| ← Isaiah (24/66) → | 
| 1. | እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንምድሪ ጥራያ ይገብራን የባድማን፡ ገጻ ይግምጥል፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ፋሕ የብሎም። | 
| 2. | ከምቲ ንህዝቢ ኸምኡ ንኻህን ኪበጽሖ እዩ፡ ከምቲ ንባርያ ኸምኡ ንጐይታ፡ ከምቲ ንግዝእቲ ኸምኡ ንእመቤት፡ ከምቲ ንተሻያጢ ኸምኡ ንሸያጢ፡ ከምቲ ንተለቃሒ ኸምኡ ንመለቅሒ፡ ከምቲ ንብዓል ዕዳ ኸምኡ ንመዕድዪ ኺበጽሕ እዩ። | 
| 3. | እግዚኣብሄር እዚ ቓል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ምድሪ ብጥራስ ጥራያ ኽትከውን ብጥራስውን ክትብዝበዝ እያ። | 
| 4. | ምድሪ ትሐዝን ትጽምሉውን ኣላ፡ ዓለም ትሕለል ትጽምሉውን ኣላ፡ እቶም ምርኡያት ህዝቢ ምድሪ ይሕለሉ ኣለው። | 
| 5. | ሕጊ ስዒሮም ስርዓት ለዊጦም፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ኺዳን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዚነብሩ ረኸሰት። | 
| 6. | ስለዚ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋስ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ይቕጽዑ ኣለው፡ ስለዚ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ይነዱ፡ ሒደት ሰብ ከኣ ይተርፉ። | 
| 7. | ኰልዒ ወይኒ ይሐዝን፡ ተኽሊ ወይኒ ይሕለል፡ እቶም ኣብ ልቦም ሓጐስ ዝነበሮም ኲላቶም ይትክዙ ኣለው። | 
| 8. | ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፡ ጭራሕምራሕ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፡ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ፡ | 
| 9. | ደጊምሲ እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩን፡ ብርቱዕ መስተ ንሰተይቱ ይመሮም። | 
| 10. | እታ ዝባደመት ከተማ ፈረሰት፡ ቤት ዘበለ ኸኣ ሰብ ከይኣትዎ ተዐጽወ። | 
| 11. | ብዛዕባ ወይኒ ኣብ ኣደባባይ ታዕታዕ ይብሉ፡ ታሕጓስ ዘበለ ዐረበ፡ ተድላ ምድሪ ጐዐዘ። | 
| 12. | ኣብታ ኸተማስ ዑና ጥራይ ተረፈ፡ ምዕናው ከኣ ንመዓጹ ሰበረ። | 
| 13. | እምበኣርሲ ኣብ ምድሪ ኣብ ማእከል ህዝብታት፡ ከምቲ ምንዝናዝ ኣውልዕ፡ ምጒናእ ዘቢብ ተወዲኡስ፡ ቀሪም ከም ዚቕረም፡ ኪኸውን እዩ። | 
| 14. | እዚኣቶም ድምጾም የልዕሉ፡ እልል ከኣ ይብሉ፡ ብዛዕባ ግርማ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ። | 
| 15. | ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ምብራቕ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ደሴታት ባሕሪ ኣኽብርዎ። | 
| 16. | ካብ ወሰን ምድሪ፡ ክብሪ ነቲ ጻድቕ ዚብል መዝሙር ንሰምዕ ኣሎና። ኣነ ግና፡ ዘማቶ ይዘምቱ፡ እወ፡ ዘማቶ ኣዝዮም ይዘምቱ ኣለው፡ ይዋእ ኣነ፡ ይዋእ ኣነ፡ ወይለይ፡ በልኩ። | 
| 17. | ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር፡ ስምባድን ጒድጓድን መፈንጠራን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ። | 
| 18. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኻብ ደሃይ ስምባድ ዚሀድም ናብ ጒድጓድ ኪወድቕ፡ እቲ ኻብ ጒድጓድ ዚወጽእ ከኣ ብመፈንጠራ ኺትሐዝ እዩ። መሳዂቲ ኣብ ላዕሊ ተኸፊቱ እዩ እሞ፡ መሰረታት ምድሪውን የንደቕድቕ ኣሎ። | 
| 19. | ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ትስበር፡ ምድሪ ተረር ኢላ ትትርተር፡ ምድሪ ነነይ ኢላ ትናወጽ። | 
| 20. | ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡ ከም ዳስ ከኣ ሰሰው ትብል፡ ኣበሳኣ ኸቢድዋ ትወድቕ፡ መሊሳውን ኣይትትንስእን። | 
| 21. | በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ላዕሊ ኣብ ላዕሊ፡ ንነገስታት ምድሪውን ኣብ ምድሪ ኪቐጽዕ እዩ። | 
| 22. | ብሓደ ይእከቡ፡ እሱራት ኣብ ጒድጓድ ከም ዚእከቡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይዕጸው፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ ኪቕጽዑ እዮም። | 
| 23. | እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኪነግስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ኪኸብር እዩ እሞ፡ ሽዑ ወርሒ ኽትሐፍር፡ ጸሓይ ክትሐንኽ እያ። | 
| ← Isaiah (24/66) → |