Isaiah (24/66)  

1. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንምድሪ ጥራያ ይገብራን የባድማን፡ ገጻ ይግምጥል፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ፋሕ የብሎም።
2. ከምቲ ንህዝቢ ኸምኡ ንኻህን ኪበጽሖ እዩ፡ ከምቲ ንባርያ ኸምኡ ንጐይታ፡ ከምቲ ንግዝእቲ ኸምኡ ንእመቤት፡ ከምቲ ንተሻያጢ ኸምኡ ንሸያጢ፡ ከምቲ ንተለቃሒ ኸምኡ ንመለቅሒ፡ ከምቲ ንብዓል ዕዳ ኸምኡ ንመዕድዪ ኺበጽሕ እዩ።
3. እግዚኣብሄር እዚ ቓል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ምድሪ ብጥራስ ጥራያ ኽትከውን ብጥራስውን ክትብዝበዝ እያ።
4. ምድሪ ትሐዝን ትጽምሉውን ኣላ፡ ዓለም ትሕለል ትጽምሉውን ኣላ፡ እቶም ምርኡያት ህዝቢ ምድሪ ይሕለሉ ኣለው።
5. ሕጊ ስዒሮም ስርዓት ለዊጦም፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ኺዳን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዚነብሩ ረኸሰት።
6. ስለዚ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋስ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ይቕጽዑ ኣለው፡ ስለዚ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ይነዱ፡ ሒደት ሰብ ከኣ ይተርፉ።
7. ኰልዒ ወይኒ ይሐዝን፡ ተኽሊ ወይኒ ይሕለል፡ እቶም ኣብ ልቦም ሓጐስ ዝነበሮም ኲላቶም ይትክዙ ኣለው።
8. ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፡ ጭራሕምራሕ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፡ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ፡
9. ደጊምሲ እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩን፡ ብርቱዕ መስተ ንሰተይቱ ይመሮም።
10. እታ ዝባደመት ከተማ ፈረሰት፡ ቤት ዘበለ ኸኣ ሰብ ከይኣትዎ ተዐጽወ።
11. ብዛዕባ ወይኒ ኣብ ኣደባባይ ታዕታዕ ይብሉ፡ ታሕጓስ ዘበለ ዐረበ፡ ተድላ ምድሪ ጐዐዘ።
12. ኣብታ ኸተማስ ዑና ጥራይ ተረፈ፡ ምዕናው ከኣ ንመዓጹ ሰበረ።
13. እምበኣርሲ ኣብ ምድሪ ኣብ ማእከል ህዝብታት፡ ከምቲ ምንዝናዝ ኣውልዕ፡ ምጒናእ ዘቢብ ተወዲኡስ፡ ቀሪም ከም ዚቕረም፡ ኪኸውን እዩ።
14. እዚኣቶም ድምጾም የልዕሉ፡ እልል ከኣ ይብሉ፡ ብዛዕባ ግርማ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ።
15. ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ምብራቕ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ደሴታት ባሕሪ ኣኽብርዎ።
16. ካብ ወሰን ምድሪ፡ ክብሪ ነቲ ጻድቕ ዚብል መዝሙር ንሰምዕ ኣሎና። ኣነ ግና፡ ዘማቶ ይዘምቱ፡ እወ፡ ዘማቶ ኣዝዮም ይዘምቱ ኣለው፡ ይዋእ ኣነ፡ ይዋእ ኣነ፡ ወይለይ፡ በልኩ።
17. ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር፡ ስምባድን ጒድጓድን መፈንጠራን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።
18. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኻብ ደሃይ ስምባድ ዚሀድም ናብ ጒድጓድ ኪወድቕ፡ እቲ ኻብ ጒድጓድ ዚወጽእ ከኣ ብመፈንጠራ ኺትሐዝ እዩ። መሳዂቲ ኣብ ላዕሊ ተኸፊቱ እዩ እሞ፡ መሰረታት ምድሪውን የንደቕድቕ ኣሎ።
19. ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ትስበር፡ ምድሪ ተረር ኢላ ትትርተር፡ ምድሪ ነነይ ኢላ ትናወጽ።
20. ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡ ከም ዳስ ከኣ ሰሰው ትብል፡ ኣበሳኣ ኸቢድዋ ትወድቕ፡ መሊሳውን ኣይትትንስእን።
21. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ላዕሊ ኣብ ላዕሊ፡ ንነገስታት ምድሪውን ኣብ ምድሪ ኪቐጽዕ እዩ።
22. ብሓደ ይእከቡ፡ እሱራት ኣብ ጒድጓድ ከም ዚእከቡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይዕጸው፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ ኪቕጽዑ እዮም።
23. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኪነግስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ኪኸብር እዩ እሞ፡ ሽዑ ወርሒ ኽትሐፍር፡ ጸሓይ ክትሐንኽ እያ።

  Isaiah (24/66)