Isaiah (51/66)  

1. ኣቱም ንጽድቂ እትስዕቡ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ እትደልዩ፡ ጽን በሉኒ፡ ናብቲ እተፈንጫሕኩምሉ ኸውሕን፡ ናብታ እተዀዐትኩምላ ጒድጓድ ዔላን ኣስተብህሉ።
2. ሓደ በይኑ ኸሎ፡ ጸዊዔዮን ባሪኸዮን ኣብዚሔዮን እየ እሞ፡ ናብ ኣቦኹም ኣብርሃምን፡ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ኣስተብህሉ።
3. እግዚኣብሄር ንጽዮን ኬጸናንዓ፡ ንዂሉ ዑናታታ ኼጸናንዕ፡ ንምድረ በዳኣ ኸም ገነት፡ ንበረኻኣ ድማ ከም ኣታኽልቲ እግዚኣብሄር ኪገብሮ እዩ እሞ፡ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን ኣብኣ ኺርከብ እዩ።
4. ሕጊ ኻባይ ይወጽእ፡ ብርሃን ህዝብታት ኪኸውንሲ፡ ፍርደይ ከንብር እየ እሞ፡ ኣታ ህዝበይ፡ ናባይ ኣድህብ፡ ኣታ ዓሌተይ፡ ጽን በለኒ።
5. ጽድቀይ ድማ ንህዝብታት ኪፈርዱ፡ ደሴታት ኪትስፈዋኒ፡ ኣብ ቅልጽመይ ከኣ ኪውከላ እየን።
6. ኣዒንትኹም ናብ ሰማያት ቊሊሕ ኣብሉ፡ ታሕቲ ገጽኩም ከኣ ናብ ምድሪ ጠምቱ፡ እንሆ፡ ሰማያት ከም ትኪ ኺበኑ እዮም፡ ምድሪ ድማ ከም ክዳን ክትበሊ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ከምኣ ኺሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ኪነብር፡ ጽድቀይውን ኣይኪስዐርን እዩ።
7. ፍልሖ ኸም ክዳን ኪበልዖም፡ ብልዒ ኸኣ ከም ጸምሪ ኺበልዖም እዩ፡ ጽድቀይ ግና ንዘለኣለም፡ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኺነብር እዩ እሞ፡ ኣቱም ጽድቂ እትፈልጡ፡ ኣታ ኣብ ልብኻ ሕገይ ዘሎካ ህዝቢ፡ ስማዓኒ፡ ላግጺ ሰብ ኣይትፍርሁ፡ ብጸርፎምውን ኣይትሰምብዱ።
8. ፍልሖ ኸም ክዳን ኪበልዖም፡ ብልዒ ኸኣ ከም ጸምሪ ኺበልዖም እዩ፡ ጽድቀይ ግና ንዘለኣለም፡ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኺነብር እዩ እሞ፡ ኣቱም ጽድቂ እትፈልጡ፡ ኣታ ኣብ ልብኻ ሕገይ ዘሎካ ህዝቢ፡ ስማዓኒ፡ ላግጺ ሰብ ኣይትፍርሁ፡ ብጸርፎምውን ኣይትሰምብዱ።
9. ኣታ ቕልጽም እግዚኣብሄር፡ ንቓሕ፡ ንቓሕ፡ ሓይሊ ተኸደን፡ ከምቲ ብመዓልትታት ጥንቲ፡ ብዘመናት ቀደም ዝገበርካዮ፡ ንቓሕ። ንረሃብ ዝቘራረጽካ፡ ንገበል ዝወጋእካስ ንስኻዶ ኣይኰንካ
10. ንባሕሪ፡ ናይቲ ብርቱዕ መዓሙቚ ማያት፡ ዘንጸፍካ፡ እቶም ድሑናት ኪሐልፉሉ ኸኣ ነቲ ቆር ባሕሪ መገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኰንካ
11. እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ፡ እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።
12. ኣነ፡ ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም፡ ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ፡ ካብዚ ኸም ሳዕሪ ዚሐልፍ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ
13. ነቲ ሰማያት ዝገተረ፡ ንምድሪ ኸኣ ዝሰረተ፡ ነቲ ዝፈጠረካ እግዚኣብሄር ረሳዕካዮ። ኲሉ ጊዜ፡ ኲሉ መዓልቲ ኻብ ነድሪ እቲ ንምጥፋእ እተዳለወ ገፋዒ ትፈርህ ኣሎኻ። ነድሪ እቲ ገፋዒ ደኣ ኣበይ ኣሎ
14. እቲ እሱር ቀልጢፉ ኺፍታሕ፡ ኣይኪመውትን ኣይኪቕበርን፡ እንጌራውን ኣይኪስእንን እዩ።
15. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንባሕሪ፡ ማዕበላ ኽሳዕ ዚሀምም፡ ኤናውጻ፡ ስሙውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ።
16. ንሰማያት ክተኽሎም፡ ንምድሪ ኸኣ ክስርታ፡ ንጽዮን ድማ፡ ንስኺ ህዝበይ ኢኺ፡ ክብልሲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፡ ብጽላል ኢደይውን ከወልኩኻ።
17. ኣቲ፡ የሩሳሌም፡ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ጽዋእ ነድሩ ዝሰቴኺ፡ ነቲ ዜስክር ጽዋእ ዝሰቴኽዮን ዝጨለጥክዮን፡ ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ተንስኢ።
18. ካብ ኲሎም እቶም ዝወለደቶም ደቂ ሓደ እኳ ዚመርሓ የልቦን፡ ካብ ኲሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቂ ሓደ እኳ ኢዳ ዚሕዝ የልቦን።
19. እዘን ክልተ ነገር ወረዳኺ፡ መን እሞ ኺርሕርሓልኪ እዩ ጥፍኣትን ምብራስን፡ ጥሜትን ሰይፍን እንሆልኪ። ከመይ ገይረ ኸጸናንዓኪ እየ
20. ውሉድኪ ዛሕ ኢሎም፡ ከም ድንኩላ ኣብ መፈንጠራ ኣብ ኲሉ ቐራና መገድታት በጥ በሉ። ቊጥዓ እግዚኣብሄርን መግናሕቲ ኣምላኽክን መልኦም።
21. ስለዚ፡ኣቲ ሽግርቲ፡ ብወይኒ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ኣቲ ስኽርቲ፡ ነዚ ስምዒ፡
22. እግዚኣብሄር ጐይታኺ፡ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዚጣበቕ ኣምላኽኪ፡ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ነቲ ጽዋእ ስኽራን፡ ነቲ ጽዋእ ቊጥዓይ፡ ካብ ኢድኪ ወሰድክዎ፡ ድሕርዚ ኣይክትሰትይዮን ኢኺ።
23. ኣነ ኸኣ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኺ፡ ብኣኺ ኣቢልና ኽንሳገርሲ ተጐምበሲ፡ ዝበልዋ፡ መሸገርቲኺ ኽህቦ እየ፡ ንስኺ ድማ ዝባንኪ ነቶም ሐለፍቲ ኸም ምድሪ፡ ከም መገዲ ገበርክሎም።

  Isaiah (51/66)