ፡ ጽሕድን ሙዝን ዝበን፡ ሐቢሮም ኪመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ።
14. ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ኺመጹ፡ እቶም ዝነዐቑኺ ዂሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኪብሉ እዮም እሞ፡ ከተማ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኢሎም ኪሰምዩኺ እዮም።
15. ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ እኳ ዘየግልሰኪ ሕድግትን ጽልእትን ዝነበርኪ፡ ኣነ ዘለኣለማዊ መሓበንን ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ደስታን ክገብረኪ እየ።
16. ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡ ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ተበጃዊኺ ምዃነይውን ክትፈልጢ ኢኺ።
17. ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ፡ ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር፡ ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ፡ ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቚኪ ሰላም፡ ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ።
18. ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ። ግናኸ ንቐጽርታትኪ ምድሓን፡ ንዴጌታትኪ ኸኣ ምስጋና ኢልኪ ኽትሰምይየን ኢኺ።
19. እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፡ ኣምላኽኪ ድማ ክብርኺ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ድሕርዚ ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃንኪ ኣይክትከውንን፡ ወርሒ ኸኣ ብምድማቓ ኣይከተብርሃልክን እያ።
20. እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ኪዀነልኪ፡ መዓልትታት ሓዘንኪ ኸኣ ኪውድኣ እየን እሞ፡ ድሕርዚ ጸሓይኪ ኣይክትዐርብን፡ ወርሕኺ ድማ ኣይክትጐድልን እያ።
21. ኲሎም ህዝቢ ብዘለው ጻድቃን ኪዀኑ፡ ነታ ሃገር ከኣ ንዘለኣለም ኪወርስዋ እዮም፡ ንሳቶም ንኽብረይ ዚኸውን ጨንፈር ተኽለይ፡ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።
22. እቲ ንእሽቶስ ሽሕ፡ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።

  Isaiah (60/66)