Isaiah (33/66)  

1. ኣታ እትዘምት እሞ ዘይተዘመትካ፡ ወይለኻ፡ ኣታ እትጠልም እሞ ዘይተጠለምካ፡ ወይለኻ። ምዝማት ምስ ፈጸምካ፡ ክትዝመት ኢኻ። ምጥላም ምስ ወዳእካ፡ ኪጠልሙኻ እዮም።
2. ዎ እግዚኣብሄር ምሐረና፡ ንኣኻ ንጽበ ኣሎና። ኣብ ጸጽባሕ ቅልጽሞም፡ ብጊዜ ጸበባ ኸኣ ምድሓንና ኹን።
3. እቶም ህዝብታት በቲ ህማም ታዕታዕ ይሀድሙ፡ ብምትንሳእካ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ።
4. ኲብኲብታ ኸም ዚእከብ፡ ዘመቴኹም ይእከብ፡ ኣንበጣ ኸም ዚጐዪ ይጐይዎ ኣለው።
5. እግዚኣብሄር ልዑል እዩ፡ ኣብ ላዕሊ ይነብር እዩ እሞ፡ ንጽዮን ብፍርድን ጽድቅን መሊእዋ ኣሎ።
6. ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ጥበብን ፍልጠትን ኪኸውን እዩ፡ ምፍራህ እግዚኣብሄር ከኣ መዝገቡ እዩ።
7. እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ወጻኢ ይጭድሩ፡ ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለው።
8. መገድታት ባደመ፡ ሓላፍ መገዲ ተሳእነ። ኪዳን ጠለመ፡ ከተማታት ነዐቐ፡ ንሰብ ገለ እኳ ኣየቋጽሮን።
9. እታ ሃገር ሐዘነትን ሐስኤትን፡ ሊባኖስ ሐፈረትን ነቐጸትን፡ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀነት፡ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቈጽሉ ረገፈ።
10. እግዚኣብሄር ግና፡ ሕጂ ኽትንስእ፡ ሕጂ ኽለዐል፡ ሕጂ ልዕል ክብል እየ፡ ይብል ኣሎ።
11. ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ከኣ ክትወልዱ ኢኹም፡ ትንፋስኩም፡ ዚበልዓኩም ሓዊ እዩ።
12. ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ይነዱ፡ ከምቲ ኣብ ሓዊ ሞዂ ዚብል ቈጥቋጥ እሾዂ ይዀኑ።
13. ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም፡ ዝገበርክዎ ስምዑ፡ ኣቱም ቀረባ ዘሎኹም ከኣ፡ ስልጣነይ ፍለጡ።
14. ኣብ ጽዮን ዘለው ሓጢኣተኛታት ይስምብዱ ኣለው፡ ንረሲኣን ድማ ራዕዲ ይሕዞም ኣሎ፡ ካባናስ ምስ ዚባላዕ ሓዊ ኺነብር ዚኽእል መን እዩ ካባናኸ ምስ ናይ ዘለኣለም ባርዕ ኪነብር ዚኽእል መን እዩ
15. እቲ ብጽድቂ ዚመላለስን ቅንዕና ዚዛረብን፡ ረብሓ ምጭቋን ዚንዕቕ፡ መማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዚንዝንዝ፡ ብናይ ምኽዓው ደም ከይሰምዕ ከኣ ኣእዛኑ ዚውትፍ፡ እከይ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዚዕምትሲ፡
16. ንሱ ኣብ በረኻ ኪነብር፡ ኣኻውሕ እምባታት ከኣ ጸግዑ ከኽውን፡ እንጌራኡ ኺረክብ ማዩውን ንሓዋሩ ኣይኪነጽፍን እዩ።
17. ኣዒንትኻ ንንጉስ ብጽባቔኡ ኺርእያኦ፡ ርሑቕ ሰፊሕ ሃገር ከኣ ኪምልከታ እየን።
18. ልብኻ፡ ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ መዛኒ ኣበይ ኣሎ ግምብታት ዝቘጸረስ ኣበይ ኣሎ እናበለ ናብቲ ፍርሂ ኺሐስብ እዩ።
19. ነቲ ጨካን ህዝቢ፡ ነቲ ዘይበትውዓል ጭንቂ ዝቛንቋኡ፡ ነቲ ዘይስማዕ ወታእ ዝመልሓሱ ህዝቢ ኣይክትርእዮን ኢኻ።
20. ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትና፡ ተመልከታ፡ ኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ነታ ህድእቲ ማሕደር፡ ዘይትዛናበል ድንኳን፡ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይምንቈስ፡ ኣግማዳ ኸኣ ከቶ ዘይብተኽ፡ ኪርእያ እየን።
21. ኣብኣውን እግዚኣብሄር፡ በታ ርሒብ ርባታትን ወሓይዝን ኰይኑ፡ ብግርማኡ ምሳና ኪኸውን እዩ፡ ብመቕዘፍ እትምራሕ መርከብ ኣይትኣትዋን፡ ዓባይ መርከብ ከኣ ኣይትሐልፋን።
22. እግዚኣብሄር ፈራዲና፡ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነና እዩ።
23. ኣግማድካ ዘሊቑ፡ ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ኣየትርሮን፡ ነቲ ጋንጽላ ኣይግትሮን። ሽዑ እቲ ዘመተ ናይ ብርቱዕ ምርኮ ይምቀል፡ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ይማርኹ።
24. ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ፡ ሕማቕ እየ፡ ኣይብልን፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሐጊጉሉ እዩ።

  Isaiah (33/66)