| ← Isaiah (22/66) → |
| 1. | ጾር ብዛዕባ ሽንጭሮ ራእይ። ኲሉ ሰብኪ ናብ ናሕሲ ዚድይብሲ እንታይ ረኺቡኪ እዩ |
| 2. | ኣቲ ታዕታዕን ዕግርግርን ዝመልኣኪ ኸተማ፡ ኣቲ ሕጒስቲ ኸተማ፡ እቶም ቅቱላትኪ ብሰይፊ ኣይተቐትሉን፡ ኣብ ውግእ ከኣ ኣይሞቱን። |
| 3. | ኲሎም መኳንንትኺ ሐቢሮም ሀደሙ፡ ብዘይ መንትግ ተኣሰሩ፡ ኣባኺ እተረኽቡ ዘበሉ ዂሎም፡ ኣርሒቖም እኳ እንተ ሀደሙ፡ ሐቢሮም ተኣስሩ። |
| 4. | ስለዚ ኣምሪረ ኽበክስ ቊሊሕ ኣይትበሉኒ፡ ብጥፍኣት ጓል ህዝበይ ንምጽንናዕ ኣይትነዝንዙኒ፡ በልኩ። |
| 5. | መዓልቲ ዕግርግርን ረግጽን ተጓእ ምባልን ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ ሽንጭሮ ራእያት ኰይኑ እዩ እሞ፡ ቀጽርታት ይፈርስ፡ ኣውያት ድማ ክሳዕ ኣኽራን ይበጽሕ ኣሎ። |
| 6. | ኤላም ጒልድባ ጾረት፡ ምስ ሰብ ሰረገላን ፈረሰኛታትን ወጸት፡ ቂር ዋልታ ቐልዔት። |
| 7. | እቲ ጸጽቡቕ ለሴታትኪ ብሰረገላታት መልኤ፡ ፈረሰኛታት ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ተሰለፉ። |
| 8. | ጒልባብ ይሁዳ ተቐልዔ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኣጽዋር፡ ናብ ቤት ዱር ቊሊሕ በልኪ። |
| 9. | እቲ ፍሩስ ኣብ ከተማ ዳዊት ምብዝሑ ርኤኹም፡ ነቲ ማይ ከኣ ኣብቲ ታሕታይ ሓጽቢ ኣከብኩም፡ |
| 10. | ነባይቲ ኸተጽንዑ ኸኣ፡ ነቲ ኣባይቲ ኣፍረስኩምዎ። |
| 11. | ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቐጽሪ ድማ ንማይ እቲ ናይ ቀደም ሓጽቢስ መኣከብ ማይ ገበርኩም፡ ግናኸ ናብቲ ነዚ ዝገበረ ኣይጠመትኩምን፡ ናብቲ ኻብ ጥንቲ ዘዳለዎ ኣይርኤኹምን። |
| 12. | በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንብኽያት ንዋይዋይን ንምልጻይ ርእስን ከሊ ንምዕጣቕን ጸውዓኩም። |
| 13. | እንሆ ኸኣ ታሕጓስን ደስታን ምሕራድ ኣብዑርን ምጥባሕ ኣባጊዕን ምብላዕ ስጋን ምስታይ ወይንን ኰነ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕን ንስተን፡ ትብሉ ኣሎኹም። |
| 14. | እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ እዝነይ ነገረኒ፡ እዚ ዓመጻ እዚ ኽሳዕ እትሞቱ ኣይሕደገልኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። |
| 15. | እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ በለ፡ ናብ ሸብና፡ እቲ ኣዛዝ ቤት ኰይኑ ዘሎ ዓቃብ ቤት፡ ኪድ እሞ ንገሮ፡ |
| 16. | ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ መቓብር ኣብዚ እትወቅር፡ ኣታ መቓብርካ ኣብ ላዕሊ እትወቅር፡ ስፍራ ንርእስኻ ኣብ ከውሒ እትዂዕትሲ፡ ኣብዚ መን ኣሎካ |
| 17. | እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ቅልጽም ኣርሒቑ ኺውርውረካ፡ ኣጸቢቑ ድማ ኪዕዂልለካ እዩ፡ |
| 18. | ጠቕሊሉ የንከባልለካ፡ ከም ኲዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ሃገር ኪድርብየካ እዩ፡ ኣታ ነውሪ ቤት ጐይታኻ፡ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፡ እተን ሰረገላታት ክብርኻ ድማ ኣብኡ ኪዀና እየን። |
| 19. | ካብ ስፍራኻ ክሰጐካ እየ፡ ካብ ሽመትካ ድማ ኪስዕረካ እዩ። |
| 20. | በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንባርያይ ኤልያቂም ወዲ ህልቅያ ኽጽውዖ እየ፡ |
| 21. | ቀሚስካ ኸልብሶ፡ ማዕጥቖኻ ኸዕጥቖ፡ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፡ ንሱውን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ኪኸውን እዩ። |
| 22. | መኽፈቻ ቤት ዳዊት ድማ ኣብ መንኲቡ ኸንብር እየ፡ ንሱ ይኸፍት፡ ሓደ ዚዐጹ ኸኣ የልቦን፡ ንሱ ይዐጹ፡ ሓደ ዚኸፍት ድማ የልቦን። |
| 23. | ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፡ ንቤት ኣቦኡውን ዝፋን ክብሪ ኪኸውን እዩ። |
| 24. | ክብሪ ቤት ኣቦኡ ዂሉ፡ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፡ ኲሉ ናእሽቱ ኣቓሑ፡ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኺስቀል እዩ። |
| 25. | እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር ኪመልቚን ኪቚረጽን ኪወድቕን፡እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ጾር ከኣ ኪቕረጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። |
| ← Isaiah (22/66) → |