Isaiah (40/66)  

1. ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም።
2. ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ።
3. ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ።
4. ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን።
5. ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ።
6. ድምጺ፡ ኣውጅ፡ ይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅ በለ። ስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ።
7. ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፉስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ።
8. ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።
9. ኣቲ ብስራት እተበስሪ ጽዮን፡ ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ፡ ኣቲ ብስራት እተበስሪ የሩሳሌም፡ ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ፡ ብዘይ ፍርሃት ዓው በሊ፡ ንኸተማታት ይሁዳ፡ እንሆ ኣምላኽኩም፡ ኢልኪ ንገሪ።
10. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ።
11. ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።
12. ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዘሰፈረ፡ ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበ፡ ነኽራን ብሚዛን፡ ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ
13. ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ
14. ምስ መን ተማኸረ ኣእምሮ ዝሀቦ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ ኸኣ ዝመሀሮ፡ ፍልጠት ዘፍለጦ፡ መገዲ ምስትውዓል ድማ ዘርኣዮኸ መን እዩ
15. እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቚጾሩ፡ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ተጐጓ የልዕል።
16. ሊባኖስ ንምንዳድ ኣይኣክልን፡ እንስሳኡውን ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይኣክልን።
17. ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረኣዩን፡ ሓንቲ ኸም ዜልቦ፡ ከም ከንቱነት ገይሩ ይቘጽሮም።
18. እምበኣርሲ ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም
19. ገባር ምስሊ ፍሲ ገይሩ ጣኦት ይገብር፡ ኣምካኺ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፡ ብሰንሰለት ብሩር ከኣ ይስልሞ።
20. እቲ ኽሳዕ ክንድዚ ኺስውእ ዓቕሚ ዜብሉ ድኻስ ዘይቊንቊን ዕጨይቲ ይሐሪ፡ ዘይነቓነቕ ምስሊ ዚገብረሉ ኸኣሊ ድማ ይደሊ።
21. ኣእምሮ የብልኩምን እኳዶ ኣይትሰምዑን ኢኹም ካብ ጥንቲዶ እዚ ኣይተዘንተውውልኩምን መሰረታት ምድሪ ዚነግርዎዶኸ ኣየስተውዐልኩምን ኢኹም
22. ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ።
23. ንመሳፍንቲ ገለ እኳ ኸም ዘይኰኑ፡ ንፈራዶ ምድሪ ኸም ምናምን ዚገብሮም ንሱ እዩ።
24. ብኡብኡ ሱር ኣብ ምድሪ ምስ ሰደዱ፡ ንሱ ኡፍ ይብለሎም እሞ ይነቕጹ፡ ዘራጊቶ ኸኣ ከም ብቚበቚ ይወስዶም።
25. ክመዓራረዩስ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም ይብል እቲ ቅዱስ።
26. ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።
27. ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ
28. እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ
29. ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።
30. ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡
31. እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

  Isaiah (40/66)