Isaiah (54/66)  

1. ካብ ደቂ እታ ምርዕውቲስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኺበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ እልል በሊ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ ዓው ኢልኪ ብደስታ ጨድሪ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
2. ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተር፡ ኣግማድኪ ኣንውሒ፡ መታኽልኪውን ኣጽንዒ።
3. ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተር፡ ኣግማድኪ ኣንውሒ፡ መታኽልኪውን ኣጽንዒ።
4. ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ።
5. ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ።
6. ከምታ መንፈሳ ዝጐሀየ ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ከምታ ሕድግቲ ንእሽቶ መርዓት፡ እግዚኣብሄር ጸውዓኪ፡ ይብል ኣምላኽኪ።
7. ንሓጻር ጊዜ ሐደግኩኺ፡ ብዓብዪ ምሕረት ግና ኽእክበኪ እየ።
8. ብምፍሳስ ቊጥዓ ንቕጽበት ዓይኒ ገጸይ ከወልኩልኪ፡ ብዘለኣለማዊ ምሕረት ግና ክርሕርሓልኪ እየ፡ ይብል እቲ ተበጃዊኺ ኣምላኽ።
9. እዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ፡ ከምኡውን ከይቊጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል ኣሎኹ።
10. ስለዚ ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉ፡ ኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይኪዘብልን፡ ኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይኪብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዚርሕርሓልኪ እግዚኣብሄር።
11. ኣቲ ህቦብላ ዝደፍኣኪ፡ ዘይተጸናናዕኪ፡ ሕዝንቲ፡ እንሆ፡ ነእማንኪ ሰሊመ ኽነድቆ፡ ብሰጲሮስ ከኣ ክስርተኪ፡
12. ጒልላት ግምብኺ ብሮቢኖስ፡ ደጌታትኪ ብህያክንቶስ፡ መካበብያኺ ዂሉ ድማ ብኽቡር እምኒ ኽገብሮ እየ።
13. ኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ።
14. ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ። እትፈርህዮ የብልክን እሞ፡ ካብ ግፍዒ ርሐቒ። ስምባድ ኣይኪቐርበክን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሐቒ።
15. እንሆ፡ ካባይ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ሐቢሮም ይተኣኻኸቡ ኣለው፡ ዝዀነ እንተ ዀነ እቶም ኪጻረሩኺ ዚሳማምዑ ዂሎም ኣብ ቅድሜኺ ኺወድቁ እዮም።
16. እንሆ፡ ነቲ ንሕመት ነፊሑ ዜጒህሮ መሳርያ ዕዮኡ ኸኣ ዚገብር ኣንጠረኛ ኣነ እየ ዝፈጠርክዎ። ኣነውን እየ ነቲ መጥፍኢ፡ ኬብርስ ኢለ፡ ዝፈጠርክዎ።
17. ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

  Isaiah (54/66)