Isaiah (59/66)  

1. እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ።
2. ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን፡ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር ኣሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ።
3. ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን፡ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር ኣሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ።
4. ብጽድቂ ዚጠርዕ ሓደ እኳ የልቦን፡ ብሓቂ ዚምጒት ሓደ እኳ የልቦን፡ ኣብ ከንቱነት ይውከሉ፡ ሓሶት ከኣ ይዛረቡ፡ እከይ ይጠንሱ፡ ሓጢኣትውን ይወልዱ ኣለው።
5. እንቋቚሖ ገበል ይሐቚፉ፡ ዓለባ ሳሬት ከኣ ይኣልሙ፡ እቲ ኻብ እንቋቕሖ ዚበልዕ ይመውት፡ ካብቲ እተጨፍለቐ ድማ መንደልቶ ይነቊሕ።
6. ዓለባኦም ክዳን ኣይከውንን፡ ብግብሮም ከኣ ኣይኪኽደኑን እዮም። ግብሮም ግብሪ እከይ እዩ፡ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመጻ ኣሎ።
7. ኣእጋሮም ናብ እከይ ይጐይ፡ ንጹህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፉ፡ ሓሳቦም ሓሳብ እከይ እዩ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ መገድታቶም ኣሎ።
8. ንመገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፡ ኣብ ኣኻይዳኦም ቅንዕና የልቦን፡ ንመገድታቶም ይጠዋውይዎ፡ እቲ ብእኡ ዚኸይድ ዘበለ ንሰላም ከቶ ኣይፈልጣን።
9. ስለዚ ቕንዕና ኻባና ረሐቐ፡ ጽድቂውን ኣየርክበናን እዩ። ንብርሃን ንጽበ፡ እንሆ ኸኣ ጸልማት፡ ንድሙቕ ብርሃን ንጽበ፡ ግናኸ ብጸልማት ኢና እንመላለስ ዘሎና።
10. ከም ዕውራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ፡ እወ፡ ከምቶም ዓይኒ ዜብሎም ሃሰስ ንብሎ ኣሎና፡ ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ብጊዜ ጽልግልግታ ደርገፍገር ንብል። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምውታት ኰንና።
11. ኲላትና ኸም ድብታት ንሀብብ፡ ከም ረገቢት ንቚዝም፡ ንቕንዕና ንጽበ ኣሎና፡ ግናኸ የልቦን፡ ንምድሓን፡ ንሱውን ካባና ርሑቕ እዩ።
12. ገበንና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። ገበንና ምሳና እዩ ዘሎ እሞ፡ ንኣበሳና ንፈልጦ ኢና፡
13. ካብ እግዚኣብሄር ዐሎና ኽሐድናዮውን፡ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ተዝሐጥና፡ ግፍዕን ዕልወትን ተዛረብና፡ ዘረባ ሓሶት ጠኒስና ኻብ ልብና ደርጓሕናዮ።
14. ፍርዲ ድማ ንድሕሪት ኣቢሉ ተመልሰ፡ ጽድቂ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ቈመ፡ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ቅንዕና ኺኣቱ ኣይተኻእሎን።
15. እወ፡ ሓቂ ተሳእነ፡ እቲ ኻብ እከይ ዚርሕቕ ድማ ርእሱ ንዘመተ ይውፊ፡ እግዚኣብሄር እዚ ረኣየ፡ ቅንዕና ስለ ዜልቦ ኸኣ ጐሀየ።
16. ደጊም ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ረኣየ፡ ሓደ እኳ ዜማልድ ስለ እተሳእነ ተገረመ። ሽዑ ቕልጽሙ ረድኦ፡ ጽድቁውን ደገፎ።
17. ንጽድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸድኖ፡ ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ ኣእተወ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ኸኣ ተወንዘፈ፡ ንጸዓትውን ከም ባርኖስ ገይሩ ለፈፎ።
18. ከከም ግብሮም ኪፈድዮም እዩ፡ ኲራ ንተጻረርቱ፡ ፍዳ ንጸላእቱ፡ ንደሴታትውን ፍዳ ኺህብ እዩ።
19. እምበኣርሲ ስም እግዚኣብሄር ካብ ምዕራብ፡ክብሩ ኸኣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪፍራህ እዩ። ጸላኢ ኸም ውሒዝ ደሪኹ እንተ መጸ፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ኪሰጎ እዩ።
20. ንጽዮንን ነቶም ካብ ምዕላዎም ናብ ያእቆብ ዚምለሱን ተበጃዊ ኺመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
21. ኣነስ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይን፡ እተን ኣብ ኣፍካ ዘንበርክወን ቃላተይን ካብ ኣፍካ ወይስ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅካ ኻብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይኪርሕቕን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

  Isaiah (59/66)