Isaiah (4/66)  

1. በታ መዓልቲ እቲኣ ሾብዓተ ኣንስቲ፡ እንጌራ ንበልዕ፡ ክዳንናውን ንኽደን፡ ሓንትስ ብስምካ ኽንጽዋዕ ሕደገና፡ ጸርፍና ኸኣ ኣርሕቕ፡ እናበላ ንሓደ ሰብኣይ ኪሕዛኦ እየን።
2. በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ዘምለጡ ናይ እስራኤል፡ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንጌጽን ንኽብርን፡ እቲ ፍረ ምድሪውን ንሓበንን ሓጐስን ኪዀኖም እዩ።
3. እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበ፡ ንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈ፡ ቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ።
4. እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበ፡ ንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈ፡ ቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ።
5. ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኽብርስ መኸወሊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዂሉ መሳፍሮ ኣኽራን ጽዮንን፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባታታን ደበናን ትክን ብመዓልቲ፡ ባና ሃልሃል ዚብል ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኺፈጥር እዩ።
6. ኣብኡ ኸኣ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መጽለሊ፡ ካብ ሽሾን ዝናምን ከኣ ጸግዕን መዕቀልን ዚኸውን ድንኳን ኪህሉ እዩ።

  Isaiah (4/66)