Isaiah (41/66)  

1. ኣትን ደሴታት፡ ኣብ ቅድመይ ስቕ በላ፡ ህዝብታት ከኣ ሓድሽ ሓይሊ ይወስኹ፡ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፡ ንዑ ሐቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።
2. ነቲ ብጽድቂ ናብ እግሩ ዝጸውዖ መን እዩ ኻብ ምብራቕ ዘተንስኦ፡ ንህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኣሕሊፈ ሀቦ፡ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ከኣ ኣግዝኦ፡ ንሴፎም ከም ተጐጓ፡ ንመንትጎም ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚቡቚ ገበሮ።
3. ሰጒጒዎም፡ በታ ኣእጋሩ ከቶ ዘይረገጻኣ መገዲ ብደሓኑ ይሐልፍ ኣሎ።
4. ነዚ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ እቲ ንወለዶታት ካብ ጥንቲ ዝጸውዔ ኣነ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን ምስቶም ዳሕሮት ዘሎን እየ።
5. ደሴታት ርእየን ፈርሃ፡ ወሰናት ምድሪ ራዕራዕ በሉ፡ ቀረቡ መጹ ኸኣ። ኣጆኻ፡ በለ።
6. ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ደገፈ፡ ንሓው ኸኣ፡ ኣጆኻ፡ በለ።
7. ጸራቢ ነቲ ኣምካኽ ፍሲ የፋጥኖ፡ በያዲ ኸኣ ነቲ ኣብ ወጻቓ ዚቕጥቅጥ ብናይ ምጥባቑ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እናበለ የፋጥኖ፡ ከይናቓነቕ ከኣ ብሽንካር የጽንዖ።
8. ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል ባርያይ፡ ኣታ ያእቆብ፡ ዝሐሬኹኻ ዘርኢ ኣብርሃም ፈታውየይ፡
9. ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምጻእኩኻ፡ ካብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ጸዊዔ፡ ባርያይ ኢኻ፡ ሓሬኹኻ ኣይነዐቕኩኻን ድማ፡ ዝበልኩኻ።
10. ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
11. እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ዂሎም ኪንውሩ ኪሐፍሩን እዮም፡ መጻርርትኻ ድማ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም።
12. ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም።
13. ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም።
14. ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣነ እየ ዝድግፈካ፡ ኣይትፍራህ፡ ተበጃዊኻ ድማ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
15. እንሆ፡ በሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ ሰረገላ መኼዳ ኽገብረካ እየ፡ ነኽራን ክሳዕ ዚድቈሱ ኸተኺዶም፡ ንዀረቢት ከኣ ከም ብቚቡቚ ክትገብሮም ኢኻ።
16. ክትምስእዮም ኢኻ፡ ንፋስ ከኣ ኪወስዶም፡ ህቦብላውን ኪዘርዎም እዩ። ንስኻ ግና ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፡ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ክትሕበን ኢኻ።
17. ሽጉራትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ እሞ የልቦን፡ ልሳኖም ብጽምኢ ነቐጸ፡ ግናኸ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም፡ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሐድጎምንን እየ።
18. ውሒዝ ኣብቶም መላጣት ኰረቢት፡ ዓይኒ ማያት ከኣ ኣብ ማእከል ሽንጭሮታት ከውሕዝ እየ፡ ንጸምጸም በረኻስ ማይ ዝመልኦ ቐላይ፡ ንምድሪ ኣጻምእ ከኣ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ።
19. ኢድ እግዚኣብሄር እዚ ኸም ዝገበረት፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ ምእንቲ ኺርእዩን ኪፈልጡን ኪሐስቡን ሐቢሮም ኬስተውዕሉንሲ፡ ኣብ በረኻ ንኦም ሊባኖስን መመናን ጸጾን ኣውልዕን ከብቊል፡ ኣብቲ ኣጻምእ ከኣ ጽሕድን ሙዝን ዝበን ኣሕቢረ ኽተክል እየ።
20. ኢድ እግዚኣብሄር እዚ ኸም ዝገበረት፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ ምእንቲ ኺርእዩን ኪፈልጡን ኪሐስቡን ሐቢሮም ኬስተውዕሉንሲ፡ ኣብ በረኻ ንኦም ሊባኖስን መመናን ጸጾን ኣውልዕን ከብቊል፡ ኣብቲ ኣጻምእ ከኣ ጽሕድን ሙዝን ዝበን ኣሕቢረ ኽተክል እየ።
21. ክስኹም ንገሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ መርትዖኹም ኣምጽኡ፡ ይብል እቲ ንጉስ ያእቆብ።
22. ይንገሩ፡ እስኪ ነቲ ዚመጽእ ይግለጹልና፡ ነቲ ናይ ቀደም ባህልኹም፡ ምእንቲ ኽንሐስቦ ፍጻሜኡ ኸኣ ክንፈልጥሲ፡ እስኪ ንገሩና፡ ወይስ ነቲ ዚመጽእ ኣስምዑና።
23. ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ነቲ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ንገሩና። ርኢናስ ሐቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸኣ፡ እስኪ ጽቡቕ ወይስ ክፋእ ግበሩ።
24. እንሆ፡ ንስኻትኩም ከንቱ ኢኹም፡ ተግባርኩም ከኣ ብላሽ እዩ፡ እቲ ዚሐርየኩም ድማ ፍንፋን እዩ።
25. ካብ ሰሜን ኣተንሳእክዎ እሞ መጸ፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ከኣ፡ ንሱውን ንሰማይ ይጽውዖ፡ ከምቲ ስራሕ መሬት ንጭቃ ዚረግጾ፡ ንሱ ኸኣ ንመሳፍንቲ ኸም መሬት ይረግጾም።
26. ምእንቲ ኽንፈልጦን ንስኻ ጻድቕ ኢኻ ኽንብልንሲ፡ ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ እዚ ዝነገረ መን እዩ ዚነግር የልቦን፡ ዜስምዓና የልቦን፡ ቃልኩም ዚሰምዕ ከኣ የልቦን።
27. ቅድሚ ዂሉ ንጽዮን፡ እነውልኪ እቲኣቶም እዮም፡ ዝብል ንየሩሳሌም ከኣ ዘበስር ኣነ እየ።
28. እንተ ጠመትኩ፡ ሓደ እኳ የልቦን፡ እንተ ሐተትክዎም ድማ፡ ካብቶም መኻሮ ምላሽ ኪህብ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።
29. እንሆ፡ ኲላቶም ከንቱነት እዮም፡ ተግባሮም ከኣ ምናምን እዩ፡ እቲ ናይ ፍሲ ምስልታቶም ድማ ንፋስን ባዶን እዩ።

  Isaiah (41/66)