Isaiah (26/66)  

1. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር ይሁዳ እዚ መዝሙር እዚ ኺዝመር እዩ፡ ጽንዕቲ ኸተማ ኣላትና፡ ቀጽርን ዕርድን ገይሩ ምድሓን ኬንብረላ እዩ።
2. እቲ ሓዊ ዚሕሉ ጻድቕ ህዝቢ ኺኣቱስ፡ ደጌታት ክፈቱ።
3. ስለዚ እቲ ብርቱዕ ህዝቢ የኽብረካ፡ ከተማ እቶም ጨካናት ኣህዛብ ትፈርሃካ ኣላ።
4. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተማሕጸኑ።
5. ነቶም ኣብ በሪኽ ዝነበሩ ለጠቕ ኣበሎም፡ ነታ ልዕል ዝበለት ከተማ ኣዋረዳ፡ ክሳዕ ምድሪ ኣዋረዳ፡ ናብ ሓመድ ጻሕ ኣበላ።
6. እግሪ ኤረ ኣእጋር ድኻታትን ስጒምቲ ሽጉራትን ይረግጻኣ።
7. መገዲ ጻድቕ ቅንዕቲ እያ። ንጻድቕሲ መገዲ ተዳልወሉ ኢኻ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መገዲ ፍርድኻ ተጸቤናኻ። ስምካን ዝኽርኻን ናፍቖት ነፍስና እዩ።
9. ፍርድኻ ኣብ ምድሪ ምስ እትገብር፡ እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ እዮም እሞ፡ ነፍሰይ ብለይቲ ትናፍቐካ፡ በቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ።
10. ንረሲእ እንተ ራሕራሕካሉ፡ ጽድቂ ኣይመሀርን፡ ኣብ ሃገር ቅንዕና እኩይ ይገብር፡ ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይርእዮን።
11. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኢድካ ተላዒላ ኣላ፡ ንሳቶም ግና ኣይርእዩን፡ ግናኸ ነቲ ምእንቲ ህዝቢ እትጽዕቶ ጻዓት ኪርእዩን ኪሐፍሩን እዮም፡ እወ፡ ንተጻረርትኻስ ሓዊ ኺውሕጦም እዩ።
12. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዂሉ ተግባርና ንስኻ ኢኻ እትፍጽመልና እሞ፡ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ።
13. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ብጀካኻ ኻልኦት ጐይቶት መሊኾምና ኣለው፡ ግናኸ ብኣኻ ጥራይ ንስምካ ንዝክሮ።
14. ምውታትሲ ህያዋን ኣይኰኑን፡ ጽላሎት ኣይትንስኡን፡ ስለዚ ቐጻዕካዮምን ኣጽነትካዮምን፡ ንመዘከርታኦም ዘበለውን ኣጥፋእካዮ።
15. ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ከበርካ፡ ንወሰን እቲ ሃገር ኲሉ ድማ ኣርሐብካዮ።
16. ዎ እግዚኣብሄር፡ ብጸበባ ደለዩኻ፡ ቅጽዓትካ ምስ ረኸቦም፡ ሰላሕ ኢሎም ጸሎት ኣፍሰሱ።
17. ከም ጥንስቲ ሰበይቲ፡ ክትወልድ ምስ ቀረበት፡ ቅልውላው ተታሒዛ እትጭርሕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንሕናውን ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ዀንና።
18. ጠነስና፡ ጻዕሪ ሕርሲ ሐዘና፡ ንፋስ ከም ዝወለደት ኰንና፡ ምድሓን ንምድሪ ኣየምጻእናላን፡ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ኸኣ ኣይውለዱን።ፕ
19. ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ፡ ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩ፡ ምድሪውን ንምውታት ከተውጽኦም እያ እሞ፡ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ እልል ከኣ በሉ።
20. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ ኣሎ፡ ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖ፡ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ እሞ፡ እምበኣርከ ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኚኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቊጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ።
21. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ ኣሎ፡ ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖ፡ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ እሞ፡ እምበኣርከ ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኚኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቊጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ።

  Isaiah (26/66)