Isaiah (52/66)  

1. ድሕሪ ሕጂ ዘይተገዝረን ርኹስን ኣባኺ ኣይኪኣቱን እዩ እሞ፡ ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ሓይልኺ ልበሲ፡ ዎ የሩሳሌም፡ ኣቲ ቅድስቲ ኸተማ፡ እቲ ብሉጽ ልብስኺ ልበሲ።
2. ኣቲ የሩሳሌም፡ ተጐጓኺ ንገፊ፡ ተንስኢ፡ ተቐመጢ። ኣቲምርኽቲ ጓል ጽዮን፡ ንማእሰርቲ ኽሳድኪ ፍትሕዮ።
3. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ብኸምኡ ተሸጥኩም፡ በዘይ ገንዘብ ከኣ ክትብጀው ኢኹም።
4. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ህዝበይ ምእንቲ ኣብኣ ኺነብር፡ ቀደም ናብ ግብጺ ወረደ፡ ኣሶር ከኣ ብዘይ ምኽንያት ጠቕዖ።
5. ህዝበይ ብዘይ ምኽንያት ካብ ዚማረኽ፡ ሕጂ ኣብዚ እንታይ ኣሎኒ ይብል እግዚኣብሄር፡ ገዛእቲ ኸኣ ይጭድሩ፡ ስመይውን ኲሉ ጊዜ፡ ኲሉ መዓልቲ ይጽረፍ ኣሎ።
6. ስለዚ ህዝበይ ንስመይ ኪፈልጦ እዩ፡ ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እኔኹልካ፡ ዚብል ኣነ ኸም ዝዀንኩ ኺፈልጥ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7. እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ዜውሪ፡ ሰናይ ዜበስር፡ ምድሓን ዜውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዚብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።
8. እግዚኣብሄር ናብ ጽዮን ምስ ተመልሰ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ኺርእይዎ እዮም እሞ፡ እቶም ደርቱምኪ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ሐቢሮም እልል ኪብሉ እዮም።
9. ኣትን ዑናታት የሩሳሌም፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘጸናንዖ፡ ንየሩሳሌም ስለ እተበጀዋ፡ ብሓጐስ እልል በላ፡ ሐቢርክን ኣመስግና።
10. እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዂሎም ኣህዛብ ነቲ ቅዱስ ቅልጽሙ ቐልዖ፡ ኲለን ወሰናት ምድሪ ኸኣ ምድሓን ኣምላኽና ኺርእያ እየን።
11. ርሐቑ፡ ርሐቑ፡ ካብዚ ውጹ፡ ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ፡ ኣቱም ኣቓሑ እግዚኣብሄር እትጾሩ፡ ካብ ማእከል ውጹ፡ ንጽሁ።
12. እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ኪኸይድ፡ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ደጀንኩም ኪኸውን እዩ እሞ፡ ብታህዋኽ ኣይክትነቕሉን፡ ብምህዳም ከኣ ኣይክትግስግሱን ኢኹም።
13. እንሆ፡ ባርያይ በእምሮ ኼስልጥ፡ ኪኸብር ልዕል ኪብል፡ ኣዝዩውን ኪዐዝዝ እዩ።
14. ብዙሓት ብኣኻ ኸም እተገረሙ፡ ትርኢቱ ኻብ ካልኦት ሰብ ሕሱር ነበረ። መልክዑ ድማ ካብ ካልኦት ደቂ ሰብ ሐመቐ።
15. ከምኡ ኸኣ ንብዙሓት ኣህዛብ ኬገርሞም እዩ። ነቲ ዘይተዘንተወሎም ኪርእይዎ፡ ነቲ ዘይሰምዕዎ ድማ ኬስተውዕልዎ እዮም እሞ፡ ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ኣፎም ኪሕዙ እዮም።

  Isaiah (52/66)