Isaiah (30/66)  

1. ኣቱም ተጻረርቲ ደቂ፡ ወይለኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ምኽሪ ትመኽሩ፡ ግናኸ ካባይ ኣይኰነን፡ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክትውስኹስ፡ ኪዳን ትትኣታተው ኣሎኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኰነን።
2. ብሓይሊ ፈርኦን ክትሕይሉ፡ ኣብ ጽላል ግብጺ ኸኣ ክትጽግዑ ኢልኩምሲ፡ ናብ ግብጺ ትወርዱ ኣሎኹም፡ ግናኸ ንኣፈይ ኣይሐተትኩምን።
3. ስለዚ እቲ ሓይሊ ፈርኦን መነወሪኹም፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ምጽጋዕኩም ድማ መሕፈሪኹም ኪኸውን እዩ።
4. መሳፍንቱ ኣብ ጾኣን ኣለው፡ ልኡኻቱውን ናብ ሃኔስ በጽሑ እሞ፡
5. በቲ ነውርን ሕፍረትን እምበር፡ ገለ እኳ ዘይጠቕሞም፡ ረዲኤትን ጥቕምን ከኣ ዜብሉ ህዝቢ ኲላቶም ኪሐፍሩ እዮም።
6. ጾር ብዛዕባ ኣራዊት ደቡብ። በታ ዋዕሮን ሓየትን መንደልቶን ዚነፍር ገበልን ብምድሪ ጸበባን ምዕሉባጥን ኣቢሎም፡ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ጸዕብ፡ ንዕቋሮም ከኣ ኣብ መንጒዳ ኣግማል ጽዒኖም፡ ንገለ እኳ ዘይጠቕሞም ህዝቢ የምጽኡሉ።
7. ግብጺ ብኸንቱ ብብላሽ እያ እትረድእ እሞ፡ ስለዚ ንእኣ፡ ረሃብ ስቕ ኢላ እትቕመጥ፡ ኢለ ሰሜኽዋ።
8. እምበኣርሲ ኺድ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ሰሌዳ ሐንጽጾ፡ ንዚመጽእ ጊዜን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ኪነብርሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሐፎ።
9. ዓለወኛ ህዝቢ፡ ሓሰውቲ ውሉስ፡ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዚኣብዩ ውሉድ እዮም እሞ፡
10. ነቶም ፈኣይቲ፡ ኣይትርኣዩ፡ ንነብያት ከኣ፡ ቅኑዕ ነገር ኣይትነበዪልና፡ ዜሐጒስ ደኣ ንገሩና፡ ጥበራውን ተነበዪልና፡
11. ካብ ጐደና ኣግልሱ፡ ካብ መገዲ ዝበሉ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ፡ ይብሉ።
12. ስለዚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ነዚ ቓል እዚ ንዒቕኩም፡ ኣብ ዓመጽን ኣብ ጐመጽን ተወኪልኩም፡ ንእኡ ጸግዒ እትገብሩስ፡
13. ስለዚ እዚ ኣበሳ እዚ ኸም ሓደ ኺወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፡ ከምቲ ብድንገትን ብቕጽበትን ዚፈርስ እተዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ኪዀነኩም እዩ፡
14. ዕትሮ ስራሕ መሬት ከም ዚሰባበር፡ ኪሰባበር እዩ፡ ካብቲ ገልዑ እኳ ሓዊ ኻብ እቶን ዚጽሐሮ፡ወይስ ማይ ካብ ሓጽቢ ዚቕድሖ ኸም ዘይርከብ፡ ብዘይ ምሕረት ኪሰባበር እዩ።
15. እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ኪኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም።
16. ንስኻትኩምውን፡ ኣይፋልናን፡ በፍራስ ደኣ ንሀድም፡ ስለዚ ኽትሀድሙ ኢኹም፡ ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ከኣ ክንቅመጥ ኢና፡ በልኩም። ስለዚ እቶም ዚሰጉኹም ፈጣናት ኪዀኑ እዮም።
17. ብምፍርራህ ሓደ ሰብኣይ ካባኻትኩም ሽሕ ኪሀድሙ እዮም፡ ከም ጒንዲ ኣብ ርእሲ ኸረን፡ ከም ሰንደቕ ዕላማውን ኣብ ኲርባ ኽሳዕ እትተርፉ፡ ብምፍርራህ ሓሙሽተ ኽትሀድሙ ኢኹም።
18. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።
19. እቲ ህዝቢ ኣብ ጽዮን ኣብ የሩሳሌም ኪነብር እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ኣይክትበክን ኢኻ፡ ምስ እተእዊ ብርግጽ ጸጋ ኺህበካ እዩ፡ ኪሰምዕ ከሎ ኸኣ ኪመልሰልካ እዩ።
20. እግዚኣብሄርሲ እንጌራ ጸበባን ማይ ጭንቀትን ኪህበኩም እዩ፡ ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ ኺርእያ እየን እምበር፡ ደጊምሲ መምህራንካ ኣይኪስወሩን እዮም።
21. ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም፡ ኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላላሱ፡ ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።
22. ነቲ ናይ ቅርጺ ምስልታትካ ተለቢጥዎ ዘሎ ብሩርን፡ ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትካ ተጠሊቕዎ ዘሎ ወርቅን ከተርክሶን ከም ርኹስ ነገር ክትጒሕፎን፡ ወጊድ ካብዚ ውጻእ፡ ክትብሎን ኢኻ።
23. ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዝናም ኪህብ፡ ካብቲ ምድሪ ዚርከብ እንጌራ ድማ ጥዑምን ኣኽልታርፍን ኪኸውን እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ማልካ ኣብ ርሒብ ሸኻታት ኪጓሰያ እየን።
24. እቶም ንምድሪ ዚሐርሱ ኣብዑርን ጻዕባትን ከኣ ብመስኤን ብሰፍእን ዝጸረየ ጨው ዝጥዕም ድርቋ ኺበልዑ እዮም።
25. በታ ግምብታት ዚወድቁላ ዓባይ መዓልቲ ቕትለት ከኣ ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ በረኽቲ ዂድዂዶታትን ርባታትን ወሓይዝትን ኪኸውን እዩ።
26. በታ እግዚኣብሄር ንመስበርቲ ህዝቡ ዚዘንላ፡ ንቚስሊ መውቃዕቱ ዜሕውየላ መዓልቲ ኸኣ እቲ ብርሃን ወርሒ ኸም ብርሃን ጻሓይ ኪኸውን፡ ብርሃን ጸሓይ ድማ ሾብዓተ ዕጽፊ ኸም ብርሃን ሾብዓተ መዓልቲ ኪኸውን እዩ።
27. እንሆ፡ ስም እግዚኣብሄር ብርሱን ቊጥዓኡን ብዚዕልስ ትክን ካብ ርሑቕ ይመጽእ ኣሎ፡ ከናፍሩ ብዂራ ምሉእ፡ ልሳኑውን ከም ዚባላዕ ሓዊ እዩ።
28. ነህዛብ ብምሔ ኸንቱነት ኪሔሕዮም፡ ንምንጋጋ ህዝብታት ከኣ ብዜጋጊ ልጓም ምእንቲ ኺለጒምሲ፡ ትንፋሱ ኸምቲ ኽሳዕ ክሳድ ዚበጽሕ ደምሳሲ ውሒዝ እዩ።
29. ከምታ ቅዱስ በዓል ዚበዐለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም፡ ከምቲ ናይ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብቲ ኸውሒ እስራኤል፡ ብቓና እምብልታ ኺድይቡ ኸለው፡ ከምኡውን ልብኹም ኪሕጐስ እዩ።
30. እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምጹ ኼስምዕ እዩ፡ ንቕልጽሙ ኸኣ ብዂራ ቚጥዓን ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን ብሽሾን ሃጽፍን በእማን በረድን ኣውሪዱ ኼርኢ እዩ።
31. ኣሶር ብሸቦጥ ምስ ወቕዔ፡ ብድምጺ እግዚኣብሄር ኪሰባበር እዩ እሞ፡
32. ኲሉ መውቃዕቲ እታ እግዚኣብሄር ዜውርደሉ ምድብቲ ስላዕ ከኣ ብኸበሮን መሰንቆን ኪኸውን እዩ፡ ንሱ ኸኣ መመሊሱ ኢዱ እናልዐለ ኺዋግኦም እዩ።
33. ቶፌት ካብ ቀደም ተዳልያ ኣላ፡ እወ፡ ንንጉስ እኳ ደኣ እያ እተዳለወት፡ ኣዕመቛን ኣርሐባን፡ ኣብኣ ኸኣ ሓውን ብዙሕ ዕጨይትን ተዀሚሩ ኣሎ፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ከም ውሒዝ ዲን በግ የብላ ኣሎ።

  Isaiah (30/66)