| ← Isaiah (25/66) → | 
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ። ተኣምራት፡ እቲ ናይ ጥንቲ ምኽሪ፡ እምነትን ሓቅን ጌርካ ኢኻ እሞ፡ ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ። | 
| 2. | ንኸተማስ ኲምራ እምኒ፡ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸኣ ዑና ጌርካያ ኢኻ እሞ፡ እቲ ኣዳራሽ ጓኖት ደጊም ከተማ ኸይከውን፡ ንዘለኣለም ኣይኪስራሕን እዩ። | 
| 3. | ስለዚ እቲ ብርቱዕ ህዝቢ የኽብረካ፡ ከተማ እቶም ጨካናት ኣህዛብ ትፈርሃካ ኣላ። | 
| 4. | ነድሪ እቶም ጨካናት ከምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ እዩ እሞ፡ ንስኻ ዕርዲ ንድኻ፡ ንሽጉር ኣብ ጸበባኡ መጸግዒ፡ ካብ ሃጽፊ መዕቀሊ፡ ካብ ሃሩር መጽለሊ ዀንካ። | 
| 5. | ከምቲ ንሃሩር ኣብ ደረቕ ምድሪ እተህድኦ፡ ከምኡ ንታዕታዕ ጓኖት ተህድኦ ኣሎኻ፡ ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዚዝሕል፡ ከምኡ ናይቶም ጨካናት ደርፊ ዓወት ይዝሕል ኣሎ። | 
| 6. | እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዂሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ፡ ኣንጒዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ። | 
| 7. | ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዂሎም ህዝብታት ዚጋርድ መጋረጃን ነቲ ንዂሎም ኣህዛብ ዚጒልብብ መጐልበብን ኬጥፍኦ እዩ። | 
| 8. | ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኲሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኲላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ። | 
| 9. | በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እንሆ፡ ኣምላኽና እዚ እዩ፡ ተጸቤናዮ፡ ኬድሕነና ኸኣ እዩ፡ እቲ እተጸቤናዮ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ብምድሓኑ ንተሐጐስ ባህውን ይበለና፡ ኪበሀል እዩ። | 
| 10. | ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዚ ኸረን እዚ ኽትዐርፍ እያ እሞ፡ ከምቲ ሓሰር ኣብ ዕነ ዚርገጽ፡ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኺርገጽ እዩ። | 
| 11. | ከምቲ ሓማሲ ኺሕምስ ከሎ ኣእዳው ዚዝርግሕ፡ ከምኡ ኣብ ማእከሉ ኣእዳው ኺዝርግሕ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንትዕቢቱ ምስናይ እቲ ተንኰል ኣእዳው ኼዋርዶ እዩ። | 
| 12. | ነቲ ልዕል ዝበለ ጽኑዕ ቀጽሪ ዕርድኻ ለጠቕ ኬብሎ፡ ኬውድቖ፡ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ኬብሎ እዩ። | 
| ← Isaiah (25/66) → |