Isaiah (34/66)  

1. እግዚኣብሄር ኣብ ኲላቶም ኣህዛብ ኰርዩ፡ ኣብ ኲሎም ሰራዊቶም ድማ ተቘጢዑ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ክትሰምዑ ቕረቡ፡ ኣቱም ህዝብታት፡ ጽን በሉ፡ ምድርን መሊእዋ ዘሎን፡ ዓለምን ካብኣ ዚወጽእ ዘበለ ዂሉን ይስማዕ፡ ንጥፍኣት መጥይዎም ንማሕርዲ ኸኣ ወፍይዎም እዩ።
2. እግዚኣብሄር ኣብ ኲላቶም ኣህዛብ ኰርዩ፡ ኣብ ኲሎም ሰራዊቶም ድማ ተቘጢዑ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ክትሰምዑ ቕረቡ፡ ኣቱም ህዝብታት፡ ጽን በሉ፡ ምድርን መሊእዋ ዘሎን፡ ዓለምን ካብኣ ዚወጽእ ዘበለ ዂሉን ይስማዕ፡ ንጥፍኣት መጥይዎም ንማሕርዲ ኸኣ ወፍይዎም እዩ።
3. ቅቱላቶም ይድርበዩ፡ ሬሳታቶም ጺእ ይጨኑ፡ ኣኽራን ድማ ብደሞም ይመክኽ።
4. ኲሉ ሰራዊት ሰማይ ይጠፍእ፡ ሰማያት ከኣ ከም ብራና ይጥቕለል፡ ኲሉ ሰራዊቱውን ከምቲ ቘጽሊ ኻብ ተኽሊ ወይኒ፡ ከምቲ ዝጸምለወ ቘጽሊ፡ ካብ ኦም በለስ ዚረግፍ፡ ኪረግፍ እዩ።
5. ሴፈይ ኣብ ሰማይ ሰኺሩ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብ ኤዶም፡ ኣብቲ ህዝቢ መርገመይ፡ ንፍርዲ ኺወርድ እዩ።
6. እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ቦጽራ፡ ኣብ ሃገር ኤዶም ድማ ብዙሕ ሕሩድ ኪገብር እዩ እሞ፡ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተዐሊሱ፡ ብስብሕን ብደም ገናሽልን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ደዓውልን ከኣ ተሰቢሑ ኣሎ።
7. መዓልቲ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ዓመት ምፍዳይ ኢድ ብናይ ነገር ጽዮን እዩ እሞ፡ ምሳታቶም ድማ ጎባያትን ኣረውሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፡ ሃገሮም ብደም ይሰክር፡ ሓመዶም ብስብሒ ይስባሕ ኣሎ።
8. መዓልቲ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ዓመት ምፍዳይ ኢድ ብናይ ነገር ጽዮን እዩ እሞ፡ ምሳታቶም ድማ ጎባያትን ኣረውሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፡ ሃገሮም ብደም ይሰክር፡ ሓመዶም ብስብሒ ይስባሕ ኣሎ።
9. ወሓይዝ ናብ ቅጥራን፡ ሓመድ ኸኣ ናብ ዲን ኪልወጥ፡ ሃገራውን ነዳዲ ቕጥራን ኪኸውን እዩ።
10. ምንዳዳ ለይትን መዓልትን ኣይጠፍእን፡ ትካ ንዘለኣለም ይተክኽ፡ እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ትባድም፡ ንዘለኣለም ሓድ እኳ ኣይሐልፋን።
11. ኣባጉምባሕን ቅንፍዝን ናቶም ይገብርዋ፡ ጒንጓን ኳዂን ይነብርዋ፡ ናይ ምብራስ ገመድ መስፈርን ናይ ምብዳም ሚዛን መለክዕን ይዝርግሓላ።
12. ካብቶም ንምንጋስ ዚበቕዑ ጭዋታታ ሓደ እኳ የልቦን፡ ኲላቶም መሳፍንታ ኸኣ ምናምን ይዀኑ።
13. እሾዂ ኣብ ኣደራሻታ፡ ኣምዔን ተዀርባን ከኣ ኣብ ዕርድታታ ይበቊል፡ መሳፍሮ ወኻሩን መውዓል ሰገንን ትኸውን።
14. ኣራዊት በረኻን ኣኽላባት መሮርን ኣብኣ ይራኸቡ፡ ኣጋንንቲ ኸኣ ይጻዋውዑ፡ ዛር ለይቲ ድማ ኣብኣ ይነብር፡ ቦታ ዕረፍቲውን ይረኽበላ።
15. ተመን ኣብኣ ቤቱ ይገብር፡ እንቋቚሖኡ ድማ የውድቕ፡ ኣንቊሑ ንወለልዱ ኣብ ጽላሉ ይእክቦም፡ ኣብኣውን ኣሞራታት ተኣኪቦም ንሓድሕዶም ይራኸቡ።
16. ኣብ መጽሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፡ ኣፈይ እዩ ዚእዝዝ፡ መንፈሱ እዩ ዚእክቦም ዘሎ፡ ንሱ እዩ ዕጭ ዜውድቐሎም፡ ኢዱ ኸኣ እያ ብገመድ መለክዒ ንእኣ ዝመቐለትሎም እሞ፡ ንዘለኣለም ኪሕዝዋ ንውሉድ ወለዶውን ኪነብርዋ እዮም፡ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይኪስኣንን እዩ፡ ንብጻዩ ዚስእን የልቦን።
17. ኣብ መጽሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፡ ኣፈይ እዩ ዚእዝዝ፡ መንፈሱ እዩ ዚእክቦም ዘሎ፡ ንሱ እዩ ዕጭ ዜውድቐሎም፡ ኢዱ ኸኣ እያ ብገመድ መለክዒ ንእኣ ዝመቐለትሎም እሞ፡ ንዘለኣለም ኪሕዝዋ ንውሉድ ወለዶውን ኪነብርዋ እዮም፡ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይኪስኣንን እዩ፡ ንብጻዩ ዚስእን የልቦን።

  Isaiah (34/66)