Isaiah (45/66)  

1. እግዚኣብሄር ነቲ ቕቡኡ፡ ንቂሮስ፡ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝኣሉ፡ ሕቘ ነገስታት ከኣ ክፈትሕ፡ ደጌታት ከይዕጾዎ ድማ፡ መዓጹ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸርሕወሉ ኢለ ብየማነይቲ ኢዱ ዝሐዝክዎ ኸምዚ ይብሎ ኣሎ፡
2. ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፡ ንድንጉር ከኣ ሰጥ ከብሎ፡ ንመዓጹ ኣስራዚ ሓሸምሸም ከብሎ፡ ንመሸጐሪ ሓጺን ድማ ክሰባብሮ እየ።
3. ኣነ ብስምካ ዝጸዋዕኩኻ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ መዝገብ ጸልማትን ኣብ ስውር እተሐብኤ ሃብትን ክህበካ እየ።
4. ምእንቲ ያእቆብ ባርያይን እስራኤል ሕሩየይን፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ስም ክብረት ሀብኩኻ።
5. እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን።
6. እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን።
7. ብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
8. ኣቱም ሰማያት፡ ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፡ ደበናታት ከኣ ጽድቂ የዝንሙ። ምድሪ ትጨንዳሕ እሞ ምድሓን የፍርዩ፡ ጽድቂውን ኣሕቢራ ተብቊል። እዚ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9. እቲ ምስ ፈጣሪኡ ዚካታዕ ወይለኡ፡ ንሱ ገልዒ ኣብ ማእከል ኣጋልዕ መሬት እዩ። መሬትዶ ንስራሒኣ፡ እንታይ ትገብር፡ ትብሎ እያ ግብርኻዶኸ፡ ኣእዳው የብሉን፡ ይብል እዩ
10. እቲ ነቦ፡ እንታይ ትወልድ ንስኻ ንሰበይቲ ኸኣ፡ እንታይ ጽዒርኪ ትወልዲ ዚብል ወይለኡ።
11. እግዚኣብሄር፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ፈጣሪኡን፡ ከምዚ ይብል፡ ብናይ እቲ ዚመጽእ ሕተቱኒ፡ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ።
12. ንምድሪ ዝገበርኩ፡ ኣብኣ ዘሎ ሰብ ከኣ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፡ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፡ ንዂሎም ሰራዊቶምውን ኣዘዝኩ።
13. ነዚ ብጽድቂ ዘተንሳእክዎ ኣነ እየ፡ መገድታቱ ዂሉ ድማ ከጣጥሓሉ እየ፡ ንሱ ብዘይ ምፍዳይን ገጸ በረኸትን ንኸተማይ ኪሰርሓ፡ ንምሩኻተይ ከኣ ኪመልሶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
14. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ጻዕሪ ግብጽን ንግድ ኢትዮጵያን እቶም ነዊሕ ዝቚመቶም ሰብ ሳባን ናባኻ ኺሐልፉ ናትካውን ኪዀኑ እዮም። ንሳቶም ደድሕሬኻ ኺስዕቡ፡ ብመቐውሕ ድማ ኪሐልፉ እዮም እሞ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ኣባኻ እዩ፡ ብጀካኡስ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የልቦን፡ እናበሉ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱን ኪልምኑኻን እዮም።
15. ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ ዎ መድሓኒ፡ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።
16. እቶም ጣኦታት ዚገብሩ ዂሎም ኪሐፍሩን ኪደሀሉን፡ ብሓደ ነዊሮም ኪኸዱን እዮም።
17. እስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን ብእግዚኣብሄር ኪድሕን እዩ። ንስኻትኩምሲ ንዘለኣለም ኣይክትሐፍሩን ኣይክትደሀሉንውን ኢኹም።
18. እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ብጀካይውን ካልእ የልቦን።
19. ብሕቡእ፡ ኣብ ስፍራ ዝጸለመተ ምድሪ ኣይተዛረብኩን፡ ንዘርኢ ያእቆብ፡ ብኸንቱ ድለዩኒ፡ ኣይበልኩን። ኣነ እግዚኣብሄር ጽድቂ ዝዛረብ፡ ቅንዕና ዘውሪ እየ።
20. ኣቱም ካብ ህዝብታት ዘምለትኩም፡ ተኣከቡ፡ ንዑ፡ ብሓደ ቕረቡ፡ እቶም ንዕጨይቲ ጽሩብ ምስልታቶም ዚጾሩ ኬድሕን ንዘይከኣሎ ኣምላኽ ዚልምኑን ኣእምሮ የብሎምን።
21. እስከ ንገሩ፡ ቅረቡ፡ ብሓደውን ይምከሩ፡ ካብ ጥንቲ እዚ ነገር እዚ መን ኣስምዔ ካብ ቀደም ዝነገረኸ መን እዩ ኣይኣነ እግዚኣብሄር እንዶ እየ ዝገበርክዎ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን፡ ጻድቕን ዜድሕንን ኣምላኽ ብጀካይ ከቶ የልቦን።
22. ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ካልእ ከኣ የልቦን እሞ፡ ኣቱም ወሰናት ምድሪ ዂላትኩም፡ ናባይ ተመለሱ ድሐኑውን።
23. ቃል ጽድቂ ኻብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳን ከኣ ብኣይ ኪምሕል እዩ፡ ኢለ ብርእሰይ መሐልኩ።
24. ብዛዕባይ ከኣ፡ ጽድቅን ስልጣንን ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ፡ ኪበሀል እዩ። ናብኡ ኺመጹ እዮም፡ እቶም ነዲሮምሉ ዝነበሩ ዂላቶም ከኣ ኪሐፍሩ እዮም።
25. ዘርኢ እስራኤል ኲሉ ብእግዚኣብሄር ኪጸድቕን ኪሕበንን እዩ።

  Isaiah (45/66)