Isaiah (23/66)  

1. ጾር ብዛዕባ ጢሮስ። ዖንያ እያ፡ ቤት የልቦን፡ ምእታው የልቦን እሞ፡ ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ ዋይዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ተገልጸሎም።
2. ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ስቕ በሉ፡ እቶም ብባሕሪ ዚሳገሩ ነጋዶ ሲዶን መልኡኺ።
3. እኽሊ ሲሆርን ቀውዒ ኒልን፡ ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እቶታ ነበረ፡ ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ነበረት።
4. ባሕሪ፡ እቲ ናይ ባሕሪ ዕርዲ፡ ቅልውላው ኣይሐዘንን ኣይወለድኩን ከኣ፡ ኣጒባዝ ኣየዕቤኹን፡ ደናግል ድማ ኣየዕቤኹን፡ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ኣቲ ሲዶን፡ ሕፈሪ።
5. እዚ ወረ እዚ ናብ ግብጺ ምስ ዚበጽሕ፡ በቲ ወረ ጢሮስ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም።
6. ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ናብ ተርሲስ ተሳገሩ እሞ ዋይዋይ በሉ።
7. እታ ኻብ ጥንቲ ዝጀመረት፡ ኣእጋራውን ናብ ርሑቕ ሃገር፡ ኣብኡ ኽትነብር ዝወስዳ ሕጒስቲ ኸተማኹምሲ እዚኣ ድያ
8. ነታ ዘውድታት እትዕድል ዝነበረት፡ መሳፍንቲ ዝነጋዶኣ፡ ምርኡያት ምድሪ ዝሸቃጦኣ ጢሮስሲ፡ መን እዩ እዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ልዕሌኣ ዝመኸረላ
9. ንትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኼሕስር፡ ንዂሎም ምርኡያት ምድሪ ምእንቲ ኼዋርድ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝመኸሮ።
10. ኣቲ ጓል ተርሲስ፡ ከም ኒል ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ኣሳፍሒ፡ ደጊምሲ ማዕጥቖ የብልክን።
11. ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ፡ ንመንግስትታት ራዕራዕ ኣበሎም፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸነኣን ዕርድታታ ኺፈርስ አዘዘ።
12. በለ ድማ፡ ኣቲ እተዐመጽኪ ድንግል ጓል ሲዶን፡ ደጊምሲ ኣይክትሕጐስን ኢኺ፡ ተለዐሊ እሞ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፡ ኣብኡውን ህድኣትስ ኣይክትረኽብን ኢኺ።
13. እንሆ፡ ሃገር ከለዳውያን፡ ቀደም ህዝቢ ዘይነበረስ፡ ኣሶር ንኣራዊት በረኻ መደቦ፡ ዚኸቡሉ ግምቦም ይሰርሑ፡ ኣዳራሻታ የፍርሱ፡ ዖናውን ይገብርዎ።
14. ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ ዕርድኽን ፈሪሱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በላ።
15. በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ጢሮስ፡ ከም መዓልትታት ሓድ ንጉስ፡ ንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ግና ንጢሮስ ከምቲ ደርፊ ኣመንዝራ ዚብሎ ኪዀና እዩ፡
16. ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፡ መሰንቆኺ ኣልዕሊ፡ ኣብ ከተማ ዙሪ፡ ኣጸቢቕኪ መሰንቆ ኣቓንዪ፡ ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ፡ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ።
17. ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ከኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ኪቐጽዓ እዩ፡ ንሳ ኸኣ ናብ ዓስቢ ምንዝርናኣ ኽትምለስ፡ ምስ ኲሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለው መንግስትታት ዓለም ድማ ክትምንዝር እያ።
18. ግናኸ ረብሓኣን እቲ ዓስቢ ምንዝርናኣን ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኪኸውን እዩ፡ ረብሓኣ በሊዖም ምእንቲ ኺጸግቡ፡ ብሉጽ ክዳንውን ኪኽደኑስ፡ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚነብሩ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ኣይኪዕቈርን ኣይኪንበርን እዩ።

  Isaiah (23/66)