Isaiah (42/66)  

1. እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ።
2. ኣይኪጭድርን፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እዩ።
3. ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ።
4. ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ሓይሉ ኣይሐምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኺጽበያ እየን።
5. እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሔ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ፡ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡
6. ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሽሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ።
7. ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሽሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ።
8. ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።
9. እንሆ፡ እቲ ናይ ቀደም ተፈጸመ፡ ደጊም ሓድሽ ክነግረኩም እየ፡ ከይተቐልቀለ ድማ ብዛዕባኡ ኽስምዓኩም እየ።
10. ኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኡ ዘሎ ዘበለ ዂሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩን፡ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።
11. በረኻን ከተማታቱን፡ እተን ሰብ ቄዳር ዚነብርወን ዓድታትን ድምጾም ዓው ይበል፡ እቶም ኣብ ኣኻውሕ ዚነብሩ ብሓጐስ ይጨድሩ፡ ካብ ርእሲ ኣኽራን እልል ይበሉ።
12. ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሀቡ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ።
13. እግዚኣብሄር ከም ጅግና ይወጽእ፡ ከም ተዋጋኢ ድማ ቅንኣት የልዓዕል፡ ይጭድር እሞ የዝምር፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኸኣ ይብርትዕ።
14. ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኢለ ተጸሚመ ነፍሰይ መለኽኩ፡ ሕጂ ግና ከም እትጽዕር ወላዲት ክጭርሕ፡ ተናኢኸ ድማ ከተንፍስ እየ።
15. ነኽራንን ኰረቢትን ከባድሞ፡ ንዅሉ ብቋልያኦም ድማ ከንቅጾ እየ፡ ንወሓዚ ኸኣ ደሴት ክገብሮ፡ ንቐላይውን ከንጽፎ እየ።
16. ንዕውራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽወስዶም፡ ብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም፡ ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮ፡ ንድንጒር ከጣጥሖ እየ። እዚ ኽገብረሎም ኣይክሐድጎምን ድማ እየ።
17. እቶም ብቕርጺ ምስልታት ዚውከሉ፡ ንምስልታት ፍሲ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም፡ ዚብሉ፡ ንድሕሪት ገጾም ኪምለሱ፡ ኣዝዮም ድማ ኪንውሩ እዮም።
18. ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ።
19. ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መን እዩ ከምቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን እዩ ዕዉር ከም ፈታውየይ፡ ዕዉር ከም ባርያ እግዚኣብሄር መን እዩ
20. ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሐሎኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይሰማዕካን።
21. እግዚኣብሄር ስለ ጽድቁ ንሕጉ ዓብይን ክቡርን ኪገብሮ ተሐጐሰ።
22. ግናኸ እዚ ህዝቢ እዚ ውሩርን ዝሙትን እዩ፡ ኲላቶም ኣብ ጐደጒዲ ተፈንጠሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተዳጐኑ። ንዘመተ ተወፈዩ፡ መናገፊ ኸኣ የልቦን፡ ተማረኹ፡ ምለስ፡ ዚብል ድማ የልቦን።
23. ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል፡ ንዳሕራዪ ኼስተውዕሎ ኢሉ ዚሰምዖስ መን እዩ
24. ያእቆብ ንወራር፡ እስራኤል ንዘመተ ዝወፈየ መን እዩ እቲ ብመገዱ ኺመላለሱ ዘይፈተዉ፡ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፡ ንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን ዝገበሮ
25. ስለዚ ቚጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዐወሉ፡ እዚውን ብኽቡ ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠን፡ ሞዂ ኣበሎ፡ ግናኸ ኣብ ልቡ ኣይተመልሰን።

  Isaiah (42/66)