Isaiah (38/66)  

1. በቲ ዘመን እቲ ህዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዚዋላእ ሐመመ። ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ከኣ ናብኡ መጺኡ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሐውን ኢኻ እሞ፡ ብናይ ሓዳርካ ተላቦ፡ በሎ።
2. ሽዑ ህዝቅያስ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዑቚባኻ፡ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ህዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።
3. ሽዑ ህዝቅያስ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዑቚባኻ፡ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ህዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።
4. ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኢሳይያስ መጸ፡
5. ኪድ እሞ ንህዝቅያስ ንገሮ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኻ፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ንብዓትካ ርእየ፡ እንሆ፡ ኣብ ዕድሜኻ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ።
6. ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፡ ነዛ ኸተማውን ክከላኸለላ እየ፡ ይብል ኣሎ።
7. እግዚኣብሄር ነዚ ዝበሎ ቓል ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ምልክት ይዂንካ፡
8. እንሆ፡ ነቲ ብምኽንያት ጸሓይ ኣብታ ናይ ኣካዝ መድረኽ ዝወረደ ጽላሎት መድረኽሲ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢለ ኽመልሶ እየ። ጸሓይ ከኣ በቲ ዝወረደቶ መድረኽ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢላ ተመልሰት።
9. ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ሓሚሙ ነይሩ ምስ ሐወየ፡ ዝጸሐፎ ጽሕፈት፡
10. ኣነስ፡ ኣብቲ ጣዕሚ ዕድመይ ከሎኹ፡ ናብ ደጌታት ሲኦል እኸይድ፡ ነተን ዝተረፋ ዓመታተይ እስእነን ኣሎኹ፡ በልኩ።
11. ደጊም ንእግዚኣብሄር፡ ኣብ ምድሪ ህያዋን ንእግዚኣብሄር ኣይክርእዮን እየ፡ ምስቶም ኣብ ሲኦል ዘለው ሰብ ኰይነ፡ መሊሰ ሰብ ኣይክርእን እየ፡ በልኩ።
12. ማሕደረይ ፈረሰት፡ ከም ድንኳን ጓሳ ኸኣ ካባይ ጐዐዘት፡ ንህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕሊለያ ኣሎኹ፡ ንሱውን ካብ መዋጥር ኪቘርጸኒ እዩ፡ ምድሪ ኸይመሰየ ትጥርሰኒ።
13. ክሳዕ ዚወግሕ ሀዳእኩ፡ ንሱ ግና ከም ኣንበሳ ንዂሉ ዓጻጽምተይ ሰባበሮ። ምድሪ ኸይመሰየ ትጥርሰኒ።
14. ከም ለዃዂቶ፡ ከም ራዛ ጭቚጭቚ በልኩ፡ ከም ርግቢ ቘዘምኩ፡ ኣዒንተይ ላዕሊ ብምጥማት ተሐለላ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እጭነቕ ኣሎኹ፡ ዋሕሰይ ኩን።
15. እንታይ እሞ ኽብል ንሱ ተዛሪቡኒ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ገበሮ። ብዛዕባ ምረት ነፍሰይ ብዂለን ዓመታተይ ብህድኣት ክመላለስ እየ።
16. ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰብ በዚ ኸምዚ እዩ ብህይወት ዚነብር፡ ህይወት መንፈሰይ ከኣ በዚ ዂሉ እዩ። እምበኣርሲ ኣሕውየኒ ህይወትውን ምለሰለይ።
17. እንሆ፡ እዚ ዓብዪ ምረት ንሰላመይ ኰነ፡ ንስኻ ንዂሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ንነፍሰይ ኣፍቂርካ ኻብ ጒድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ።
18. ሲኦል ኣየመስግነካን፡ ሞት ኣይውድሰካን፡ እቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ብሓቅኻ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡
19. እቲ ህያው፡ እቲ ህያው፡ ከምዚ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘሎኹ፡ የመስግነካ፡ ኣቦ ንውሉዱ ሓቅኻ ኼፍልጦም እዩ።
20. እግዚኣብሄር እዩ ዘድሐነኒ፡ ስለዚ ብመዓልትታት ህይወትና ዂሉ ኣብ ቤት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንመዛሙረይ ብመሰንቆ ኽንዝምሮ ኢና።
21. ኢሳይያስ ግና፡ ጽባጥ በለስ ገይሮም፡ ነቲ ዝሐበጠ ይለብጥዎ እሞ ኪሐዊ እዩ፡ ኢሉ ነበረ።
22. ህዝቅያስ ድማ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክድይብሲ ምልክቱ እንታይ እዩ በለ።

  Isaiah (38/66)