| ← Isaiah (48/66) → |
| 1. | ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ብስም እስራኤል እትስመዩ፡ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ኸኣ ዝፈልፈልኩም፡ ብሓቅን ብጽድቅን ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ እትውድሱ ዘሎኹም፡ እዚ ስምዑ፡ |
| 2. | በታ ቅድስቲ ኸተማ ስለ እተሰምዩ፡ ኣብ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ስለ እተጸግዑ እዮም። |
| 3. | እቲ ሕሉፍ ኣቐዲመ ነገርኩ፡ ካብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣስማዕኩኹም፡ ብድንገት ገበርክዎ፡ ኰነ ኸኣ። |
| 4. | ህልኸኛ ምዃንካን፡ ክሳድካ ጅማት ሓጺን፡ ግንባርካውን ኣስራዚ ምዃኑን ፈሊጠ እየ እሞ፡ |
| 5. | ስለዚ፡ ጣኦተይ እዩ ዝገበሮ፡ እቲ ጽሩብን ፍሱስን ምስለይ እዩ ዝኣዘዞ፡ ከይትብልሲ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኻ፡ ከይኰነ ኸኣ ኣስማዕኩኻ። |
| 6. | ነዚ ሰሚዕካ ኣሎኻ፡ ንዂሉውን ጠምቶ፡ ንስኻትኩምሲ ኣይተውርይዎንዶ ኢኹም ካብ ሕጂ ጀሚሩ ሓድሽን ሕቡእን ዘይፈለጥካዮን ነገር ከስማዓካ እሮአ። |
| 7. | ሕጂ ተፈጥራ እምበር፡ ቀደም ኣይኰነን፡ ንስኻ፡ ነዝስ እፈልጦ ነይረ፡ ምእንቲ ኸይትብል፡ ቅድሚ ሎሚ ኣይሰማዕካዮን። |
| 8. | ኣይሰማዕካን፡ ኣይፈለጥካን፡ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፍተን። እዚ ኸኣ ጠላሚ ምዃንካን፡ ካብ ማሕጸን ኣዴኻ ጀሚሮም ገበነኛ ኢሎም ከም ዚሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ። |
| 9. | ስለ ስመይ ኢለ ቊጥዓይ ኤደንጒ፡ ከየጽንተካ ድማ፡ ስለ ኽብረይ ኢለ ርእሰይ እገትእ ኣሎኹ። |
| 10. | እንሆ፡ ኣምከኽኩኻ፡ ግናኸ ከም ብሩር ኣይኰነን፡ ኣብ እቶን ጸበባ ተዐዘብኩኻ። |
| 11. | ስለይ፡ እወ፡ ስለይ ኢለ ኽገብሮ እየ፡ ከመይ ኢለኸ ንስመይ ይርከስ ክሐድጎ ክብረይ ከኣ ንኻልእ ኣይህብን እየ። |
| 12. | ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻውን ዝጸዋዕኩኻ እስራኤል፡ ስማዓኒ፡ ንሱ ኣነ እየ፡ ቀዳማይ ኣነ እየ፡ ዳሕራይውን ኣነ እየ። |
| 13. | ኢደይ ምድሪ ሰረተት፡ የማነይተይ ከኣ ሰማያት ዘርግሔት፡ ምስ ዝጽውዖም ድማ ብሓደ ይቘሙ። |
| 14. | ኲላትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፡ ካባታቶምከ እዚ ዝገበረ መን እዩ እቲ እግዚኣብሄር ዜፍቅሮ ንፍቓዱ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ኪፍጽሞ እዩ፡ ቅልጽሙ ድማ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ኪኸውን እዩ። |
| 15. | ኣነ፡ ኣነ እየ እተዛረብክዎን ዝጸዋዕክዎን፡ ኣነ እየ ዘምጻእክዎ እሞ መገዱ ኺሰልጠሉ እዩ። |
| 16. | ናባይ ቅረቡ፡ እዚ ስምዑ፡ ካብ መጀመርታ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፡ ካብቲ ዝዀነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኣኡ ኣሎኹ። ሕጂውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣይን ንመንፈሱን ልኢኹ ኣሎ። |
| 17. | እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል፡ ነቲ ዚጠቕም ዝምህረካን፡ በታ እተኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። |
| 18. | ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ፡ |
| 19. | ዘርእኻ ኸም ሑጻ፡ ፍረ ኸርስኻውን፡ ከም ድበቱ ምዀነ። ስሙ ከቶ ኣይምጠፍኤን፡ ካብ ቅድመይ ድማ ኣይምተደምሰስን ነይሩ። |
| 20. | ካብ ባቢሎን ውጹ፡ ካብ ከለዳውያን ጽለቑ፡ ብድምጺ እልልታ ንገሩ፡ ኣውጁ፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣውርዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተበጅይዎ፡ በሉ። |
| 21. | ብምድረ በዳ ኺመርሖም ከሎ፡ ኣይጸምኡን፡ ማይ ካብ ከውሒ ኣውሐዘሎም፡ ከውሒ ሰንጢቑ ማይ ኣፈልፈለ። |
| 22. | ንረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። |
| ← Isaiah (48/66) → |