Isaiah (3/66)  

1. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፋን ምርኩስ፡ ኲሉ ደገፉ እንጌራን ኲሉ ደገፉ ማይን ኬርሕቕ እዩ።
2. ነቲ ጅግናን ተዋጋእን ነቲ ፈራድን ንነብይን ነቲ ፈላጥን ንኣረጊትን፡
3. ነቲ ሓለቓ ሓምሳን ንምርኡይ ሰብን ነቲ መኻርን ንንፋዕ ብዓል ኢደ ጥበብን ንብልሓተኛ ዓዛምን ኬርሕቖም እዩ።
4. ቈልዑ መሳፍንቶም ኪዀኑ ኽህቦም እየ፡ ሕጻናት ከኣ ኪመልክዎም እዮም።
5. እቲ ህዝቢ ድማ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኺገፍዖ እዩ፡ ቈልዓ ንኣረጊት፡ እቲ ሕማቕ ድማ ነቲ ኽቡር ኪደፍሮ እዩ።
6. ሓደ ንሓው ኣብ ቤት ኣቦኡ ሒዙ፡ ክዳን ኣሎካ እሞ፡ ገዛኢ ኹነና፡ ነዚ ምዕናው እዚ ኣብ ትሕቲ ኢድካ ግበሮ፡ ምስ ዚብሎ፡
7. እቲውን በታ መዓልቲ እቲኣ ኢዱ ኣልዒሉ፡ ኣነ ዘናን ቊስሊ ኣይኰንኩን፡ ኣብ ቤተይ ድማ እንጌራ ወይስ ክዳን የልቦን፡ እሞ፡ ገዛእ ህዝቢ ኣይትግበሩኒ፡ ኪብል እዩ።
8. ነዒንቲ ኽብሩ ኬቘጥዕወን ኢሎምሲ፡ ልሳኖምን ግብሮምን ንእግዚኣብሄር ስለ እተጻረረ፡ የሩሳሌም ሰንከልከል ትብል፡ ይሁዳ ኸኣ ትወድቕ ኣላ።
9. ትርኢት ገጾም ዜርትዖም ይምስክር፡ ንሓጢኣቶም ከም ሶዶም የውርይዎ፡ ኣይሐብእዎን ከኣ፡ ኣብ ርእሶም ሕሰም የምጽኡ ኣለው እሞ፡ ወይለኣ ነፍሶም።
10. ንጻድቕ፡ ፍረግብሩ ኺበልዕ እዩ እሞ፡ ተዐዊትካ በልዎ።
11. ንረሲእሲ እኩይ ኪረኽቦ እዩ፡ ግብሪ ኢዱ ኺፍደ እዩ እሞ፡ ወይለኡ።
12. ገፋዕቲ ህዝበይ ቈልዑ እዮም፡ ኣንስቲ ኸኣ ይገዝእኦ ኣለዋ። ዎ ህዝበይ፡ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው።
13. እግዚኣብሄር ኪምጒት ይትንስእ፡ ንህዝብታት ኪፈርዶም ይቐውም።
14. እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ህዝቡ ዓበይትን መሳፍንትን ኪፈርዶም ይኣቱ፡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንስኻትኩም ኢኹም ዝበላዕኩምዎ፡ እቲ ኻብ ድኻታት ዝዘረፍኩምዎ ኣብ ኣባይትኹም ኣሎ።
15. ንህዝበይ እትረግጽዎ፡ ንገጽ ድኻታት ከኣ እትደቚሱንሲ፡ ስለምንታይ ኢኹም ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት።
16. መሊሱ እግዚኣብሄር በለ፡ ኣዋልድ ጽዮን ኰሪዔን፡ ክሳውደን ገቲረን፡ በዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዚብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዚብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ እሞ፡
17. እግዚኣብሄር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ኬንኲዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ።
18. በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ እዩ።
19. ንዂትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብን፡
20. ንመጠምጠምያን ስጒሚ ኼሕጽር እተሰርሔ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትን፡
21. ንቐለቤት ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫን፡
22. ንኽዳውንቲ በዓልን ባርኖስን፡ ንመደረብታን ሕልሕሎን፡
23. ንመስትያትን ቅዕጭን ዓለባን ንጋማን መጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ።
24. ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቱ ጺእ ጨና፡ ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ፡ ኣብ ክንዲ ጐተና ነዃዕ፡ ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ፡ ኣብ ክንዲ ጽባቐ መልክዕውን ናይ ንዳድ በሰላ ኪኸውን እዩ።
25. ሰብኡትኪ ብሰይፊ፡ ጀጋኑኺ ኣብ ውግእ ኪወድቁ እዮም።
26. ደጌታት ኪቚዝማን ኪሐዝናን እየን፡ ዖንያ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ እያ።

  Isaiah (3/66)