Isaiah (28/66)  

1. ነታ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬምን ነታ ናይ ክቡር ስልማቱ ዝጸምለወት ዕምባባ፡ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ናይቶም ብወይኒ ሰንከልከል ዚብሉ ዘላን ወይለኤን።
2. እንሆ፡ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር ይመጽእ ኣሎ፡ ንሱ ኸም ሃጽፊ በረድን ከም ዜጥፍእ ህቦብላን ከም ሃጽፊ ብርቱዕ ደምሳሲ ማይን ኰይኑ፡ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ጻሕ የብሎ።
3. እቲ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬም ብእግሪ ኺርገጽ እዩ።
4. እቲ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ዘሎ ናይቲ ኽቡር ስልማቱ ዝጸምለወ ዕምባባ ከምቲ ቕድሚ ቐውዒ ቀዲሙ ዝበሰለ በለስ ኪኸውን እዩ፡ ምስ ረኣዮ፡ ገና ኣብ ኢዱ ኸሎ፡ ቀልጢፉ ይውሕጦ።
5. በታ መዓልቲ እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነቶም ተረፍ ህዝቢ ኣኽሊል ክብርን ዘውዲ ስልማትን ኪዀኖም እዩ።
6. ነቲ ኺፈርድ ዚቕመጥ ከኣ መንፈስ ፍትሒ፡ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዚመልሱ ድማ ሓይሊ ኪዀኖም እዩ።
7. ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንከልከል ይብሉ፡ ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ኸኣ ይሳናኸሉ። ካህንን ነብይን ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ሰንከልከል ይብሉ፡ ብወይኒ ይውሐጡ፡ ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ሰንከልከል ይብሉ፡ ኣብ ራእይ ይጋገዩ፡ ኣብ ፍርዲ ይዕንቀፉ ኣለው።
8. ኲሉ መኣድታት ዜፈንፍን ትፋእ ምሉእ እዩ፡ ካን ጽጹይ ስፍራ ይልቦን።
9. ንመን ደኣ ፍልጠት ኪምህር እዩ ንመንከ እዩ ነታ መልእኽቲ ኸም ዜስተውዕላ ዚገብሮ ነቶም ጸባ ኣዲኦም ዝሐደጉ፡ ካብ ጡብ እተፈልዩ ድዩ
10. ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ እዩ።
11. እምበኣርሲ ብወታእ ከናፍርን ብልሳን ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኽዛረቦ እዩ።
12. ንሱውን፡ ዕረፍቲ እዚኣ እያ፡ ነቲ ድኹም ኣዕርፍዎ፡ እታ መቕሰኒት እዚኣ እያ፡ ኢልዎም ነይሩ፡ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ።
13. ስለዚ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ንኣታቶም፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ ኪዀኖም እዩ። ኪኸዱ ኸለው ኸኣ፡ ጥንቅሊዒት ወዲቖም፡ ኪስበሩን ኪፍንጠሩን ኪትሐዙን እዮም።
14. ስለዚ ኣቱም መላገጽቲ፡ ኣቱም ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እትመልኩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
15. ንስኻትኩም ከኣ፡ ምስ ሞትሲ ኺዳን ተኣታቲና፡ ምስ ሲኦም ድማ ተዋዓዒልና፡ ንሓሶት ጸግዕና ንጥልመትውን ከውልና ጌርና ኢና እሞ፡ መዓት ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ምስ ዚሐልፍ፡ ኣባናስ ኣይኪበጽሕን እዩ፡ ትብሉ ኣሎኹም እሞ፡
16. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መሰረት፡ ፍቱን እምኒ፡ ድልዱል ዝመሰረቱ፡ ክቡር እምኒ ዂርናዕ ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪሀድምን እዩ።
17. ፍርዲ ንመዓቀኒ፡ ጽድቂ ኸኣ ንመለክዒ ኽገብሮ እየ፡ በረድ ንጸግዒ ሓሶት ኬፍርሶ፡ ማያትውን ነቲ ኸውሊ ኺድምስሶ እዩ።
18. እቲ ምስ ሞት እተኣታቶኹምዎ ኺዳንሲ ከንቱ ኪኸውን፡ እቲ ምስ ሲኦል እተዋዓዐልኩምዎ ውዕል ከኣ ኣይኪጸንዕን እዩ፡ መዓት ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ምስ ዚሐልፍ፡ ንስኻትኩም ብእኡ ኽትርገጹ ኢኹም።
19. ንግሆ ንግሆ፡ ለይትን መዓልትን ኪሐልፍ እዩ እሞ፡ እናሐለፈ ኺሕዘኩም እዩ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምስትውዓልሲ መሰክሒ ጥራይ ኪኸውን እዩ።
20. ዓራት ከየሳፍሑሉ፡ ሓጺር እዩ፡ መደረብታ ኸኣ፡ ብእኡ ኸይጒልበቡ፡ ጸቢብ እዩ።
21. እግዚኣብሄር ንዕዮኡ፡ ነቲ መስትንክር ዕዮኡ ምእንቲ ኺገብር፡ ንተግባሩ፡ ነቲ ዜደንቕ ተግባሩ ምእንቲ ኺፍጽምሲ፡ ከም ኣብ ከረን ጴራጺም ኪትንስእ፡ ከም ኣብ ለሰ ጊብዖን ኪዂሪ እዩ እሞ፡
22. ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ተመዲቡ ኸም ዘሎ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ሰሚዔ ኣሎኹ እሞ፡ ማእሰርትኹም ከይጸንዕ ደጊምሲ ኣይተላግጹ።
23. ጽን በሉ፡ ድምጻይ ስምዑ፡ ኣስተብህሉ፡ ዘረባይ ድማ ስምዑ።
24. ሓረስታይ ኪዘርእ ኢሉ ዂሉ መዓልቲዶ ይሐርስ፡ ንግራቱስ ይባርዎን ይጒልጒሎን ድዩ
25. ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ ሰሰግዶ ኣይንስንስን ካሙንከ ኣይብትንን ድዩ ስርናይ ከኣ ኣብቲ ትልምታት፡ ስገም ድማ ኣብ ወገኑ፡ ንሂጒውን ኣብ ወሰነ ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ
26. ኣምላኽውን ነቲ ቕኑዕ ኣገባቡ ኣፍሊጥዎን ምሂርዎን እዩ።
27. ሰሰግ ብመኼዲ ኣይክየድን፡ መንኰርኰር ሰረገላ ኸኣ ኣብ ካሙን ኣየዙሩን፡ ንሰሰግሲ ብጨንገፍ፡ ንካሙን ድማ ብሸቦጥ እዮም ዚዘብጥዎ።
28. እኽሊ ይጥሐን እምበር፡ ንሓዋሩስ ኣይክየድን እዩ፡ መንኰረዂር ሰረገላኡን ኣፍራሱን እኳ እንተ ኣኼድሉ፡ ኣይጥሐንን እዩ።
29. እዚውን ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝወጸ። ንሱ ብምኽሩ ዜገርም፡ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ።

  Isaiah (28/66)