Isaiah (37/66)  

1. ኰነ ድማ፡ ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ከሊ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።
2. ንኤልያቂም፡ ነቲ ኣዛዝ ቤትን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ነቶም ሽማግሌታት ካህናትን፡ ከሊ ብኽዱናቶም፡ ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ለኣኾም።
3. ንሳቶም ከኣ በልዎ፡ ህዝቅያስ ከምዚ ይብል፡ ውሉድ ኪውለዱ ቐሪቦም ኣለው፡ ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳኢኑ እዩ እሞ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸበባን ዘለፋን ጸርፍን እያ።
4. ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነተን ቃላት ናይቲ ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ጐይታኡ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ዝለኣኾ ረብሳቄ ሰሚዑ ይህሉ፡ ስለ እዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሰምዔን ቃላት ከኣ ኪቐጽዖ እዩ። ስለዚ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍሲ ጸሎት ኣዕርግ።
5. እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ መጹ።
6. ኢሳይያስ ድማ በሎም፡ ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ በተን ሓሽከር ንጉስ ኣሶር ንኣይ ዝጸረፉለን ንስኻውን ዝሰማዕካየን ቃላት ኣይትፍራህ።
7. እንሆ፡ ኣነ መንፈስ ኪሰደሉ እየ፡ ወረ ሰሚዑ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ፡ ኣብ ሃገሩውን ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።
8. ሽዑ ረብሳቄ ተመልሰ፡ ንጉስ ኣሶር ካብላኪሽ ከም ዝነቐለ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንሊብና ኺዋግኣ ኸሎ ረኸቦ።
9. ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ ኪዋግኣካ ወጺኡ ኣሎ፡ ዚብል ወረ ሰምዔ። እዚ ምስ ሰምዔ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብሉ ልኡኻት ናብ ህዝቅያስ ለኣኸ፡
10. ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ከምዚ በልዎ፡ እቲ እትውከሎ ዘሎኻ ኣምላኽካ፡ የሩሳሌም ናብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሀብን እያ ብምባሉ ኣየስሕትካ።
11. እንሆ፡ ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራት ዝገበርወን ሰሚዕካ ኣሎኻ፡ ንብዘለዋ ኣጥፊኦምወን እዮም እሞ ንስኻ ዲኻ እትናገፍ
12. ነቶማ ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ፡ እኒጎዛንን ሃራንን ሬጽፍን እቶም ኣብ ቴላሳር ዝነበሩ ደቂ ኤደንን፡ ኣማልኽቶምንዶ ኣናጊፎምዎም እዮም
13. ንጉስ ሃማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፈርዋይምን ናይ ሃናእን ናይ ኢዋህን ኣበይ ኣለው
14. ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፡ ህዝቅያስ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየበ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ።
15. ህዝቅያስ ከኣ ከምዚ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡
16. ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘሎኻ፡ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንስኻ ኢኻ ሰማይን ምድርን ዝገበርካ።
17. ዎ እግዚኣብሄር፡ እዝንኻ ጽሎ እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ርኤ፡ ነተን ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ዝለኣኸን ኲለን ቃላት ሰናክሬብ ስማዕ።
18. ዎ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራትን ምድሮምን ከም ዘዕነውስ፡ ሓቂ እዩ።
19. ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርብይዎም፡ ስራሕ ኢድ ሰብ፡ ዕጭን እምንን እዮም እምበር፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም።
20. ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ምዃንካ ምእንቲ ኺፈልጣ፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።
21. ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ብናይ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፡
22. እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዚብሎ ቓል እዚ እዩ፡ እታ ድንግል ጓል ጽዮን ትንዕቀካን ተላግጸልካን ኣላ፡ ጓል የሩሳሌም ብድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ ኣላ።
23. ንመን ኣባጮኻን ጸረፍካን ድምጽኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኣልዐልካ በዒንትኻስ ንመን ኣፋጠጥካሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።
24. ብሓሸክርካ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡ ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ ኣኽራን፡ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደይበ፡ ነቲ ጸጽቡቕ ኣጽሕዱን ነነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርጾ እየ፡ ናብቲ ላዕላይ ጫፍን ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበጽሕ እየ።
25. ኲዒተ ማይ ሰቴኹ፡ ብኸብዲ ኣእጋረይ ንዂሉ ርባታት ግብጺ ኸንጽፎ እየ።
26. ነዚ ኻብ ቀደም ከም ዘዳሎኽዎ፡ ካብ ጥንቲ ኸኣ ከም ዝደኰንክዎ፡ ኣይሰማዕካን ዲኻ ሕጂውን ክፍጽሞ እየ፡ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ ኲምራ ዖናታት ክትገብረን ኢኻ።
27. እቶም ኣብኤን ዚነብሩ ሰነፋን ሰምበዱን ሐፈሩን፡ ከም ሳዕሪ መሮርን ከም ልሙዕ ቈጽልን ከም ሳዕሪ ናሕስን ከምቲ ኸይበቘለ ዚሀጕጒ ዘርእን ኰነ።
28. ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውጻእካን ምእታውካን ኣብ ልዕለይ ምንዳርካን እገልጥ ኣሎኹ።
29. ኣብ ልዕለይ ስለ ዝነደርካ ድፍረትካውን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበጽሔ፡ ስለዚ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፡ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ክገብር እየ፡ በታ ዝመጻእካላ መገዲውን ክመልሰካ እየ።
30. እዚ ኸኣ ምልክት ይኹነልካ፡ ሎምዘመን ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፡ ንዓመታ ኸኣ ባልጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡን ክትዐጽዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም።
31. ተረፍ ካብ የሩሳሌም፡ እቶም ድሑናት ከኣ ካብ ከረን ጽዮን ኪወጹ እዮም እሞ፡ እቲ ኻብ ቤት ይሁዳ ዝደሐነ ተረፍ ከም ብሓድሽ ንታሕቲ ሱር ኪሰድድ፡ ኣብ ላዕሊ ድማ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዚ ኺገብር እዩ።
32. ተረፍ ካብ የሩሳሌም፡ እቶም ድሑናት ከኣ ካብ ከረን ጽዮን ኪወጹ እዮም እሞ፡ እቲ ኻብ ቤት ይሁዳ ዝደሐነ ተረፍ ከም ብሓድሽ ንታሕቲ ሱር ኪሰድድ፡ ኣብ ላዕሊ ድማ ፍረ ኺፈሪ እዩ። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዚ ኺገብር እዩ።
33. ስለዚ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶርሲ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱን፡ ፍላጻ ኸኣ ኣይኪውርውረላን፡ ብዋልታ መኪቱ ኣይኪቐርባን፡ ብቐጽሪውን ኣይኪኸባን እዩ።
34. ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸድሕናስ ክከላኸለላ እየ እሞ፡ በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኪኣቱን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
35. ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸድሕናስ ክከላኸለላ እየ እሞ፡ በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኪኣቱን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
36. መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማይናይ ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኣይ ወቕዔ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ ሬሳታት ጸንሕዎም።
37. ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ድማ ነቒሉ ኸደ፡ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ኸኣ ተቐመጠ።
38. ኰነ ድማ፡ ኣብ ቤት ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ፡ ደቁ ኣድረሜሌክን ሳሬጽን ብሰይፊ ቐተልዎ፡ ናብ ምድሪ ኣራራት ከኣ ሀደሙ፡ ኤሳርሃዶን ወዱ ድማ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።

  Isaiah (37/66)