Isaiah (47/66)  

1. ድሕሪ ደጊምሲ ሕንቅቕቲ ስውንቲ ኣይክትበሀልን ኢኺ እሞ፡ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡ ውረዲ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ፡ ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ብዘይ ዝፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ።
2. መጥሓን ሐዚ እሞ ሓርጭ ጥሐኒ፡ ጒልባብኪ ቕልዒ፡ ነቲ ወለል ዚብል ዘፈር ክዳንኪ ሰብስቢ፡ ደናጉኺ ጥራዩ ጌርኪ ውሓይዝ ተሳገሪ።
3. ዕርቃንኪ ይቀላዕ፡ ነውርኺ ኸኣ ይረኤ፡ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዚገጥመለይ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።
4. ስም እቲ ተበጃዊናስ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
5. ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ድሕሪ ደጊም እትየ መንግስትታት ኣይክትበሀልን ኢኺ እሞ፡ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፡ ናብ ጸልማት ኣግልሲ።
6. ኣብ ህዝበይ ኰሬኹ፡ ርስተይ ፈንፈንኩ፡ ኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሀብክዎም። ንስኺ ኣይምሐርክዮምን፡ ኣርዑትኪ ኣብቶም ኣረገውቲ ኣዚኺ ኣኽበድኪ።
7. ነዚ ኣብ ልብኺ ኸየንበርኪ፡ ብናይ መወዳእታውን ከይሐሰብኪ፡ ኣነስ ኰታ ንዂሉ ጊዜ እትየ እየ፡ በልኪ።
8. እምበኣርሲ ኣቲ ግዲ ዂሉ ዜብልኪ፡ ብልብኺ ኸኣ፡ ኣነ ጥራይ እየ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ ኣነስ ከቶ ኣይክምብሉን፡ ስእነት ውሉድውን ኣይክፈልጥን እየ፡ እትብሊ ተሰዋኒት፡ ነዚ ስምዒ፡
9. ክልቲኣተን፡ ስእነት ውሉድን ምብልውናን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ድንገት ኪመጻኺ እየን። ምንም እኳ ጥንቊልናኺ እንተ በዝሔ፡ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዔ፡ ብምሉእ መስፈር ኪመጻኺ እየን።
10. ብኽፍኣትኪ ተወከልኪ እሞ፡ ዚርኣየኒ የልቦን፡ በልኪ፡ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሐተኪ፡ ብልብኺውን፡ ኣነ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ በልኪ።
11. ስለዚ ኽትዕዝምዮ ዘይከኣለኪ መዓት ኪመጻኪ፡ ከተዝብልዮ ዘይኰነልኪ መከራ ኸኣ ኪወርደኪ እዩ፡ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ ብድንገት ኪወርደኪ እዩ።
12. ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፡ ምናልባሽ እንተ ኣሰምበደክስ፡ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ ዝጸዐርክሉ ጥንቈላን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ፡ ቕረቢ።
13. ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ።
14. እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶም፡ ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ።
15. ዕድል እቶም ዝጸዐርክሎም ከምዚ ኪኸውን እዩ። እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም መናግድትኺ ዝነበሩ መመገዶም ጸው ኪብሉ እዮም፡ ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን።

  Isaiah (47/66)