Isaiah (22/66)  

1. ጾር ብዛዕባ ሽንጭሮ ራእይ። ኲሉ ሰብኪ ናብ ናሕሲ ዚድይብሲ እንታይ ረኺቡኪ እዩ
2. ኣቲ ታዕታዕን ዕግርግርን ዝመልኣኪ ኸተማ፡ ኣቲ ሕጒስቲ ኸተማ፡ እቶም ቅቱላትኪ ብሰይፊ ኣይተቐትሉን፡ ኣብ ውግእ ከኣ ኣይሞቱን።
3. ኲሎም መኳንንትኺ ሐቢሮም ሀደሙ፡ ብዘይ መንትግ ተኣሰሩ፡ ኣባኺ እተረኽቡ ዘበሉ ዂሎም፡ ኣርሒቖም እኳ እንተ ሀደሙ፡ ሐቢሮም ተኣስሩ።
4. ስለዚ ኣምሪረ ኽበክስ ቊሊሕ ኣይትበሉኒ፡ ብጥፍኣት ጓል ህዝበይ ንምጽንናዕ ኣይትነዝንዙኒ፡ በልኩ።
5. መዓልቲ ዕግርግርን ረግጽን ተጓእ ምባልን ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ ሽንጭሮ ራእያት ኰይኑ እዩ እሞ፡ ቀጽርታት ይፈርስ፡ ኣውያት ድማ ክሳዕ ኣኽራን ይበጽሕ ኣሎ።
6. ኤላም ጒልድባ ጾረት፡ ምስ ሰብ ሰረገላን ፈረሰኛታትን ወጸት፡ ቂር ዋልታ ቐልዔት።
7. እቲ ጸጽቡቕ ለሴታትኪ ብሰረገላታት መልኤ፡ ፈረሰኛታት ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ተሰለፉ።
8. ጒልባብ ይሁዳ ተቐልዔ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኣጽዋር፡ ናብ ቤት ዱር ቊሊሕ በልኪ።
9. እቲ ፍሩስ ኣብ ከተማ ዳዊት ምብዝሑ ርኤኹም፡ ነቲ ማይ ከኣ ኣብቲ ታሕታይ ሓጽቢ ኣከብኩም፡
10. ነባይቲ ኸተጽንዑ ኸኣ፡ ነቲ ኣባይቲ ኣፍረስኩምዎ።
11. ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቐጽሪ ድማ ንማይ እቲ ናይ ቀደም ሓጽቢስ መኣከብ ማይ ገበርኩም፡ ግናኸ ናብቲ ነዚ ዝገበረ ኣይጠመትኩምን፡ ናብቲ ኻብ ጥንቲ ዘዳለዎ ኣይርኤኹምን።
12. በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንብኽያት ንዋይዋይን ንምልጻይ ርእስን ከሊ ንምዕጣቕን ጸውዓኩም።
13. እንሆ ኸኣ ታሕጓስን ደስታን ምሕራድ ኣብዑርን ምጥባሕ ኣባጊዕን ምብላዕ ስጋን ምስታይ ወይንን ኰነ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕን ንስተን፡ ትብሉ ኣሎኹም።
14. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ እዝነይ ነገረኒ፡ እዚ ዓመጻ እዚ ኽሳዕ እትሞቱ ኣይሕደገልኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
15. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ በለ፡ ናብ ሸብና፡ እቲ ኣዛዝ ቤት ኰይኑ ዘሎ ዓቃብ ቤት፡ ኪድ እሞ ንገሮ፡
16. ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ መቓብር ኣብዚ እትወቅር፡ ኣታ መቓብርካ ኣብ ላዕሊ እትወቅር፡ ስፍራ ንርእስኻ ኣብ ከውሒ እትዂዕትሲ፡ ኣብዚ መን ኣሎካ
17. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ቅልጽም ኣርሒቑ ኺውርውረካ፡ ኣጸቢቑ ድማ ኪዕዂልለካ እዩ፡
18. ጠቕሊሉ የንከባልለካ፡ ከም ኲዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ሃገር ኪድርብየካ እዩ፡ ኣታ ነውሪ ቤት ጐይታኻ፡ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፡ እተን ሰረገላታት ክብርኻ ድማ ኣብኡ ኪዀና እየን።
19. ካብ ስፍራኻ ክሰጐካ እየ፡ ካብ ሽመትካ ድማ ኪስዕረካ እዩ።
20. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንባርያይ ኤልያቂም ወዲ ህልቅያ ኽጽውዖ እየ፡
21. ቀሚስካ ኸልብሶ፡ ማዕጥቖኻ ኸዕጥቖ፡ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፡ ንሱውን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ኪኸውን እዩ።
22. መኽፈቻ ቤት ዳዊት ድማ ኣብ መንኲቡ ኸንብር እየ፡ ንሱ ይኸፍት፡ ሓደ ዚዐጹ ኸኣ የልቦን፡ ንሱ ይዐጹ፡ ሓደ ዚኸፍት ድማ የልቦን።
23. ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፡ ንቤት ኣቦኡውን ዝፋን ክብሪ ኪኸውን እዩ።
24. ክብሪ ቤት ኣቦኡ ዂሉ፡ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፡ ኲሉ ናእሽቱ ኣቓሑ፡ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኺስቀል እዩ።
25. እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር ኪመልቚን ኪቚረጽን ኪወድቕን፡እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ጾር ከኣ ኪቕረጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

  Isaiah (22/66)